ድለ

2024.04.04 ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ፓናማ ን100 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ንምኽባር 2024.04.04 ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ፓናማ ን100 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ንምኽባር 

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ፓናማ ን100 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ንምኽባር

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ቅዋሜ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ማእከላይ ኣመሪካን ንምብዕል ኣብ ፓናማ ዘካየድዎ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ዛዚሞም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳስ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዋና ጸሓፊ ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን፡ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ማእከላይ ኣመሪካን ዝቖመ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ንምኽባር ኣብ ፓናማ ዘካየድዎ ዑደት ዕለት 4 ሚያዝያ ይዛዝሙ።

ኣብቲ ካብ ዕለት 1 – 4 ሚያዝያ ኣብ ፓናማ ዘካየድዎ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ጉዕዞኦም ምስ ሰበስልጣንን ናይ ፖለቲካ ላዕለዎት ኣካላትን ተራኺቦም ኣብ ከተማ ፓናማ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ምስ ወከልቲ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ተራኺቦም፡ ኣብ ሓደ ናይ ስደተኛታት መእለዪ ማእከል ዑደት ከም ዘካየዱን ኣስዒቦም ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓናማ ኻናይና ተዋነይ መንኮሞ ኣብ ዝተገብረትሎም እንግዶት እውን ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምብጻሕ ናብ ማእከል መዕቆቢ ስደተይናታት

ሊቀ ጳጳስ ጋላገር ኣብ ፓናማ ኣብ ዝጸንሓሉ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ብናይ ፓናማ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተዓጂቦም ናብታ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር እትርከብ ኮሎምብያን ምስ ፓስፊክ ውቅያኖስን እትዳውብ ዞባ ዳሪየን ተጓዒዞም። ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክሰግሩ ብመጀመርያ ዝሓልፍዎ ዱር ዳርየን ዝርከብ ስፍራ እውን ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ሓደ ካብቶም ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ዝመልኡ ሓደገይና መስመራት ዓለም ተባሂሉ ዝንገረሉ ስፍራ ከም ዝኾነን ኣብቲ ከባቢ እቶም ስደተይናታት ኣደዳ ዓመጽን ምትላልን ዝኾኑሉ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዞባ ካልእ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዝተፈላለየ ግብረ ዓመጽ ከም ዘጋጥሞምን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ኣብ እዋን ምስጋር እቲ ዱር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከምዝሞቱ እውን የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 መጋቢት 2024 ዓ.ም. ነቲ እቶም ስደተይናታት ዝእንገድሉ ኣብ ላኻስ ብላንካስ ኣብ ዝርከብ ማእከል ንዘገልግሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ነቶም ካብ ኣደዳ ዓመጽን ካልእ ዝተፈላለየ ግፍዕታትን ዝድሕኑን ካልኦት ኩሎም ስደተይናታትን ሓንጎፋይ ቢሎም ክቕበልዎም ክድግፍዎምን ሓደራ ቢሎም ስለ ተወፋይነቶም እውን ከም ዘመስገንዎም ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ናብቲ ማእከል በጺሖም ምስቶም ኣብቲ ሓዋርያዊ መስተናብር ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ምስ ዝፍጽሙን ናይ ሰናፍሮንት ዞባ ሰበ ስልጣናትን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዶባትን ኣባላት ከም እተራኸቡ ይሕብር።

ምስ ሰበስልጣንን ካቶሊካዊ ማሕበረሰብን ምርኻብ

ዕለት 3 ሚያዝያ ዋና ጸሓፊ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ምስ ርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ፓናማ ሎረንቲኖ ኮርቲዝ ኮሄንን ዳግማይ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኻናይና ተዋነይ መንኮሞ ተራኺቦም፡ ድሕሪ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ከተማ ፓናማ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ሳንታ ማርያ ላ ኣንቲጉዋ በጺሖም ኣብኡ እውን መደረ ስልጣናዊ መለኮታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣስሚዖም ዕለት 4 ሚያዝያ፡ ቅድሚ ምፍናዎም ምስ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ፓናማ ብምርኻብ ኣብ ርእሰ ከተማ ፓናማ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

05 April 2024, 17:19