ድለ

2024.04.22 presentazione in sala stampa santa sede evento La carezza e il sorriso 2024.04.22 presentazione in sala stampa santa sede evento La carezza e il sorriso 

ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ደቂ ደቆምን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክራኸቡ ምዃኖ

ናይቶም ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለምና ዘለዉ ኣረጋውያን ዘለዎም ግደን ኣበርክቶን ንምድንፋዕ ተባሂሉ ንኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ደቂ ደቆምን ኣብቲ ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘራኽብ መደብ ብ27 ሚያዝያ ክካየድ ምኹኑን ብናይ ኢጣልያ "ማሕበር ኣረግቶትን ሽማግሌታትን" ዝምወል ምኹኑን፣ ኣብቲ ብቤት ጽሕፈት ዜና ክፍሊ ማሕተም ቅድስቲ መንበር እተገብረ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣዳለውቲ ናይዚ መደብ ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘተን ዝርርብን ከም ዝህሉ ምግባርን ኣብ ማሕበራውን ባህላውን ጕዳያት ሳልሳይ መዋእል ከም ዝሰፍሕ ንምግባርን ሸቶታት ናይቲ ብዕለት 27 ሚያዝያ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝረከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣደራሽ ዝካየድ "ሕቑፍን ፍሽኽታን" ዘርእስቱ ፍሉይ መደብ ክኸውን ኢዩ።

ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዝዀኑ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ሽማግሌታን ደቂ ደቆምን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኪራኸቡ እዮም። እዚ መደብ እዚ ከም ዝካየድ ድማ ትማሊ ሰኑይ ንግሆ ነቲ ናይ ኢጣልያ ማሕበር ኣረጋውያንን ሽማግሌታትን እውን ሓዊስካ ምስቶም ኣዳለውቲ ናይዚ መደብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቅድስቲ መንበር ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዕሊ ተነጊሩ ። እዚ ፍጻመ እዚ ኣብመሰላት ኣረጋውያንን ነቲ ኣብ ማሕበረሰብ ዘለዎ ሓላፍነታትን ዜጕልሕን ዚጥንቀቐሉን ኣብ ክርስትያናዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት እተመርኰሰ ክኸውን ኢዩ።

ንሓልዮት ኣርገጋያን  እንደገና ንምውዳብ

ኣቦ መንበር ናይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ-ሕይወት ብፁዕ ሊቀ - ጳጳሳት ቪንሰንዞ ፓሊያ ብዛዕባ እርጋን ሓድሽ ኣረኣእያ ንምሃብ ዝዓለመ ከም ምኹኑ ውን ኣመልከቱ ። እቲ ውርሻ ናይቲ ኣብ ሳልሳይ ዕድመ ዝርከብ ሓልዮት ከም ብሓድሽ ክርከብ ዝከኣል ምዃኑ ውን ገለጹ፣ ስለዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ኣጋጣሚ ኣብ መንጎ ካልኦት ወለዶታት ወትሩ ዘይርከብ፣ ብፍሉይ ስኒትን ሓድነትን ጽልዋን ዘለዎ ስፍሓትን ኣብ መንጐ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ደቂ ደቆምን ዘርኢ ።

ሊቀ-ጳጳሳት ፓልያ ኣብቲ ኣብ ሮማ እተገብረ ዋዕላ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቶም ኣረጋውያን ክሳዕ ክንደይ ኪህቡ ኸም ዚኽእሉ ክንግንዘብ ኸም ዘሎና ገለጹ፣ ኣብ ኢጣልያ 14 ሚልዮን ኣረጋውያን እኳ እንተ ኣለዉ ነቲ ምስኦም ዚተሓሓዝ ፖለቲካውን ቍጠባውን ሃይማኖታውን ባህላውን ጕዳያት ግን ብዙሕ ይጐድሎም ኣሎ።

ሊቀ-ጳጳሳት ፓሊያ ከም ዝገለጽዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ዘካይድዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ምድብ ትምህርቲ ብዛዕብ እርጋንን ሽምግልናን ዘካየድዎ፣ ንሳልሳይ ዘመን ኣብ ግምት ምእታው ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ምጽንባል ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕሊሖም ኣለዉ ። ብተወሳኺውን እታ ብ2023 ብዛዕባ ርእስኻ ዘይምኽኣል እተገብረ ተሓድሶ እትገልጽ ሕጊ 33፣ ኢጣልያ ንዝዀነ ይኹን ኢጣልያዊ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ንምክንኻን እንደገና ኽትውድብ ከም ዝቘረጸትን ካልኦት ሃገራት እውን ነቲ ብዕድመ ዝደፍአ ወለዶ ዝምልከት ጕዳያት ግቡእ ቈላሕታ ኽህባኦ ተስፋ ከም ዝገብርን ይገልጽ። ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን በቲ ምስ ደቂ ደቆም ዘለዎም ርክብ ኣቢሎም ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘሎ ምዉቕ ስምዒትን ምርዳእን ስኒትን ኪፈጥሩ ኸም ዚኽእሉ ገለጹ፣ ከመይሲ እተፈላለየ ወለዶታት ንሓድሕዶም ኪደጋገፉ ስለ ዘለዎም ኢዩ ድማ ይብሉ።

ማሕበር ኣረጋውያንን ሽማግሌታትን

እቲ 27 ሚያዝያ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝካየድ ኣኼባ፣ ብምትሕብባር እቲ ኣብ ኢጣልያ ዚርከብ ምሕበር ኣረጋውያንን ሽማግሌታን ዝተሰምየ ኰይኑ፣ ነቲ ሰብ ዜድልዮ ነገራትን ድኽመታትን ኣብ ኣረጋውያን ከም ዜስተንትነሉ ብምግባር፣ ነቲ ምስዚ ጕዳያት እዚ ዚተሓሓዝ ሰብኣዊ ስፍሓት ዜጕልሕ እዩ።  እዚ ትካል እዚ ኣብ ናይ ስራሕ፡ ባህሊ፡ ትምህርቲ፡ ህዝባዊ ጥዕና፡ ቍጠባዊ ዕቝባ፡ ከምኡውን ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ንኣረጋውያን ዝጠቅም ማሕበራዊ ፖሊሲታት ዘተባዕን ዘደንፍዕን ኢዩ ።

ተወካሊ እቲ ትካል ዝዀነ ማሪዮ ማራዚቲ "ነቶም ብጽምዋን ተነጽሎም እተጐድኡ ምእንቲ ኸነሕውዮም ክንክንና ብምውፋይ ንዓለምና ሰብኣዊ ኽንገብሮ ኽንጽዕር ንደሊ ኢና " ድማ በለ ።

23 April 2024, 11:51