ድለ

ሓላፍነት ዘይስምዖም ሰባት ናብ ሓላፍነት ይጽውዑ ሓላፍነት ዘይስምዖም ሰባት ናብ ሓላፍነት ይጽውዑ  (AFP or licensors) ርእሰ ዓንቀጽ

ሓላፍነት ዘይስምዖም ሰባት ናብ ሓላፍነት ይጽውዑ

ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ዋና ኣስደናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ምስ መርበብ ኣብያተ ትምህርቲ ንሰላም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ኣብዚ ኣብ መንጎ ማእለያ ዘይብሉ ውግእን ግጭትን ሰላም ንምርካብ ዝግበር ጻውዒት - ኣውያት ሰላም እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለምና ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሎሚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ስዒቡ ካብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እስትንፋስ ዝሓጽራ ኮይና ኣላ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝያዳ ኣብ መዓታዊ ፍጻመታት ይረአ ኣሎ፣ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ብሓማስ ብዝተፈጸመ ሕሱም መጥቃዕቲ፣ መብዛሕቲኦም ሰላማውያን ሰባት ዝኾኑ 1200 ሰባት ተቐቲሎምን፤ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዳርጋ ንኣስታት 34 ሽሕ ሞት ዘስዓበ ቦምባን ወራርን እስራኤል፣ መብዛሕትኦም ተራ ሰላማውያን ዜጋታት፣ ብዙሓት ካብኣቶም ህጻናት፤ ኣብ ደማስቆ ዝርከብ ናይ ኢራን ሕንጻ ልኡከ መንግስቲ ዘዕነወ መጥቃዕቲ እስራኤል፤ ኢራን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ዕላማታት እስራኤል ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይልን ዝሃበቶ ግብረ መልስን፤ ከምኡ’ውን፡ ዕለት 19 ሚያዝያ፡ እስራኤል ኣብ ኢራን ንዝርከቡ ወተሃደራዊ ዒላማታት ዝፈጸመቶ መጥቓዕታዊ ግብረ መልስን ዓለም፥ ናበይ ገጻ እያ ተብል ዘላ ዝብል ሕቶ ከነቕርብ የገድደና።

እዚ ዅሉ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ መዋጽኦ ናብ ዘይብሉ ምርጫታት ዝድርኽ ኢዩ እዚ ኸኣ ንምልእታ ዓለም ምስ ዘይጽብጸብ ሳዕቤን ከም እትጋጮ ይገብራ። ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ እንኮ መራሒ ዓለም ናይቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ዘሕዝን መስቀላዊ መንገዲ ዘናግፍ ኣብቲ ንሶም ዝገልጽዎ፣ ንውግእን ዓመጽን ኣይፋል፣ እወ ንሰላምን ዘተን ዝብል ጻውዒት ንሓብር።

ልዕሊ ዕስራ ዓመት ይገብር ድሕሪ እቲ ዕለት 11 መስከረም 2001 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግብረ-ሽበራውያን ዝፈነዉዎ መጥቃዕትን ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነቲ ናይ 2002 ዓ.ም. "ብዘይ ፍትሒ ሰላም፡ ብዘይ ይቕረታ ፍትሒ የልቦን" ዝብል ኣርእስቲ ዝሃብሉ መልእኽቲ ሰላም ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሮም፥ ቃላቶም ሓቅን ትንቢታዊትን እዩ ነይሩ። እቲ ግብረ መልሲ ምሃብን ሕነ ምፍዳይን ወትሩ ስዒቡ ዚመጽእ ግብረ መልስታት መዋጽኦ ዘይርከቦ ኣጸጋሚ ኸም ዚኸውንን ተራ ሰባት ከቢድ ሳዕቤን ክዓጽዱ እዩ ዚገብር። ናትና ዓለም፡ ሓላፍነት ዘይስምዖ ኣብ ክንዲ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ጥምየት፡ ምምሕያሽ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ተሓዳሲ ጸዓት፡ ንሓባራዊ ረብሓ ዝያዳ ትኹረት ዝህብ ቁጠባዊ ሃብቲ ንጐይቶት ቁጠባን ሃብቲ ገንዘብን ተገዛኢት ብምዃን ኣብ ዳግመ-ዕጥቅን ኣብ ኣዝዩ ዝተራቐቐ መሳርሒታትን ሞትን ዕንወትን ንምፍራይ ዓቢ ሃብቲ ገንዘብ ዝዋፈረላ ኮይና ኣላ፡። ኣብ ቅድሚ እዚ እቲ እነቕርቦ ጻውዒት ናብ ሓላፍነት ሰባት ጥራይ እዩ ኼምርሕ ዚኽእል።

ኣመንቲ እግዚኣብሔር ንምርጫታት እቶም ዘመሓደሩ ኣስተንፍሶ ክጽግው ናብ ኣምላኽ ጸሎት ዘቕርቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ሰላም ንምርካብ ኣብ ዘስምዕዎ ድምጺ ተጸንቢሮም ናይ ሰላም ኣውያት የስምዑ።

ኲናት መምለሲ ዘይብሉ መንገዲ እዩ። ኣብዛ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝመልአ ዓለም፡ እዞም ብዘደንቕ መገዲ ሓቀይናታት ቃላት መዓልታዊ ዝያዳ ክውንነት ዘለዎም ይኾኑ፡ እንክብሉ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

20 April 2024, 17:30