ድለ

ቫቲካን ‘Christus vivit – ክርስቶስ ህያው እዩ’ ዳግማይ ንምርካብ ወፍሪ ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ‘Christus vivit – ክርስቶስ ህያው እዩ’ ዳግማይ ንምርካብ ወፍሪ ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን  (Vatican Media)

ቫቲካን ‘Christus vivit – ክርስቶስ ህያው እዩ’ ዳግማይ ንምርካብ ወፍሪ ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን

ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እቲ ካብ ዕለት 3 – 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. መንሰያት እምነትን መመያ ጸዋዕታን ብዝብል እርእስቲ ድሕሪ ዝተኻየደ ሲኖዶስ “ክርስቶስ ህያው እዩ” ብዝብል ኣርስቲ ዝገለስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ ኣገዳስነቱ ዳግማይ ንኽረኽቡን ተመኩሮ ዓለምለኸ መዓልቲ መንእሰያት ህያው ንምግባርን ዝኣመተ ብማሕበራዊ መራኸብታት ዝተሰነየ ወፍሪ ከም ዘበገሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2024 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን እቲ ዕለት 25 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ሎሬቶ ኣብ ዝርከብ ማርያማዊ መካነ ንድግደት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ “Christus vivit - ክርስቶስ ህያው እዩ” ክትዝክር እያ፡ በዚ ምኽንያት እውን ንዓለማውያን ምእመናንን ስድራቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ነቶም ኣብቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘገልግሉ ናይ ምራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተሉ መንሰያት “ርክብ እምነት ኣብ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ዓለም” መንሰያት ናይቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ኣገዳስነቱ ዳግማይ ንኽረኽቡን ተመኩሮ ዓለምለኸ መዓልቲ መንእሰያት ህያው ንምግባርን ዝኣመተ ብዝተፈላለየ ማሕበራዊ መረብት ወፍሪ ከም ዘበገሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሎሚ እውን ኣገዳሲ እዩ

እዚ ካብ ዕለት 25 መጋቢት - ዕለት 25 ሚያዝያ ዝካየድ ወፍሪ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መንእሰያት ኣብ 12 ሰሙን ተመኩሮ ብምእካብ፡ ህሉው ትርጉምን መንፈስን ሓዋርያዊ ምዕዳን ክርስቶስ ህያው እዩ፡ ከምኡ’ውን ፍረ ናይቲ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሊዝበን ዝተካየደ ዓለም ለኸ ቅነ መንሰያት ውጽኢታቱን ንምክፋል ኣብቲ ብስነ ኣሃዝ ኣብ እተራቐ መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበራዊ መረብትን ህያው ንምግባር "እምነት ንምክፋል” ዝተፈላለዩ መንፈስ ዘነቓቕሕ ብምስማዐ ርእየት ዝቐርቡ መደባት ከም ዘዳለዉን መንሰያት በዚ ኣበርክቶ እዚ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ክርስቶስ ህያው እዩ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ ፍቕዲ 178፥ “ንስኻትኩም ናይ እግዚኣብሔር ሕጂ ኢኻትኩም ንሱ ድማ ፍረ ከተፍርዩ ይደሊ” እብክብሉ ዘቕረቦ ጻውዒት ናይ ገዛእ ርእሶም ክገብሩን ምስክርዎን እዮም።

እዚ ብብዙሕ ቋንቋታት ዝቐርብ መደብ፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሉ ናብ መንእሰያት ዝበጽሕ መንፈሳዊ ነጸብራቕ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ከባቢ፡ ከመሓላልፉ ብዝደልዩ ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ከባቢ እውን ተበጻሒ ከም ዝኸውን ናይ ዓለማውያን ምመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 March 2024, 16:59