ድለ

ራሚን ባሳምን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ናይ ስቓይና ተኻፋሊ እዮም ራሚን ባሳምን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ናይ ስቓይና ተኻፋሊ እዮም 

ራሚን ባሳምን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ናይ ስቓይና ተኻፋሊ እዮም

ክልተ በቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭት ደቆም ዝሰኣኑ ኣቦታት፡ ሓደ እስራኤላዊ ኣይሁዳዊ፡ ሓደ ፍልስጤማዊ ኣስላማይን፡ ዕለት 27 መጋቢት ድሕሪ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘገበርዎ ቃለ መሕትት፥ ቅዱስነቶም ናይ ስቓዮምን ናይ ቅድስቲ መሬት ስቃይን ተኻፋሊ ምዃኖምን ምእንቲ ሰላምን ዘቕርብዎ ጻውዒትን የመስግኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ራሚ ኤልሃላን እስራኤላዊ ኣይሁዳዊ ጓል 13 ዓመት ጓሉ ስማዳር ኣብ 1997 ዓ.ም. ኣብ ኢየሩሳሌም ብዝተፈጸመ ለኪምካ ናይ ምጥፋእ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠማን ብኣንጻሩ ባሲም ኣራሚን ፍልስጤማዊ ኣስላማይ ኣቦ፡ ጓል 10 ዓመት ጓሉ ኣብር ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ኣፈት ቤት ትምህርታ እንኮላ ብሓደ ወተሃደር እስራኤል ዝተቐትለት፥ እዞም ክልተ ኣቦታት ድሕሪ እቲ ስቓይን ሞትን ደቃቶም ጽኑዕ ዕርክነት ዝመስረቱ ኣብ መግኖ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ሰላም ንኽህሉ ንምጉስጓስ ውፉያት እዮም።

ኣቐዲሞም ዕለት 27 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕልተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ተሳቲፎም ምስ ቅዱሰንቶም ከም እተራኸቡን ድሕሪ እዚ ፍጻሜ እዚ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ኤልሃላን ኣብቲ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፥ “እቲ ርክብ ክሳብ ክንድዚ ጥቡቕን ብሕታውን ክኸውን ኣይተጸበኹን ናይተን ዝተቐትላ ደቅና ስእሊ ምስ ኣርኣናዮም፡ የዕንቲ ቅዱሰንቶም ብንብዓት ተመሊኤን ኣዚዮም ልቦም ከም እተተንከፈን፡ እቲ ርክብ ብሓቂ ኣዚዩ ምሕረትን ሰብኣውነትን ዝተመልኦ ከም ዝነበረን . . . ኣነ ኣይሁዳዊ ዓርከይ ድማ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ቅዱስነቶም ድማ ክርስቲያን እዮም፥ እቲ ርክብ ኩላትና ደቂ ሰባት ምዃንና ዘረጋገጸን፡ ኣሕዋት ክንከውን ከም እንኽል ድማ ኣጋጊጾምልና እዮም ፡ ምእንታኦም ክንጽልይ ሓቲቶምና። ብሓቂ እዚ ኩሉ ንምእማኑ ዘጸግም ምሕረትን ሕውነትን ዘረጋገጸ ርክብ እዩ ነይሩ” ይብል።

ኣራሚን እውን ብወገኑ፡ “ብቕንዕና ክዛረብ እንተድኣ ኮይኑ ከምዚ ዓይነት ጥብቂ ርክብ ክንገብር ኣይተጸበናን . . . ሰላም ክንብሎም ጥራሕ ኢና ንጽበ ዝነበርና፡ ብግሊ ንኽንራኸቦም ክዕድሙና ኣይተጸበናዮን። ዘደንቕ ልቢ ዝትንክፍ ርክብ እዩ ነይሩ . . . ኣነ ድማ ከምቲ ኢየሱስ ዝብሎ እዩ፥ ጸላኢኻ ኣፍቅር ኢና ንብል ዘሎና ካልእ ንብሎ ነገር የሎን። ኣብ ምፍቃር ጸላእን ፈታውን የለን ኩሉ ሓውን ሓብትን እዩ፡ ንሓድሕድና ድማ ንፋቐር። ቅዱሰንቶም ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ሰላም ክህሉ ወትሩ ክንጽሊ ድማ ተላብዮምና” ኢሉ።

ጻውዒት ሰላም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ኣብቲ ቃለ መሕትት ክልቲኦም ኣቦታት፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ከብቅዕ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ንኢዶም። ካብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ጀሚሮም ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት ከቕርቡ ጸኒሖም እዮም፡ እዚ ጻውዒት ናቶም ካብ ናይ መራሕቲ ዓለም ዝተፈለየ ሓሳብ ዘለዎ እዩ . . . “ኣዝዮም ተባዕ” እንክብል ኣራሚን ንቕዱሰንቶም ድሕሪ ምግላጽ፥ “ብዛዕባ ሰላምን ግፍዕታትን ከብቅዕ ዝላበው ኣዝዩ ንጹር ድምጺ ንሶም እዮም። እቲ ምስኦም ዘካየድናዮ ርክብ ንዓና ዓቢይ ክብሪ እዩ፡ ታሪኽ ስቓይና ሰሚዖም ናይ ስቓይና ተኻፋሊ ምዃኖም ዘስተውዓልናሉ ርክብ እዩ፡ ነኽብሮምን ብሓቂ ድማ ነመስግኖምን” ኢሉ።

ኤልሃናን፡ ንሰላም ዝቐርብ ድምጽታት ክስማዕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ድሕሪ ምግላጽ “ኣነ ወዲ ሓደ ካብ ናይ ናይዚ መዳጎን ሰፈር ዝደሓነ ሰብ እየ” ኣንክብል ኣስተብሂሉ። "ቅድሚ ሰማንያ ዓመት ንኣቦሓጎታተይን እኖሓጎታተይን ናብ እቶን መዳጎን ሰፈር ምስ ወሰድዎም እታ ናጻን ስልጥንትን ዝነበረት ዓለም ሓንቲ ኣጻብዕቲ እውን ትኹን ኣየልዓለትን። ሎሚ እውን እዚ ኣብ ቓዛ ዚፍጸም ዘሎ ግፍዒ ኺፍጸም እቲ ናጻን ስልጡንን ዓለም ተመሳሳሊ መቓርብ ዘለዎ እዩ ዝመስል። ገበን ኪፍጸም ከሎ ሱቕ ኢልካ ምርኣይ ንገዛእ ርእሱ ዓቢ ገበን እዩ ። ኵሉ ሰብ ድማ ሱቕ ቢልካ ካብ ምርኣይ ናጻ ኮይኑ ምእንቲ ሰላም ክጽዕር ክንርእይ ንደሊ” ኢሎም።

ክልቲኦም ኣቦታት ብዛዕባ ዝተቐትላ ደቆም ዘለዎም ዝኽሪ ብኸመይ ንሰላም ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከም ዝሕግዞም፥ ጓል ኤልሃናን ስማዳር ክትቅተል ከላ ጓል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ከም ዝነበረት ይገልጽ . . . ኣራሚን ብዛዕባ እታ ጓል ዓሰርተ ዓመት ከላ ዝተቐትለት ጓሉ ክዛረብ ከሎ፡ “ሓደ ሰብ ክንስእኖ እንከለና ብሉጽ እዩ ነይሩ ቢልና ንዝክሮ . . . “ወድኻ ወይ ጓልካ ልብኻ እዩ። ኩሉ ግዜ ድማ ኣብ ልብኻ ይስመዓካ ስለዚ ክትስእኖ እንኮለኻ ኩሉ ግዜ እዚ ቃንዛ ይስምዓካ። እዚ እዩ እቲ ንሰላም እንገብሮ ጻዕሪ መሰረት ዝኾነና ዘሎ ዝወረደና ስቓይን! ስማዳርን ኣብርን ብድሕሬና ደው ኢለን ንቕድሚት ይድርካና፣ ስቕ ከይንብል ይላበዋና ከምዘለዋ ኢና ንኣምን።”

ኤልሃላን ድማ ብወገኑ፡ “እቲ ዝወረደና ስቓይ መገዲ ሰላምና እዩ። ቃንዛ ጸዓት ይህበካ፣ ካብ ኑክለሳዊ ጸዓት ንላዕሊ። ዝወረደካ ስቓይን ንሰባት ጸልማትን ጥፍኣትን ቃንዛን ሞትን ንምምጻእ ወይ ድማ ብርሃንን ምቅርራብን ተስፋን ንምምጻእ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። እተን ዝተቐትላ ደቅና ብድሕሬና ደው ኢለን ንቕድሚት ይድርኻና ኣለዋ” ይብሉ።

ተስፋ ሰላም

እቶም ሓዘንተይናታት ኣቦታት እውን ንሰላም ዝግበር ቃልሲ ፈጺምካ ዘይሕደግ ኣገዳሲ ምዃኑ የብርሁ።

ኣራሚን፡. . . ኣብ ተልኣቪቭ ናይ ጀርመን ልኡከ መንግስቲ ኣሎ፡ ኣብ በርሊን ድማ ልኡከ መንግስቲ እስራኤል ኣሎ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ምዝዛም ስርዓት ናዚ ኣብ መንጎ ጀርመንን እስራኤልን ምሉእ ዝምድና ተፈጢሩ እዩ። ስለዚ ሰላማዊ ርክብ ንሕና እውን ክንገብሮ ንኽእል ኢና ማለት እዩ” ምስ በሉ ኤልሃላን እውን ብወገኑ፡ “እዚ ኣተሓሳስባን ልብን ሰባት ዝቕይር ኮይኑ ይስምዓኒ . . . ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ እንገብሮ ጻዕርታት ሰላም . . . ናብ ሰላም ዝመርሕ መገዲ ክህሉ ምዃኑ እኣምን!

28 March 2024, 17:34