ድለ

ፓትርያርክ ፒዛባላ፡ ኩነታት ቓዛ ዘይጽወር እዩ ፓትርያርክ ፒዛባላ፡ ኩነታት ቓዛ ዘይጽወር እዩ   (REUTERS)

ፓትርያርክ ፒዛባላ፡ ኩነታት ቓዛ ዘይጽወር እዩ

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪርክ ካርዲናል ፒዛባላ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት ከብቅዕ ኩሉ ሰብ ዝከኣሎ ክግበር ምስ ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት መደብር ተለቪዥን - ትቩ 2000 ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ኢጣልያ ምስ ዝርከብ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መደበር ተለቪዥን ቲቩ 2000 ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ቓዛ ዘሎ ኩነታት ሰፊሕን ዓሚቕን ስእሊ ከም ዝሃቡን - ኵሉ ዓይነት ጸገማት ኣጋጢሙና ኢዩ ቍጠባዊ ዅነታት እውን ከይተረፈ ወትሩ ተነቃፊ ኢዩ ነይሩ፡ ቅድሚ ሕጂ ግን ጥሜት ኣጋጢሙ ከም ዘይፈልጥ ይሕብሩ።

ካርዲናል ፒዛባላ "ኵሎም ሃይማኖታውያን ፖለቲከይናታት ከምኡውን ማሕበራዊ ማሕበረሰባት ነዚ ዅነታት እዚ ደው ንምባል ዝከኣሎም ኵሉ ኽገብሩ ኣለዎም፡ ቢሎም ኣብ ግዝኣታት ፍልስጤም ዝነብሩ ማሕበርሰብ ክርስቲያን ኣብ ሰሙነ ሕማማትን ኣብ በዓለ ፋሲካን ኣብ ቅዳሴ ንክሳተፉ ናብ ኢየሩሳሌም ንኽመጹ ፍቓድ ክወሃቦም ምዃኑ ኣረጋጊጾም። "ከምቲ ንሮሞዳን ንሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝተውሃበ ፍቓድ፡ ኩሉ ኣብ ናይ እምነቱ ዓበይቲ በዓላት ክሳተፍ ዕድል ክፍጠረሉ ኣለዎ” ኢሎም።

22 March 2024, 14:25