ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭታት ንኸይብርኽ ምጥንቃቕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭታት ንኸይብርኽ ምጥንቃቕ 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭታት ንኸይብርኽ ምጥንቃቕ

ኣብ ጎኒ እቲ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባኒያኑም ኣጂዳአ ዝተሰምየ ቤተ ክርስቲያናዊ ትካል ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጻሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዝስማዕ ዘሎ ሓበሬታ ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፥ እቲ ግጭት ከይጋደድ ኩሉ ሰብ ዝክኣሎ ይገብር ኣሎ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

AGIDAE – እተሰምየ ማሕበር ኣካየድቲ ትካላት ኣብ ዓቕለሳውያን መዝታት ዝምርኮስ ኣብ 1960 ዓ.ም.  ዝተመስረተ ንመንግስታዊ ጽፍሕታት (ቤት ትምህርቲ፡ ንጡረተይናታትን ተመሃሮን፡ ኣብ መእለዪ ኣባይቲ ጡረተይናታትን ኣብ ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ኣባይቲ ሱባኤን ሰበኻታትን ቁምስናታትን ኣባይቲ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ኣገዳሲ ሓዋርያዊ ንጥፈታት ዘካይድ ማሕበር) ዕለት 20 ሚያዝያ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዝተሳተፍሉ፡ ካብቲ ጉባኤ ወጻኢ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝምልከት ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረብሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፥ ብዛዕባ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ዓቢ ስክፍታ እኳ እንተሃለወ፡ እንተወሓደ ክሳብ ሕጂ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን ዝተፈጸመ ሓድሕዳዊ መጥቃዕቲ፡ እቲ ግጭት ከምቲ ብዙሓት ዝፈርሕዎ ከምዘይተጋደደ ገሊጾም፥ “ከይጋደድ ኩሉ ሰብ ይሰርሕ ከም ዘሎ እየ ዝዕዘብ ዘለኹ” ኢሎም።

"ክሳብ ሕጂ እቲ ዝፍራሕ ዝነበረ ከምዘይተራእየ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ግጭት ብዘስፍሕ መንገዲ ከየለዓዕሉ ይጽዕሩ ከምዘለዉ ንዕዘብ ኣሎና ቢሎም፥ ብዛዕባ መርገጺ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ደገፍ ንቴልኣቪቭ ደጊማ እተረጋግጽ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ጸረ መጥቃዕቲ እስራኤል ዘይደገፈት ከም ዝኾነንትን “ብሓቂ እቲ ኲናት ከበርኾ ካብ ዝኽእል ኩነታት ምርሓቕን እዚ እውን እዩ ዝረአ ዘሎ፡ እቲ ግጭት ንኸይብርኽ ኩሉ ይጽዕር ዘሎ ይመስል፡ ካብ ኩሉ ናብ ምብራኽ ከብጽሕ ካብ ዝኽእልን ተግባር ክንርሕቕ ኣለና ዝብል እምነት ኣለኒ። ስለዚ እቲ ከቢድ ኲነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይኸውን ምጥንቃቕ የድሊ፡ ኩሉ ሰብ እዚ ከይከውን ተወፋይነት እንተዘይገይሩ ሓደገይና እዩ ዝኸውን" ኢሎም።

ሮማ ኣብ ዝርከብ ላ ሳፒየንዛ መንበረ ጥበብ ዝተፈጥሪ ወጥሪ

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኣርእስቲ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ብዝምልከት ኣብ ቀረባ እዋን ሮማ ኣብ ዝርከብ ላ ሳፒንዛ መንበረ ጥበብ ተመሃሮ ምስ ትካላት ትምህርቲ እስራኤል ዝግበር ዝኾነ ይኹን ስነ ፍልጠታውን ስነ መጽናዕታውን ስነ ምርምራውን ምትሕብባር ደው ክብል ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ዘጋጠመ ግጭት ዝምልከት ንዝቕረበሎም ሕቶ’ውን መልሲ ከም ዝሃቡን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፥ "ብውልቀይ ነዚ ከምዚ ዓይነት ግብረ መልሲ እዚ ምርዳእ የጸግመኒ። ርግጽ ኢዩ ኵሉ ሰብ ርእይቶኡ ናይ ምግላጽ መሰል ኣለዎ እንተዀነ ግን ንድራኸታትን ኣቕዋምን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ወትሩ ብኣገባብ ዘተ ክግበር ዘለዎ ይመስለኒ። ልክዕ እዩ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ዓመጽ ምኽኑይ ኣይኰነን።”

ምንጻል ጥንሲ” 'ንመሰል ህይወት ዘረጋግጹ መጋበርያታት ንምድጋፍ'

ስዒቡ እውን ብፍላይ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ ሽማግለ ደጋፍያን ህይወት ኣብቲ ብዛዕባ ጽንሲ ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ንነፍሰ ጹራት ናይ ምኽሪ ማእከል ኣካል ክኾኑ ዝብል ዝቐረበ እማመ ኣብ ኢጣልያ ኣካታዒ ኮይኑ ዘሎ ዝምልከት ዘለዎም ርእይቶ ዝተሓተቱ ካርዲናል ፓሮሊን፥ “ንሕና ንህይወትን ንኹሎም እቶም መሰል ህይወት ከረጋግጹ ዝኽእሉ መጋበርያታት ኢና ንደግፍ፡ ብፍላይ ኣብ ጸገም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ” ኢሎም።

ናይ ቁምስናታት ቤት ትምህርቲ ሰበኻ ዝመርጹ ኣባይቲ ስድራ ኣደዳ ኣድልዎ ክኾኑ ኣይግባእን

ኣብ መወዳእታ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ንደቆም ብቑምስናታት ዝመሓደራ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝመርጹ ኣባይቲ ስድራ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ናይ ቁምስናታት ኣባይቲ ትምህርቲ ዝመርጹ ኣባይቲ ስድራ ክቕጽዑ የብሎምን ቢሎም ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ትምህርቲ “ናይ ዘመንና ህጹጽ ኩነታት እዩ” እንክብሉ በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ምርጫ ቤት ትምህርቲ “ናጽነት ትምህርትን ኣባይቲ ስድራ ንደቆም ዝወሃብ ዓይነት ትምህርቲ ናይ ምምራጽ ናጽነትን” ዝምልከት ጉዳይ ምዃኑ ገሊጾም፥ መንግስቲ ንናይ መንግስቲ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝህቦ ደገፍ ንቤት ትምህርቲ ሰበኻታት ዝጎስይ ክኸውን የብሉን ንናይ ቁምስናታት ኣባይቲ ትምህርቲ ዝግበር ደገፍ ኣገዳሲ እዩ፡ ደቆም ኣብዘን ኣብያተ ትምህርቲ ክመሃሩ ንዝውስኑ ወለዲ ዝኾነ መቕጻዕቲ ክህሉ የብሉን" ኣንክብሉ ብኣጽንዖት ይገልጹ።

22 April 2024, 14:36