ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንምድጋፍ ክንሰርሕ ኣለና ይብሉ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንምድጋፍ ክንሰርሕ ኣለና ይብሉ 

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንምድጋፍ ክንሰርሕ ኣለና ይብሉ

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቻ ኣብ ሓፈሻዊ መድረኽ ዘተ ዛዕባ ቁጠባን ልምዓት (FfD) ናይ ቁጠባውን ማሕበራውን ቤት ምኽሪ ሕቡራት ሃገራት (ECOSOC) ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባዊ ዘይምዕሩይነት ንምትኽኻልን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንምሕጋዝን ብጭቡጥ ንምትሕግጋዝ ምስራሕ ክህሉ ዝጠልብ እዩ ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ቅድስቲ መንበር ራብዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ምወላ ንልምዓት (FfD4) ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባርን ተወፋይነትን ተባዕ ስጉምቲ ንምሕዳስን ኣብ ፍሉይ ኩነታት ዝርከባ ሃገራት ንዘለወን ድሌታት ምላሽ ንምሃብን፣ ቀዳምነታተን ንምምላእ ምቕራብን ምውህሃድን ቁጠባን ንምርግጋጽ ከም ዕድል ንልምዓት ትርእዮ” ዝበሉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቺያ ኣስዒቦም፥ ምሕረት ዕዳን ዳግመ ውዳበን ዕዳን ከመይ ጌሩ ኣብ ፈታኒ ኩነታት ንዝርከባ ሃገራት ብሓያል መንገዲ ንምምዕባል ጠቓሚ መሳርሒ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጾም፥ እቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ስጳይና ክግበር ዝተወሰነ ዋዕላ ነቲ ናይ 2030 ዓ.ም. መደብ ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምትግባር ኣብ ዝግበር ጕዕዞ "ብዘይ ጥርጥር ወሳኒ ህሞት" ከም ዝዀነ ገሊጾም፡ እዚ ድማ "ኣብ ድሕረ-ባይታ ዓለምለኻዊ ብድሆታት ከም ዝፍጸም" ኣንከዘኻኽሩ፡ ገለ ካብዚ ድማ ናብ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ዝግበር ጉዕዞ ንድሕሪት ከይምለስ ዝገብር እውን ምዃኑ የብርሁ።

ቅልውላው ዕዳ ምምካት

ኣሳልጦ ናይቲ ርክብ "ነቲ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንዕቤት ዝኸውን ገንዘብ ንምምእራር ዘጋጥመን ብዙሕ ብድሆታት ንምፍታሕ ቁም ነገር ዘለዎ መፍትሒ ናይ ምሃብ ክእለቱ ዝግምግም" ምዃኑ እውን ኣጉሊሖም፥ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ብፍላይ ቅድስቲ መንበረ ብቐዳምነት እተተሓሳስቦ ጉዳይ "ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዘጋጥመን ዘሎ ናይ ዕዳ ቅልውላው ምፍታሕ ኣድላዪ ምዃኑ" ዝብል እዩ ቢሎም፥ ዕዳ ኣብ ገንዘባዊ ዕቤት ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ ንብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት ከኣ ዕዳ "ንዕብየተን ዚዓግት ዘይስገር ጾር" ከም ዝዀነ ኣፍልጦ ምሃብ የድሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ ጥዕና ወይ ትምህርቲ ንላዕሊ ኣብ ወለድ ዝውዕል

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር፥ "ካብ ዓሰርተ ህዝቢ ዓለም እቶም ኣርባዕተ ኣብተን መንግስቲ ኣብ ትምህርቲ ወይ ጥዕና ዘይኰነስ ኣብ ወለድ ዝኽፈል ክፍሊት ዘጥፍኣለን ሃገራት ምንባር ዜጨንቕ እዩ" ከምዚ ዝኣመሰለ ክውንነት ምስ ቀጻሊ ዕቤት ከም ዘይቃዶ ገሊጾም፡ ኣብቲ "ዘይንጸል ዕቤት ደቅሰብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ከምኡውን ማዕርነት ዘተባብዕ" ዕዳ "ኣዝዩ ዓቢ ለውጢ" ኽግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ትብዓት ዝመልኦ ሓሳባት ምስ ፖለቲካዊ ድሌትን ምስ እተፈላለየ ወገን ምትሕብባርን እንተ ድኣ ስምምዕ ተገይሩ ለውጢ ክህሉ ከም ዝኽእል ኣፍልጦ ምሃብ የድሊ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዕዳ ምሕረትን ዳግመ ውደባን ምኽዋን

ስለዚ ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ እቲ ዋዕላ ኣብቲ "እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቍጠባዊ ምምዝባል ንምቕያር" ሓድሽ ዓይነት ሓድነት ንምትግባር "ምሹእ ህሞት" ምዃኑ ገሊጾም፥ "ብሕድገት ዕዳን ብዳግመ ውደባ ዕዳን እተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ካብ ዘይሰግረኦ ዕዳ ናጻ ምግባር ኣብ ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ስራሕን ማሕበራዊ ዕቝባን ወሳኒ ወፍሪ ንኽገብራ የኽእለን" ቢሎም፡ እቲ ኣኼባ "ናብ ዝያዳ ፍትሓውን ማዕርነታውን ከምኡውን ዘላቕነት ዘለዋ ዓለም ኣብ ምህናጽ ዝግበር ጕዕዞ ኣገዳሲ ፍጻመ ክኸውን" ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጾም፥ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ "ኵለን ድኻታት ሃገራት ኣብ ልዕሊ መሳለጥያ ዝምደብኦ ገንዘብ ጸቕጢ ዝኾነን ናይ ወጻኢ ዕዳ ብምንካይ ወይ ብምዝራዝ እንተዘይኮይኑ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ ዅሉ ዘድልየን ነገራት ከማልኣ ኣይክላን” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

26 April 2024, 15:09