ድለ

JORDAN-RELIGION-CHRISTIANITY JORDAN-RELIGION-CHRISTIANITY 

ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ኣብ ዮርዳኖስ ንቤተ ንጉስን ንማእከል ረድኤት ቃዛን በጺሖም

ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባት ቅድስቲ መበር ምስ ጳጳሳት ቅድስቲ መሬት መስዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግን ከምኡውን ምስ ንጉስ ኣቡዳለህ ዳግማዊን ምስ ዋና ኮሚሽነር ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ስደተይናታ ፍልስጤም አብ ቀረባ ምብራቕ ዝሓሊ ትካል ርክባት ንምክያድ ንኣርባዕተ መዓልቲ ዝወስድ ምብጻሕ ናብ ሃገረ ዮርዳኖስ የካይዱ ኣለዉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባት ቅድስቲ መንበር ምስ መንግስታትን ኣህጉራዊ ውድባትን ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ናብ ሃገረ ዮርዳኖስ ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ምብጻ ካብ ዕለት 11-14 መጋቢት ዝካየድ ክኸውን ኢዩ። ነቲ ንመበል 30 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ኣብ መንጎ ሃገረ ዮርዳኖስን ቅድስቲ መንበርን እተገብረ ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ርክባት እተመስረተሉ ዕለት ድማ ዘኽብር ክኸውን ኢዩ።

ብመሰረት እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ፣ ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ትማሊ ሰኑይ ምስ ንጉስ ኣቡዳለህ ዳግማዊ ቢን ኣል-ሁሲን ከምኡውን ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃገራትን ዝዀነ ኣያመን ሳላዲ ከም ዝተራከቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሊቀ-ጳጳሳት ጋላገር ነቲ ካብ ዮርዳኖስ ናብ ገማግም ቃዛ እተላእከ ናይ ግብረ-ሰናይ ረድኤት መኣከቢ ማእከል ዝዀነ ማሕበር ግብረ-ሰናይ ሃሸማውያን ክበጽሑ ከም ምዃኖም አብ መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

ቀጺሎም ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስቶም ካብ ስግር ካብታ ቅድስቲ መሬት ምስ ዝመጹ ካቶሊካውያን ጳጳስትን ምስቶም ኣብ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብታ ኣብ ስዊፋ ኣማን እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅድስተ ማርያም ዘናዝሬት ቅዳሴ ከዕርጉ ኢዮም ።

ናብቲ ኢየሱስ እተጠምቀሉ ቦታታት ምብጻሕ

ሎሚ ሰሉስ ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ቤተክርስቲያን ቅድስቲ መሬት ኣኼባ ከም ዘካይዱን ናብቲ ኣብ ከተማ ማዳባ ዚርከብ ማእከል ተቐበልቲ ኣጋይሽ ካሪታስ ክመጽሑ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ጽባሕ ረቡዕ ናብቲ ኢየሱስ ዝተጠምቀሉን ቅዱስ ቦታታትን፣ ናብ ደብረ ኔቦን ከምኡውን ናብ ማካይሮስ ክበጽሑ ኢዮም ።

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብምቕጻል ሊቀ-ጳጳሳት ጋላገር ምስ ሚኒስተር ቱሪዝምን ጥንታውነትን ዝዀነ ማክራም ሙስጣፋ ኲሲ ክራኸቡ ኢዮም።

ኣብ መወዳእታ፣ ዝመጽእ ሓሙስ ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ናይቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ፣ ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ምስ ዋና ኮሚሽነር ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ጉዳያት ስደተይናታት ፍልጤም ኣብ ቀረባ ምብራኽቕ ዝዀነ ፊሊፕ ላዛሪኒ  ኪራኸቡ ኢዪም ።

12 March 2024, 11:54