ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ቬትናም: ሓቀይና ሓጎስ ምስ ክርስቶስን ኣብ ውፉይ ፍቕርን እዩ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ቬትናም: ሓቀይና ሓጎስ ምስ ክርስቶስን ኣብ ውፉይ ፍቕርን እዩ  (ANSA)

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት: ሓቀይና ሓጎስ ምስ ክርስቶስን ኣብ ውፉይ ፍቕርን እዩ

ኣብዘን ማዕልታት ኣብ ቬትናም ክሳብ ዕለት 14 ሚያዝያ ዝቕጽል ሓዋርያዊ ዑደት ዘካይዱ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻእ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዕለት 11 ሚያዝያ ምስ ተማሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ ናይ ርእሰ ሰበካ ሁኤ ተራኺቦም፥ ነቶም ተማሃሮ ዘርአ ክሀንት፥ “ናይ ድኻታት ገዓር ንኽሰምዑ ናብ ዓለም ዝተላእኩ ሓጎስ ዝዓሰሎም ልኡካን ፍቕሪ” ንኽትኮኑ ትጽውዑ፥ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳስ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ንተማሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ ናይ ርእሰ ሰበኻ ሁኤ ኣብ ቬትናም ዘስምዕዎ መደረ፥ ሓሴት ዝብል ቃል ሕመረት ዝገበረ ኮይኑ፡ ብቐዳምነት ኣብ ቬትናምን ኣብ ቬትናም ምስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክራኸቡ ሓሴት ከም ፈጥረሎም ገሊጾም፥ “ክንራኸብን ርክብ ክንሃንጽን ክንፋለጥን ንሓድሕድና ክንፋቐርን ዝተኣከብና ኢና፥ እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ድሕሪ ምምራጾም ነዊሕ ከይጸንሑ ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ መሰረት ነቲ ርክብ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

 ቅዱስ ጳውሎስ ለ-ባኦ-ቲን፡ ኣብ መንጎ ስቓይ እውን እንተኾኑ ብሓሴት እተመላእኩ እየ

"ብተፈጥሮ ሕጉስ ምዃን ማለት ጓሂ ወይ ስቓይ፡ ናይ ጸገምን ጥርጣረን ህሞታት ዘይምህላው ማለት ኣይኮነን"። ኣብዚ መዳይ’ዚ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ለ-ባኦ-ቲን ቬትናማዊ ሰማዕት እምነት፡ ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ኬ-ቪን፥ ዘመሓላለፎ መልኽቲ ተወኪስም፡ ኣብ 1843 ዓ.ም.፥

"ኣብዚ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ሓቀይና ምስሊ ዘልኣለማዊ ሲኦል እዩ: ኣብ ኩሉ ዓይነት ጨካን ስቅያት - ሰንሰለት ሓጺን፡ መቑሕ - ጽልኢ፡ ሕነ ምፍዳይ፡ ጸለመ፡ ጽዩፍ ዘረባ፡ ባእሲ፡ ክፉእ ተግባራት፡ ጸርፊ፡ መርገም፡ ከምኡ'ውን ጭንቀትን ቃንዛን ይውሰኽ።" .(...) ኣብ ማእከል እዚመብዛሕቲኡ ዘርዕድን ስቓይ፡ ኣነ በይነይ ስለ ዘይኮንኩ፡ ብጸጋ ኣምላኽ፡ ብርሃንን ታሕጓስን ዝተመላእኩ እየ - ክርስቶስ ምሳይ ኣሎ"።

ካህናት፡ "ልኡካን ውፉይ ፍቕሪ"

"እዚ ናይ ብሓቂ ሓጎስ እዩ" ዝበሉ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ነቶም ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ክሉ ሰብ ሓጎስ ዘለዎ ሰብ ናይ ምዃን ዓቕሙ ንኽምርምር ድማ ዓዲሞም። ከምኡ’ውን ተልእኾ ወንጌል ሓጐስ እዩ: ከምዚ ምዃኑ ከም ኣብነት ድማ ቅድስቲ ማድረ ተረዛ ዘካልካታ ምዝካር ከም ዝከኣልን፣ ቅድስቲ ማድረ ተረዛ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመት መንፈሳዊ ደረቕነት ማለት ኣብ ህይወታ ኣምላኽ ዘይምህላው ዘምስል፡ ኣምላኽ ኣበይ ኣሎም ዘብል ኩነታት ዘጋጠማ። "እንተኾነ ግን -ኩሉ ግዜ ፍሽኽ ትብል እያ ነይራ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ኣዒንታ ሓጎስ ዝመልአ እያ ነይራ! ብፍሽኽታኣ ነዚ ሓጎስ እዚ ንኹሎም ዝረኸበቶም ሰባት፡ ነቶም ለምጻማት፡ ግዳም ሓደር ሰባት፡ ዝተደርበዩ፡ ብወልፍን ሕማማትን ዝሳቐዩ ሰባት ነት ሓጎስ ተብጽሕ ነይራ፡" እዚ ንካህናት ዝተዋህበ ዕማም "ልኡካን ፍቕሪ ኽኾኑ፡ ዝብል ናብ ዓለም ዝተላእኩ፡ በቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ 'እወ' ንኽብሉ ብዝደፍኦም ሓጎስ ዝመልኡ ዋላ ኣብ ማእከል ስደትን ጸገምን እተተረኽቡ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣገዳስነት ህንጸት ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት

በዚ መንዲ ምንባር፣ ቅጽበታዊ ኣይኮነን፣ ይኹን እምበር፣ "ቀጻሊ ጻዕርን ዕቱብ ምድላውን ይሓትት" በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ህንጸት ካህናት ንቤተ ክርስቲያን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን። "ጓሶት ቤተ ክርስቲያን ንእምነት ክነብሩዋ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ምትሕልላፍን ካልኦት ብሓቀይና መንገዲ ክነብሩላ ናይ ምህናጽን ዓቕሚ ክህልዎም ኣለዎ"። ከምኡ'ውን ተመሃሮ ዘርአ ክህነት፡ እዚ ድማ እቲ ኣብ 1992 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድሕሪ ሲኖዶስ Pastores dabo vobis - ጓሶት ክህበኩም እየ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ተመልኪቱ ከም ዘሎ ድማ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብታ ናይ 1992 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ምዕዳን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንሕንጸት ካህናት ዝምልከት ኣርባዕተ ኣዕኑድ የመላኽቱ ብተወሳኺ ኣብ ገለ ፍሉያት  ኣብ ዘመናዊ ዓለም ክርስትያናዊ እምነት ኣብ ምንባር ክግጠሙ ዘለዎም ብድሆታትን ኣስተንትኖታት ብዛዕባ መንነት ካህን፣ ብዛዕባ ርክብ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስን" የቕርቡ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ምስ ዛዘሙ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ካብቶም ኣብቲ ቦታ ካብ ዝተርኽቡ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ንኽቕርብዎ ዝደልዩ ሕቶታት ቦታ ከም ዝሃቡን፥ "ወትሩ ብትብዓት ቅንኣትን ሓጎስ ዝመልኦ ተስፋን ውዕዉዕ ግብረ ሰናይን ዝተመላእኩም ኴይንኩም ጽንዑ" እንክብሉ ትምኒቶምን ሰላምታኦምን ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 April 2024, 15:34