ድለ

ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት: ክልተ "መዓልቲ ንጽሕና" ንሰላም

ካብ ዕለት 25 – 26 ግንቦት 2024 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ መጀመርታ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት ሮማ ኣብ ዝርከብ ኦሎምፒክ ኣብ እተሰምየ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስፖርት ጎልጎል ክካየድ እዩ። እታ ቀዳመይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ቆልዑ ንምስክርነትን ምርኢትን እተወፈየት ከም እትኸውንን ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት ዋና ኣተሓባባሪ ኣባ ኤንዞ ፎርቱናቶ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንሕና ሓጐስን ተስፋን፥ ናይ ዓለም ተሓድሶ ኢና። ነቶም ፍሽካት ዝተሓረሞም መዝሙር ሰላምን ፍሽኽታ ከነብጽሕ ኢና" ዘርእስታ ሰንደቓዊት መዝሙር ናይቲ ፍጻሜ ብሕጻናት መዘምራን ቅዱስ ኣንጦኒዮስ ክቐርብ ከም ዝኾነንን እቲ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውሳኔ ዝበዓል ቀዳማይ መዓልቲ ሕጻናት ሮማ ኣብ ዝርከብ ኦሎምፒክ ኣብ እተሰምየ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስፖርት ጎልጎል ካብ ዕለት 25 – 26 ግንቦት ዝካየድ ኮይኑ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ስነ - ጥበባውያን ዝርከቡሉን ህላወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን ዝተረጋገጸሉ እዩ።

ዕላማ ሚእቲ ሽሕ ተሳትፎ

ኣተሓባባሪ ናይቲ መደብ ኣባ ኤንዞ ፎርቱናቶ፡ “ድሮ ኣብቲ ፍጻሜ ንኽሳተፉ ብዙሓት ይምዝገቡ ከምዘለዉን፡ እቲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ፍጻሜ ካብ ዝኽፈት ሰለስተ ሰሙን ልዕሊ 57 ሽሕ ክሳተፉ ከም እተመዝገቡን። "ንጹሕነትን - ህቦብላ ፍቕርን" ዝኾነ ፍጻሜ እዩ እንክብሉ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፥ ሚእቲ ሽሕ ተሳተፍቲ ዝሓቁፍ ክኸውን ትጽቢት ከም ዘሎን፡ “እዛ ዕለት እዚኣ ናይ ር.ሊ.ጳ. ትንቢት ምዃናን ካብ መላእ ዓለም ዝመጸ ምስክርነት ይበጽሕ ከም ዘሎን ሓደ ካብኦም ኣብ ኡጋንዳ ን54 ዓመት ዘገልግሉ ዘለዉ ወለተይና እዚ ፍጻሜ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ቢሎም፡ ኣርባዕተ ሕጻናት ሒዞም እውን ክሳተፉ ብምዃኖም ዝተሰምዖን ሓጎስ ከም ዘካፈሉ ኣባ ፎርቱናቶ ይሕብሩ።

ቆልዑ ንሰላም

ክሳብ ሕጂ እቶም ክሳተፉ ዝተመዝገቡ ካብ ስሳ ሃገራት ዝመጹ ከም ዝኾኑ ናይቲ ፍጻሜ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊት ስተላ ቸርቮኒ ሓቢረን፡ ካብዚኣቶም ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ሶርያን ዝመጹ ዝርከብዎ ኮይኑ፡ ነታ ብጅሃዳውያን ጉጅለታት ዝተሃስየት ሰሜን ሞዛምቢክ ዝውክሉ ክመጹ እዮም። እቶም ህጻናት ድሮ ናይ ፍቕርን ሰላምን ኣሳእልን ምስክርነትን የመሓላልፉ ከም ዘለዉን ካብ ዩክሬንን ሩስያንን ካብ ቅድስቲ መሬትን ዝመጹ ህጻናት ክህልዉ እዮም ኢለን።

ክፉት መደብ

ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት፡ ማሕበር ኣውሲሊዩም ምስ ናይ ባህልን ትምህርት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ኣብ ምውዳብ ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዝገበረን እቲ ፍጻሜ ንኹሉ፡ ማለት ንክርስቲያን ሕጻናት ጥራሕ ዘይኮነስ ንናይ ካልኦት ሃይማኖት ሰዓብቲ ሕጻናት እውን ክፉት ምዃኑ ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣቦ መንበር ማርኮ ኢምፓሊያዞ ሓቢሮም፥ “ኩሎም ህጻናት ክሕወሱ ኣለዎም፡ ብፍላይ ድማ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕትን ግዳያት ኲናትን ዝኾኑን” ኢሎም፡ ዕላማ ናይቲ ፍጻመ፡ ብሓቂ "ነዛ ዓለም ተስፋ ንምሃብ'ዩ" ኢሎም።

እቲ መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ቀዳም ዕለት 25 ግንቦት ኣብ ኦሎምፒክ ናይ ስፖርት ጎልጎል ካብ ሰዓት 3 ክሳብ ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ ክጅምር እዩ። ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ሰዓታት ብዙሕ ምስክርነታት ክቐርብን ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ስነ - ጥበባውያን ክሳተፉ እዮም። እታ ብዙሕ ግዜ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩሉ ንኸንብባ ሓደራ ዝበልዋ ንእሽቶ ሓወይ ዘርስታ መጽሓፍ ደራሲ ስደተይና ኢብራሂማ ባልደን ከም ዝርከቡን ሰንበት ዕለት 26 ግንቦት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሰዓት 10.30 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኩሎም ህጻናት ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ኣባ ፎርቱናቶ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

04 March 2024, 14:35