ድለ

ዘሕዝን መዓልቲ ዘሕዝን መዓልቲ  (AFP or licensors) ርእሰ ዓንቀጽ

ዘሕዝን መዓልቲ

ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካን ኣንድረያ ቶርኔይሊ፥ ብዛዕባ እቲ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ መሰል ምንጻል ጥንሲ ዝብል ብብዝሓ ድምጺ ዘጽደቖ ኣብ መሰረታዊ መሰላት ሕብረት ኤውሮጳ ሰነድ ዘተኣታትዎ ዓንቀጽ ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን፥ እቲ ውሳኔ ዝጸደቀሉ መዓልቲ፥ ዘሕዝን መዓልቲ እንክብሉ ይገልጽዎ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓሙስ ዕለት 11 ሚያዝያ ንኤውሮጳን ተቕዋማትን ዘሕዝን መዓልቲ እዩ ነይሩ። ምንጻል ጥንሲ፡ ንነብሶም ክከላኸሉ ዘይክእሉ ደቂ ሰባት ኮነ ኢልካ ምቕታል እዩ-  ነቲ ዝተጸንሰ በጃኹም "ተቐጽላ" ወይ "ንእሽቶ ስጋ" ኣይትበልዎም - ምኽንያቱ እዚ ዝረአ ዘሎ ግብረ ገባዊ ምዝንባል ናብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ክቕየር ስለ ዝኽል።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 08 ሚያዝያ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ሰብኣዊ ክብረት ዜረጋግጽ “ክብር ዘአልቦ ጽንፍ” (Dignitas infinita) ዘርእስቱ ዘውጸኦ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸደቐ ሓድሽ ኣዋጅ ቅድስቲ መንበር፥ "ኣልቦ ጽንፍ ዝኾነ" ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ብዛዕባ እቲ ሎሚ ኣብ ሎዕሊ እዚ ክብሪ እዚ ዚፍጸም ዘሎ ምጕዳል ፍትሕን ዝዛረብ ኮይኑ። ሓደ ካብዚ ጥሕሰት እዚ ድማ ምንጻል ጥንሲ ዝብል እዩ።

“ሕጂ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ንሓቂ ኣብ ዓይኒ ክንጥምትን በቲ ግቡእ ስሞም ንኽንጽውዖን ንዝጥዕመና ምግልባጥ ወይ ንርእስና ንምጥባር ፈተና ኢድና ንዘይምሃብ ትብዓት የድልየና ኢዩ። . . . ምንጻል ጥንሲ ፍቑድ ዝብል ውሳኔ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ይፈጸም ነቲ ካብ ምጽናስ ክሳብ ውልደት ዝብል ህላወ ዝኾልፍ ደይመደይ ኢልካ ብቐጥታዊ መገዲ ዝፍጸም ግብረ ቅትለት ኢዩ።" [89] ዘይተወልዱ ህጻናት እምበኣር፣ “እቶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎምን ንጹሃትን እያቶም። ኣብዚ ግዜና ሰብኣዊ ክብረቶም ንምኽሓድ ከምኡውን ሓደ ሰብ ዝደለዮ ዘበለ ኣብ ልዕሌኦም ክፍጽም ህይወቶም ንምጥፋእ ከምኡውን ዝዀነ ይኹን ሰብ ነዚ ውሳኔ እዚ ከይቃወሞ ዝብል ሕግታት ንምውጻእ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ። "ንዘይተወልደ ህይወት ምክልኻል ምስ ነፍሲ ወከፍ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ኣጸቢቑ ዝተኣሳሰር ኢዩ። ሰብ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታትን ኣብ ኵሉ ደረጃ ዕቤትን ወትሩ ክቡርን ቅዱስን ዘይገሃስን ምዃኑ ምእማን ዘጠቓልል ኢዩ።" [90]

ውሳነ ባይቶ ተግባራዊ ክኸውን ብ27 ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብሙሉእ ድምጺ ክጸድቕ ከም ዘለዎ ንፈልጥ ኢና፡ ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ድማ ሓደ ድምጺ ንምርካብ ኣጸጋሚ ከምዝኸውን ዝሰሓት ኣይኮነን። እንተኾነ ግን እቲ መልእኽቲ ይቕጽል ኣሎ፡ ስቕ ዝበለት፡ ዝደኸመት ኤውሮጳ፡ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናትን ዓለም ብዝቐልጠፈ ናህሪ ናብኡ እተብለሉ ዘላ ዓዘቕትን ንምዕጋት ኣብ ዝግበር ክሌኣዊ ስነ መላዊ ተበግሶታት ሓደ ድምጺ ክትገልጽ ዘይትኽእል፡ ከም ማሕበረሰብ ንጸገም... ስደተይናታትን ንምሕጋዞምን፡ ማእከላይ ባሕሪ መካነ መቓብር ኮይኑ ከይቕጽል ንምግባር፡ እዚ ድማ ካብ ጥንቲ ምክልኻል ህይወት መሰረታዊ ናይ ኤውሮጳ ሕመረት መሰላት ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ፡ እዚ ድማ፡ ብተወሳኺ፡ መብዛሕትአን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ዝቃወማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ህይወት ዝቐትል መገዲ ዝኽተላ ይመስላ።

ዕለት 11 ሚያዝያ ባይቶ ኤውሮጳ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ድምጺ ክህብ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ጳጳሳዊ ተቕዋም ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ኣብ ዘዳለዎ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ ናይ እዋንና ጓሓፋይ ባህሊ ተዛሪቦም፣ እዚ ድማ ነቶም ዝደኸሙ ዝጸሉ ባህሊ ሞት ከም ዝኾነ እውን ኣብሪሆም እዮም፡ “ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ፡ ዋላ’ውን “ዘይኣፍረይቲ፡ ወይ ድሩትነት ሒዙ ዝተወልደ ወይ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ናይ ዘይምምዕባል ማለት ጸገም ዘለዎ እውን ይኹን፡ ብኽብሪ ክነብርን ውሁድ ምዕባለ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። እዚ ድማ ነቲ ከም ደቂ ሰባት ዘለዎም ዓቢ ክብሪ ዘጉድል ኣይኮነን፣ እዚ ኣብ ኩነታት ዘይኮነስ ኣብ ውሽጣዊ ዋጋ ስብእናኦም ወይ ብኑብሬ ዝተመስረተ ክብሪ እዩ። እዚ መሰረታዊ መትከል እዚ ክሳብ ዘይተኸበረ ንሕውነት ይኹን ንህላወ ደቂ ሰባት መጻኢ ኣይክህሉን እዩ።” (ዓዋዲ መልኽቲ ‘ኩላትና ኣሕዋት’፥ 107 ረአ)። እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየል ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

13 April 2024, 17:18