ድለ

ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ኣብ ከተማ ሚላኖ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ኣብ ከተማ ሚላኖ 

መልእኽቲ ካርዲናል ፓሮሊን ንተማሃሮ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ ኣብ ሚላኖ ናይ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ተመሃሮ ዝሓሸ መጻኢ ንምፍጣር፡ ሕጂ ዘለዎም ግዜ ብዝበለጸ ክጥቀሙሉ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ህሞት እዚ ተማሃሮ መንበረ ጥበብ ዘለዎም ተወፋይነት ዝሓሸ መጻኢ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ኣለዎ።

እዚ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ናብ ኣቦ መንበር ናይቲ ኣብ ኢጣልያ ዝርከብ ውሩይ "ጁሰፐ ቶኒዮሎ" ካቶሊካዊ መንበር ጥበብ ላዕለዋይ መጽናዕቲ ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ማሪዮ ደልፒኒ ናይ ዝለኣኽዎ መልኽቲ ሕመረት እዩ።

እዚ መልእኽቲ፡ ብምኽንያት እቲ ሰንበት ዕለት 14 ሚያዝያ ናይቲ መንበረ ጥበብ 'መበል 100 ዓመት' ቅዋመ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ "ጠለብ መጻኢ" እቶም ሓደስቲ ወለዶታት ንምድህሳስ ዝተወፈየ መንበረ ጥበብ ከም ዝኾነን እዚ ናይቲ ዝኽሪ "ትርጉም ህላወ ምድላይን ንዘተ ክፉት ምዃን" ዝብል መርሕ ቃል ከም ዘረጋግጾ ኣስተብሂሎም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ መጻኢ ኣቐዲሙ ዚበጽሓሉ ቦታታት ከም ዘሎ ገሊጾም፡ "ሓደ ኻብቶም ቦታታት ድማ መንበረ ጥበብ እዩ። ምኽንያቱ ኣብኡ እዩ ናይ ጽባሕ ሰብ ሞያ ዝዳለዉሉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንምስጓም ስድራ ቤት ደቂ ሰባት ኣዝዮም ወሳኒ ምህዞታት ዝምንጩወሉ መጽናዕቲ ዝምዕብለሉ ቦታ ስለ ዝኾነ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ምትብባዕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ቅድም ክብል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 14 ሚያዝያ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዘተረኽብሉ ጉባኤ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ፍሉይ ሰላምታ ናብቶም ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ከም ዘቕረቡን መንበረ ጥብብ ወትሩ ንናይ ሎሚ መንእሰያትን ሓደስቲ ሕብረተሰባዊ ብድሆታትን ኣቓልቦ እናወፈየ "ኣገዳሲ ስሩዕ ኣገልግሎቱ፡ ብተኣማንነት ኣብ ተልእኾኡ" ክቕጽል እንክብሉ ከም ዘተባብዑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ትምህርታዊ ሃዋህው ንመንእሰያት ዘጋጥሞም ብድሆታት ኣብ መልኽቶም ከም ዘስተብሃሉ የመላኽት።

ኣብዚ እዋን እዚ ተወፋይነት እዩ እቲ ፍልልይ ዝፈጥር

"ሎሚ፡ " ኣገደስቲ ትጽቢታት ኣብ መጻኢ ዘተኮሩ'ኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ግን ናይ ስግኣት ደበናታት ዝተኣከበ ይመስል . . . መንእሰያት፡ ኣብ ውሽጢ ትምህርታዊ ሃዋህው" "እቲ ዘንጸላልው ደመና ዝፈጥሮ ወጥርታት ኣቐዲሞም ይርድዎን የስተማቕርዎን፥ ኣብዚ ትምህርታውን ምርምራውን መጽናዕቲ ድማ ጽንዓት ክህልዎም ኣተባቢዖም፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣድማስ "ሓደ ሰብ ናይ ሕሉፍ እሱር ኮይኑ ክቕጽል ኣይክእልን እዩ፡ ብገርህነትን ብታህዋኽን መንገዲ ናይ ገዛእ ርእሱ ናብ ጽባሕ ውጥን ክገብር እውን ኣይክእልን" እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፥ "ሎሚ ምሉእ ብምሉእ እንተዘይተነቢሩ ሓቀይና መጻኢ ኣይክህሉን እዩ" ቢሎም፥

“ኩሉ ኣብ ህሉው እዋን ይዋሳእ ከምዘሎ ንዝግበር ምስትውዓል ምሕብሓብ የድሊ፣ ምኽንያቱ ሎሚ ምሉእ ብምሉእ እንተዘይተነቢሩ ሓቀይና መጻኢ ኣይክህሉን’ዩ”

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ "ንካቶሊክውያን መናብርተ ጥበብ ህያው ዝገብር ካብ ሕጂ ጀሚሩ ንመጻኢ ንምህናጽ ዝበለጸ ኩነታት ንመንእሰያት ምቕራብ ህጹጽ ጉዳይ" ቀዳምነት ክወሃበሉ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 14 ሚያዝያ 1984 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንተመሃሮ እቲ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ተቐቢሎም ቅድሚ 40 ዓመት ዝበልዎ ሓሳብ ምዃኑ ድማ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 40 ዓመታት፡ ኣብ መንጎ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያትን ከምኡ’ውን ጉስነት መናብርተ ጥበብን ዘሎ ምትእስሳር እናጎለሐ ከም ዝኸደን፡ ‘ኣብቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንመናብርተ ጥበብ ዘርኢ’ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንሰያት ከም ዝዓምበበ ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዘስተብሃሉ ኣፍሊጡ።

ሰናይ ዓሚቝ ዕረፍቲ ንዘይምህላው ትርጉም ዘለዎ ምላሽ ምሃብ

ካርዲናል ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ቀጺሎም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ከመይ ገይሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንመናብርተ ጥበብ ዓለም፡ ፍሉይ ኣኼባ ከምዝወፈዩን ኣብኡ ድማ “መትከል ተልእኾ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ኣብ እዋናዊ ዓለም" ከም ዘነጸሩ ኣዘኻኺሮም፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ካርዲናል ፓሮሊን፥

“ልክዕ መጻኢ ካብ መንእሰያት ክስረቕ ስለዘይክእል፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ነቲ ኣብ ኣእምሮኦምን ልቦምን ዝነብር ጥዑይን እወታውን ተርባጽን ዘይምርግጋእን ምላሽ ንምሃብ ኣብ ህሉው እዋን ብዓቢ ትብዓት ወፍሪ ክገብሩ ዓዲሞም”

እዮም እንክብሉ ብምዝኽካር መልኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 April 2024, 15:23