ድለ

ኣርጀንቲናዊ ጎብለል ስፖርት ፓዴል ኣብ ቫቲካን ዑደት ኣካይዱ ኣርጀንቲናዊ ጎብለል ስፖርት ፓዴል ኣብ ቫቲካን ዑደት ኣካይዱ 

ኣርጀንቲናዊ ጎብለል ስፖርት ፓዴል ኣብ ቫቲካን ዑደት ኣካይዱ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሚያዝያ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶን ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ጸሎት ንግስተ ሰማይ መሪሖም ብሓባር ምስ ደገሙ ዕለት 6 ሚያዝያ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስፖርታዊ ክብርታት ንልምዓትን ሰላምን ዝተወከለ ዕለት ምዃኑ ከም ዝዘከሩን ኣብታ ዕለት እቲኣ ካብ ኣርጀንቲና ዝመጸ ብናይ ሃገረ ቫቲካን ጉጅለ ኣትለት ዝተሰንየ ናይ ፓደል ስፖርት ተዓዋቲ ስፖርተይና ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ከም ዘካየደ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኩሉ እዋን ዝዓበየ ተጻዋታይ ፓዴል ተባሂሉ ዝንገረሉ ኣርጀንቲናዊ ፈርናንዶ ቤላስተጉይን፡ ከም ኣካል ኣህጉራዊ መዓልቲ ስፖርት ንልምዓትን ሰላምን ሰንበት ንግሆ ብጋንታ ኣትሌቲክስ ቫቲካን ተሰንዩ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ከም ዘካየደን፡ ቤላስተጉይን - ምስ በዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ደቁን ተሰንዩ - ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ኣግልግሎት መውሃቢ ሕክምና ንድኻታትን ዘኽታማትን ህጻናት ማሕበረሰብ ቅድስቲ ማርታ ምብጻሕ ኣካይዱ ብናይቲ ቤት ሕክምና ህጻናት ኣመሓዳሪት እናቴ ሉዊዛ ሪዘሎን ብናይ ሃገረ ቫቲካን ማሕበር ኣትለት ምኽትል ኣቦ መንበር ቫለንቲና ጃኮሜቲን ኣቀባብላ ከም እተገበረሉን እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየዶ ዑደት ዕለት 6 ሚይዝያ ተዘኪሩ ንዝውዓለ “ዓለምለኸ መዓልቲ ስፖርት ንልምዓትን ሰላምን" ፍልዩ ትርጉም ይህቦ።

"ስፖርት ምልምማድ ንሕብረተሰብ ክፉት ደጋፊ ከምኡውን ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህሪ ዘይብሉ ንኪኸውን ዝሓንጽ ምዃኑ ኩላትና ንፈልጦ ኢና። እዚ ምእንቲ ክኸውን ግን ዓወት ወይ መኽሰብ ንምርካብ ጥራይ ዘይኰነስ ክብርታት ስፖርት ዘነቓቕሖ መራሕትን ኣሰልጠንትን እውን የድልዩና ኢዮም። እንክብሉ እውን ምስ ዜና ቫቲክን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የመላኽቱ።

ን16 ተኸታታሊ ዓመታት ኣብ ዓለም ብስፖትር ፓደል ቀዳማይ ደረጃ ዝረኸበ ቤላስተጊን፥ "ፈደረሽን ቫቲካን ኣብ ዓለም ፓደል ወግዓዊ ህላወ ምርካቡ ኣገዳሲ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ስፖርት መጋበርያ ሕውነትን ሓቋፊ ማሕበረሰብን ኣብ ምህናጽ ዓቢ ግደ ስለ ዘለዎ” ቢሉ፡ ብፍላይ ከኣ "ኣዋልድን ኣወዳትን ስንኩላንን ድኻታትን ንዝዀኑ ሰባት ንምትሕብባር ዝግበር ጻዕሪ" ዘተባብዕን ኣብዚ መዳይ እውን ናይ ፓደል ስፖርት ዘለዎ ዓቢ ተራ ኣዘኻኺሩ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 5 ሚያዝያ ስፖርታዊ ውድድራት ቫቲካን ህሙማን ማህደምትን ምድንጓይ ኣእምሮኣዊ ዓቕምን ኣካላዊ ዕብየትን ንዘለዎም መንእሰያትን ንስድራ ቤቶምን ዘጠቓልል ውድድር ፓደል ብምውዳቡ እቲ ጐብለል ኣርጀንቲናዊ ስፖርት ፓደል ከም ዝነኣደን ብናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስፖርት ጉዳያት ሓለፍቲ ተሰንዮም ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራን ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ዑደት ከም ዘካየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 April 2024, 17:07