ድለ

C9OK02 - Archivio - Sessione del C9 C9OK02 - Archivio - Sessione del C9 

ጉባኤ ካርዲናላት ሲ9 ኣብ ቫቲካን ይቕጽል ኣሎ

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ተቖጺሩ ዝነበረ ጉባኤ ተስዓቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 15 ሚያዝያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተረኽቡሉ ተጀሚሩ። እቲ ናይ መወዳእታ ጉባኤ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኢዩ ተኻዪዱ ዝነበረ፣ ኣብ ዝሓለፈ ጉባኤ ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደን ኣበርክቶን ኣብ ዝዘተዩሉ ሰለስተ ደቂ-ኣንስትዮ መምህራንን ሊቃውይን ተሳቲፈን ነይረን።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ሰሉስ ዕለት 16 ሚያዝያ ውን እዚ ጉባኤ ተስዓቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ቅዱስነቶም ብምዃን ነቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 15 ሚያዝያ ዝጀመርዎ ጉባኤ ቀጺሎም ውዒሎም ።

ዝሓለፈ ኣኼባ ወርሒ ለካቲት

ንመወዳእታ ግዜ ዘካየድዎ ጉባኤ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 7 ለካቲት 2024 ከም ዝነበረ ዝዝከር ዀይኑ፣ ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደን ኣበርክቶን ዝዝቲ ምንባሩን፣ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ መምህራንን ክዒላታትን ዘሳተፈ ኢዪ ዝነበረ ። ንሳተን ድማ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኦግዚሊያሩም ዲ ሮማ ኣብ ክፍሊ ሥነ ምምህርና ናይ ሥነ ኢየሱስን ሥነ ማርያም መምህር ዝኾና ኣባል ማሕበር ደናል ሳሌዚያውያን ክብርቲ እናቴ  ሊንዳ ፖቸርን፣ ናይ ሰበኻ ቨሮና ማሕበር ሰብ ውፉይ ሕይወት ሥርዓተ ደናግል ኣባል ዝኾና መምህርን ሓላፊትን መደባት መንፈሳዊ ትምህርትታትን መንፈሳዊ ምቅስቓሳትን ክብርቲ ጁሊቫ ዲ በራዲኖን ከምኡ ውን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምክትል ዋና ጸሓፊን፡ ጳጳስ ኣንግሊካዊት ቤተክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝ ዝኾና ጳጳስ ጆ በይሊ ዌልስን ኢያተን ዝነበራ። እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ጸሓፊ እቲ ጉባኤ ተስዓቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እተገብረ ኣኼባ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኪደት ዝርከብ ዘሎ መስርሕ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ዝምልከትን ኣብ ፍረ ነገር ወንጌላውነትን ዘተኰረ ኢዩ ዝነበረ፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ንዕዮ ስብከተ ወንጌል ንምድንፋዕ ኮይኑ በቲ ብፁዕ ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግልን ሊቀ-ጳጳሳት ሪኖ ፊሸላን ዘቕረብዎ እማሜታት ዝተሰነየ ኢዩ ዝነበረ።

"ሓድሽ" ሲ9

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብ7 መጋቢት 2023 ነዚ ጉባኤ 9ቱ ካርዲናላት ድሕሪ ምሕዳሶም፣ እዚ ጉባኤ ካርዲናላት በቶም ዋና-ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊንን፣ ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ኮሚሽን ንምሕደራ ሃገረ ቫቲካንን ኣመሓዳሪ ሃገረ ቫቲካንን ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ቬርገዝ ኣልዛጋን ፣ ብፁዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ሊቀ-ጳጳሳት ኪንሻሳን፣ ብፁዕ ካርዲናል ኦስቫልድ ግራስያስ ሊቀ-ጳጳሳት ቦምበይን፣ ከምኡ ውን ሊቀ ጳጳሳት ቦስተን ዝዀኑ ብፁዕ ካርዲናል  ሾን ፓትሪክ ኦምለይን፣ ብፁዕ ካርዲናል ዃን ሆሴ ኦሜላ ኦሜላ ሊቀ ጳጳሳት ባርሴሎናን፣ ብፁዕ ካርዲናል ዠራልድ ላክሮይስ ሊቀ ጳጳሳት ኲበክን፣ ብፁዕ ካርዲናል ዣን-ክሎይድ ሆለሪኽ ሊቀ-ጳጳሳት ላክሰምበርግን፣ ብፁዕ ካርዲናል ሴርጆ ዳ ሮቻ ሊቀ ጳጳሳት ሳን ሳልቫዶር ደ ባይያን በዞም 9ቱ ካርዲናላት ዝቆመ ኢዩ። ጸሓፊ ናይዚ ጉባኤ ድማ ናይ ክረሲማ ስዪም ጳጳስ ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖ  ኢዮም ። እቲ ናይ መጀመርታ ጉባኤ ናይዚ ሓዳሽ ዘቆምዎ ጉባኤ 9ቱ ካርዲናላት ብዕለት 24 ሚያዝያ ኢዩ ተኻዪዱ ።

ምቛም ዋዕላ ካርዲናላት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ምምሕዳር ኵላዊት ቤተ-ክርስትያን ንኽተሓጋገዝዎምን ከምኡ ውን ንኩርያ ሮማና ማለት ንላዕለዎት ቤትጽሕፈታት ቅድስቲ መንበር ንምሕዳስ ኣብ እተገብረ ውጥን ናይ ምጽናዕ ሓላፍነት ብምሃብ ነዚ ጉባኤ እዚ ብዕለት 28 መስከረም 2013 ኣቘምዎ። እቲ ንኩርያ ሮማና ንምሕዳስ ዝተገብረ ዕማሞም ከአ በቲ ብዕለት 19 መጋቢት 2022 ዝተኣወጀ፣ “ወንጌል ስበኩ” እተሰምየ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ተዛዘመ ። እቲ ናይ ፈለማ ጉባኤ ናይዞም 9ቱ ካርዲናላት ብዕለት 1 ጥቅምቲ 2013 እዩ ተኻዪዱ ።

17 April 2024, 17:31