ድለ

ቃለ መሕትት ምስ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ቃለ መሕትት ምስ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ 

ቃለ መሕትት ምስ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 21 ሚያዝያ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ለኸ መዓልቲ ጸሎት ንጸዋዕታ ምኽንያት ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ላዛሩስ ዩ ሄንግ-ሲክ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ምስ እተሰምየ ናይ ቅድቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጸዋዕታ እንታይ እዩ?

ቅድሚ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ይኹን መንፈሳዊ ሸነኽ ምሕሳበይ፡ ጸዋዕታ ብመሰረቱ ሕጉስ ክትከውን፡ ህይወት ገዛእ ርእስኻ ኣብ ኢድካ ክትሕዝ፡ ምሉእ ብምሉእ ብዘይምብኻን ክትነብሮን ዝብል ጻውዒት እዩ። ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ዘለዎ ናይ መጀመርታ ትምኒት ህይወትና ኸይትጠፍእን ብዝተኻእለ መጠን ከኣ ክትበርህን እዩ ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ብወዱ ኢየሱስ ቀረባና ብምዃን ናብ ሕቝፊ ፍቕሩ ኺስሕበና ደለየ፣ ስለዚ ሳላ ጥምቀት ንጡፍ ክፍሊ ናይዚ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ ንኸውን ከም እንፍቀርን በይንና ከም ዘይኮንና ኰይኑ ምስ ዝስምዓና ኸኣ ህላወና ናብ ሓጐስ ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ዝመርሕ ጕዕዞ ይኸውን። ድሕሪኡ ኣብ ናይ ህይወት ምርጫ ኣብ ፍሉይ ተልእኾ ከምኡውን ኣብ መዓልታዊ ዅነታት ናብ ዝግበር ጕዕዞ ይትርጎም።

ሓደ ሰብ ከመይ ጌሩ እዩ ንሓደ ጸዋዕታ ከለልዮ ዝኽእል፡ ምስ ድሌታት ዘለዎ ርክብከ እንታይ እዩ?

በዚ መዳይ’ዚ ሃብታም ትውፊት ቤተ ክርስቲያንን ጥበብ ክርስትያናዊ መንፈሳውነትን ብዙሕ ዝምህረና ጉዳይ ኣሎ። ሕጉሳት ንኽንከውን - ሓጐስ ድማ ንኹሎም ደቂ ሰባት ዝጽንብር ቀዳማይ ጸዋዕታ እዩ - ኣብ ምርጫታት ህይወትና እንተወሓደ ኣብቶም መሰረታውያን ምርጫታት ህይወት ጌጋታት ከይንፍጽም ኣድላዪ እዩ። ከምኡ’ውን እቶም ቀዳሞት ክንስዕቦም ዘለና ምልክታት ብልክዕ ብድሌታትና እዮም ዝትግበሩ፣ እቶም ድሌታትና ንዓለም ኣብ ልብና ዝስምዓና ሰናይ ነገራት እያቶም። እንተኾነ ግን ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ነብስና ምትላል የጋጥመና፣ ምኽንያቱ ድሌታትና ኩሉ ግዜ ምስቲ ንሕና ዘለናዮ ሓቂ ስለ ዘይሰማማዕ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ፍረ ናይ ከፊላዊ ራእይ ክኾኑ ይኽእሉ፣ ካብ ቁስሊ ወይ ብስጭት ዝነቕሉ ክኾኑ ይኽእሉ፡ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ርእሰ - ፍትወት ዝእዘዙ ክኾኑ ይኽእሉ፣ ሓድ ሓደ ግዜ ባህግታት ኢልና እንጽውዖ ነገር ዘይጭበጥ ሕሊሚ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ኣብ ህይወትና እንታይ ክንመርጽ ከም ዘሎና እቲ ብመሰረቱ መንፈሳዊ ናይ ምርዳእ ክእለት ዝዀነ መመያ ኣድላዪ ኢዩ። መመያ ኪብጻሕ ዚከኣል ንርእስና ሰሚዕና ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ኸም ዘሎ እንተ ሰሚዕናዮ ንስምዒትና ምስ ፍጹም ሓቂ ኸም ዚሰማማዕ ንምግባር ንዚቐርበና ፈተና ድማ እንተ ሰጊርናዮ ጥራይ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብተኸታታሊ ምስትውዓል ወይ መመያ ንዝብል እርስቲ ኣወፍዮም ዘጋጥመና ናይ ህይወት ቃልሲ ንምብዳህ ውሽጥና ዝስምዓና ጽን ምባል ከም ዘድልን ኸምኡውን ነቲ ህላወ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ኸይንርስዖ ዓዲሞምና እዮም። ስለዚ ነቲ ዓሚቝ ባህግታትና ምስቲ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ዚገብሮ ዕዮ ኽንመያየጥ ከለና ጸዋዕታና ኸነለልዮ ንኽእል ኢና፣ ሳላ እዚ ዘተ እዚ ምጥርጣርን ኣብ ውሽጥና ዝቀላቐሉ ሕቶታትን በብቝሩብ ኣናተኣለየ ይኸይድ፡ ኣየነይቲ መገዲ ክንስዕብ ከም ዘሎና ድማ ጐይታ ንኽንርዳእ የኽእለና።

እዚ ኣብ መንጎ ሰብኣውን መንፈሳውን ስፍሓት ዝግበር ዘተ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ማእከል ናይ ካህናት ኣሰራርሓ እናዀነ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኣበይ ኢና ዘሎና?

እዚ ዘተ እዚ ኣድላዪ ኢዩ ምናልባት እውን ሓድሓደ ግዜ ዕሽሽ ኢልናዮ ንኸውን። እቲ መንፈሳዊ መዳይ ካብቲ ንጸጋ ኣምላኽ ከም "ስሒራዊ ሓይሊ" ገይርካ ናብ ምግላጽ ሓደጋ ክንወድቕ የብልናን። ስለዚ ኣምላኽ ስጋ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ንሱ ዚጽውዓና ፍሉይ ጸዋዕታ ወትሩ ብሰብኣዊ ባህርይና እዩ ዚውለድ። ዓለም ማሕበረሰብ ከምኡውን ቤተ-ክርስትያን ብመንፈሳዊ ኣገባብ መልክዓ ኢየሱስ ዝኾኑ ዓሚቝ ሰብኣውያን ካህናት የድልዮ ኢዩ - እዚ ድማ ካብ ካልኦት ዝፈልየና ወይ ዘይጭበጥ ሓቂ ከም እንቈጻጸር ዝገብረና መንፈሳውነት ዘይኰነስ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ቀርባ ምዃኑ ንነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ዘለዎ ፍቕሪ ንነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ዘለዎ ድንጋጸ ዘሰብእ እዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ካህናት ገዳማውያን ገዳማውያትን ከም ኵሎም ተነቀፍቲ እኳ እንተዀኑ እኹል ስነ - ኣእምሮኣዊ ብስለት ውሽጣዊ ሰላም ከምኡውን ሚዛኑ ዝሓለወ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ዘድልዩና።

ብዙሓት ካህናት ግና ኣብ ኩነታት ጸበባን መከራን ዝነብሩ ኣለዉ?

ዳርጋ ምሉእ ህይወተይ ኣብ ህንጸት ክህነት፡ ምስናይን ንካህናት ቀረባ ምዃንን ኣብ ዝብል ሓዋርያዊ ተልእኾ እየ ኣወፍየዮ። ሎሚ ከም ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ፡ ምስ ካህናት፡ ምስ ተስፋታቶምን ቃልሶምን ዝያዳ ቀረባ ዝኾንኩ ኮይኑ ይስምዓኒ። ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ካህናት ብሓቂ ጸገም ኣብ ዝመልኦ ኩነታት ስለ ዝነብሩ፡ እቲ ጸገም ብዙሕ ባእታታት ዘለዎ እዩ፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ብክልተ ግንባራት ክንርእዮ ዘሎና ኮይኑ ይስምዓኒ። እቲ ቀዳማይ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣስተንትኖ ከም ዘድሊ ዘመላኽት ኮይኑ። እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ምዃንናን ንክርስትያናዊ ተልእኾና ንምንባር ዘለና ኣገባብ ዳግማይ ክንሓስበሉ ይግባእ፣ ኣብ መንጎ ኩሎም ዝተጠመቑ ብውጽኢታዊ ምትሕብባር። ምኽንያቱ ካህናት መብዛሕትኡ ግዜ ብጻዕቒ ስራሕ ይወሓጡ፡ ብተመሳሳሊ ጾር - ጓሳዊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዝተፈላለየ ምምሕዳራዊ ጉዳያት፡ እቲ ካልኣይ ጉዳይ፡ ንተክለ ሰብነት ካህን ሃገረ ስብከት ክንግምግሞ ከም ዘሎና ዘተሓሳስብ እዩ። ምኽንያቱ ናብ ገዳማዊ ሕይወት እኳ እንተዘይተጸውዐ፡ ምስ ጳጳስን ምስ ካህናትን ምእመናንን ሓቢሩ ነቲ ምስጢራዊ ዋጋ ሕውነት ብምንባር ኣብ  ቤቱ ኮይኑ ዝስምዖ ክኸውን ኣለዎ፡ ነዚ መንፈስ እዚ ዳግም ምርካብ የድሊ።  ምኽንያቱ እዚ ሕውነት እዚ ማለት እዚ ናይ ኣካሉ ምዃን ዝብል ስምዒት እዚ ኣብ ኣገልግሎት ጕስነት በይናውነት ክስምዖ እንከሎ ኮታ እዋናዊ ብድሆታት ኬጋጥሞ እንከሎ ዘሰንዮ እዩ። እንተኾነ ግን ሓድሽ ኣተሓሳስባን ሓድሽ ናይ ሕንጸት መንገድታትን የድሊ፣ ምኽንያቱ ሓደ ካህን መብዛሕትኡ ግዜ ብሕታዊ መራሒ፣ “ንጽል ዝእዝዝ ሰብ” ክኸውን ስለዝምሃር፡ እዚ ድማ ጽቡቕ ኣይኮነን። ንሕና ንኡሳንን ብዙሕ ደረት ዘሎናን ኢና፡ ከምዚ እውን እንተኾነ ደቀ መዛሙርቲ - መምሃራን ኢና። ብእኡ ተደሪኽና ብዙሕ ነገራት ክንገብር ንኽእል ኢና።  ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ብውልቂ ዘይኮነስ ብሓባር፡ ብሲኖዳውነት መንፈስ። “ልኡካነ ወንጌል ደቀ መዛሙርቲ ጥራይ ኢና ክንከውን እንኽእል - ኩላትና ብሓባር” ዝብልዎ።

ካህናት ነዚ ናይ ሎሚ ባህሊ ንምግጣም “ቅሩባት” ድዮም?

እዚ ሓደ ኻብቲ ሎሚ ብመጀመርታን ብቐጻልን ክንፈትሖ ዘሎና ቐንዲ ብድሆታት እዩ። ኣብ ቀጽሪ መቕደሳት  ተዓጽና ንካህናት ተራ ኣመሓደርቲ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ክንገብሮም የብልናን፣ ሎሚ ምስ ወሰኽ ዓመጻ ውግእ ብከላ ኣከባቢ ቍጠባዊ ቕልውላው እተተሓሓዘ ሓያሎ ዓለምለኻዊ ቕልውላው ኣብ ዘለዎ እዋን ኢና ንነብር ዘሎና። ስለዚ ናይ ወንጌል ሓሴት ናብ ኩሉ ሰብ ከብጽሑ ዝኽእሉ ካህናትን ዓለማውያን ምመናን ኣዝዮም የድልዩ፣ ከም ነቢያት ኣብ ሓዳስ ዓለምን መሪሕ ቡሶልን ኣብ ጉዕዞ ሕይወት። ሓደ ሰብ ዋላ ዲያቆን፡ ካህን ወይ ጳጳስ ይኹን ኩሉ ግዜ ወደ መዝሙር እዩ። ሓደ ወደ መዝሙር ድማ ኩሉ ግዜ ካብቲ ሓደ መምህር ዝመሃሮ ነገር ዘለዎ እዩ፣ እቲ መምህር ድማ ኢየሱስ እዩ።

ብናትኩም ኣረኣእያ፡ ካህን ምዃን ሎሚ እውን ዋጋ ኣለዎዶ?

እዚ ዅሉ እናሃለወ ኽነሱ ንጐይታ በዚ መገዲ እዚ ምስዓብ ወትሩ ዚኽሕስ እዩ ። ማርያም እትበሃል ንእሽቶ ጓል ናዝሬት በቲ መልኣኽ ዝቕረበላ ብስራት ዝተረበሸት እውን እንተነበረት ነቲ ዘደንቕ ናይ ጸዋዕታ ኣጋጣሚ ኣብ ሓደጋ ብምእታው ኣደ ኣምላኽን ኣደ ደቅሰብን ክትከውን ከም ዝመረጸት ክንርኢ ንኽእል ኢና። ሓደ ሰብ ብጐይታ ዋላ ሓንቲ ኣይስእንን እዩ! ንዅሎም ካህናት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ተስፋ ዝቘረጹ ወይ ዝቘሰሉ - ጐይታ ካብ መብጽዓታቱ ፈጺሙ ኣየንሳሕብን እዩ። እንተ ጸዊዑካ ለውሃት ፍቕሩን ብርሃን መንፈሱን ሓጐስ ልብን ኪጐድለካ ኣይኪሓድገካን እዩ። ኣብ ህይወትካ ብብዙሕ መገድታት ከም ካህን ኰይኑ ኺግለጽ እዩ። እዚ ተስፋ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከቡ ካህናትን ዲያቆናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ብምብጻሕ ከጸናንዖምን ከተባብዖምን ምደለኹ። ንሕና በይንና ኣይኰንናን ጐይታ ወትሩ ምሳና ኢዩ! ሕጉሳት ክንከውን ድማ እዩ ዚደልየና! እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

22 April 2024, 14:32