ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ንር.ሊ.ጳ. ዘተ ኢድካ ምሃብ ዘይኮነስ፡ ንፍትሓውን ነባርን ሰላም ቅድመ ኩነት እዩ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ንር.ሊ.ጳ. ዘተ ኢድካ ምሃብ ዘይኮነስ፡ ንፍትሓውን ነባርን ሰላም ቅድመ ኩነት እዩ  (ANSA)

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ንር.ሊ.ጳ. ዘተ ኢድካ ምሃብ ዘይኮነስ፡ ንፍትሓውን ነባርን ሰላም ቅድመ ኩነት እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ኩናት ዩክሬን ምስ ናይ ስዊዝ መደብር ራዲዮን ተለቪዥንን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ስዒቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ‘ኮሪየረ ደላ ሴራ’ ምስ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም ‘ኑክለሳዊ ስግዓት” የንጸላልው ምህላዉ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 11 መጋቢት ንንባብ ዝበቐዐ ምስ ኮሪየረ ደላ ሰራ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኩም፥

ር.ሊ.ጳ. ንዘተ ሕራይ ምባል ኢድካ ምሃብ ማለት ኣይኮነ ኢሎም፡ እዚ ድማ ካብ ሩሲያን ዩክረይንን ብቐጥታ ንዩክረይን ዝምልከት እዩ ዝመስል፡ ከምኡ’ውን "ስዕረት" ናይቲ ዝተሃርመ ወገን ከም ድርኺት ዘተ ምጽዋዕ ኣንጻር ኣፍራይነት’ዶ ኣይኮነን?

ከምቲ ዕለት 25 ለካቲት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓፍሊ ብሩኒ፥ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ጻውዒት “ፍትሓውን ነባርን ሰላም ኣብ ምድላይ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ፍታሕ ዝረኽበሉ ኩነታት ክፍጠር” ዝብል እዩ።

ከምዚ ዓይነት ኩነታት ምፍጣር ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ሓደ ካብቶም ወገናት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ክልቲኦም ዝወድቕ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ቅድመ ኩነት ድማ ብልክዕ ነቲ ዓመጽ መወዳእታ ዝገብር ኮይኑ ይስመዓኒ።

ዝኾነ ይኹን ሰብ ነቲ ዓውደ-ኩነት ፈጺሙ ክርስዖ የብሉን፣ እዚ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ናብ ር.ሊ.ጳጳሳት ዝቐረበ ሕቶ እዩ። ከም መልሲ፡ ብዛዕባ ዘተን ብፍላይ ድማ ናይ ዘተ ትብዓት ክህሉ ኢሎም እዮም፡ ዘተ ስዕረት ዘይኮነስ ትብዓኣት ምዃኑ እውን ኣብሪሆም እዮም፡ ዘተ ምድላይ ማለት ኢድካ ምሃብ ማለት ከም ዘይኮነ እውን ገሊጾምዎ እዮም፡ ቅድስቲ መንበር ነዚ መስመር ተኸቲላ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት ኣብ ምቕራብ ትቕጽል ኣላ - መጀመርያ ተኹሲ ደው ዘብሉ ድማ እቶም ወረርቲ ክኾኑ ይግባእ - ድሕሪኡ ድማ ዘተ ንኽብገስ ዕድል ምሃብ እዩ። ዘተ ድኽመት ዘይኮነስ ሓይሊ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና የረድኡ።

ከምኡ’ውን ንህይወት ደቂ ሰባት፡ ነቲ ኣብዚ ኣብ ማእከል ኤውሮጳ ዘሎ ኲናት ዝተሰውአ ኣማኢት ኣሽሓት ህይወት ደቂ ሰባት ዝያዳ ኣቓልቦ ክህልወና ከም ዘለዎ ይነግሩ። እዚ ቃላት ንዩክሬን ከምኡ’ውን ንቅድስቲ መሬትን ነቶም ካልኦት ንዓለም ዘሳቕዩ ግጭታትን ዝምልከት እዩ።

ብናይ ሰነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ንዝመጽእ ፍታሕ ሕጂ’ውን ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

እዚ ኣብ ድሌት ደቂ ሰባት ዝምርኮሱ ውሳነታት ስለዝኾኑ፡ ኣብ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ናብ ፍታሕ ናይ ምብጻሕ ተኽእሎ ኩሉ ግዜ ህልው እዩ፡ እቲ ኣንጻር ዩክሬን ዝተፈንጀረ ኲናት ውጽኢት ቁጽጽር ዘይብሉ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ዘይኮነስ ናይ ሰብኣዊ ናጽነት ውሳኔ ዝምልከት ጥራይ እዩ። እቲ ነዚ መዓት ዘስዓበ ሰብኣዊ ናጻ ድሌት’ውን ንኸብቅዕ ስጉምትታት ክወስድ ይግባእ፡ እዚ ፍታሕ እዚ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ናይ ዝኸፍቶ መገዲ ተኽእሎን ሓላፍነት እዩ።

ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ምብራኽ እቲ ውግእ ትሻቐል? እዚ "ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ተሳትፎ ክስሕብ ስለ ዝኽል ዘፍርሕ እዩ ቢልኩም ባዕልኹም ገሊጽኩም ነይርኩም።

ቅድስቲ መንበር እቲ ኲናት ናይ ምስፍሕፋሕ ሓደጋ የሻቕላ። ምብራኽ እቲ ግጭት፡ ምልባዕ ሓደስቲ ዕጥቃዊ ግጭታት፡ ከምኡ’ውን ቅድድም ናይ ውግእ ኣጽዋር ኣብዚ መዳይ’ዚ ዘሰክፍ መዓታዊ ምልክታት’ዩ።

እቲ ኲናት ምግፋሕ ማለት ሓድሽ ስቓይ፡ ሓድሽ ሓዘን፡ ሓድሽ ግዳያትን ሓድሽ ዕንወትን ማለት ምዃኑ ካርዲናል ፓሮሊን ገሊጾም፡ እዚ ድማ ነቲ ህዝቢ ዩክሬን ብፍላይ ድማ ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣረጋውያንን በርገሳውያንን ሕጂ ብቐጥታ ዘጋጥሞ ዘሎ ስቓይ ኣጋዲዱ ከቢድን ልዑል ዋጋ ዘኽፍልን እዩ። ዋጋ ናይዚ ዘይፍትሓዊ ኲናት።

ር.ሊ.ፓ. ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን እውን ተዛሪቦም እዮም፡ "ሓላፍነት" ናይ ክልቲኦም ወገናት ኣበራቢሮም እዮም። እዚ ክልተ ዅነታት እዚ እንታይ እዩ ዚመሳሰል?

ክልቲኦም ኩነታት ብርግጽ ካብ ዝኾነ ቅቡል ክኸውን ካብ ዝኽእል ደረት ንላዕሊ ብሓደገይና መንገዲ ክሰፍሕ ዝኽእል ግጭት እዩ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሳዕቤን ዘለዎ ከምኡ’ውን ከቢድ ውዕላት እንተ ዘይተገይሩ ፍታሕ ኪርከብ ከም ዘይከኣል ዘመሳስሎ ብዙሕ ነገራት ኣሎ፥ እዚ ዓሙቑ ቁስሊ እዚ መዓስ እዩ ኺሓዊ? እቲ ዘመንጩዎ ዘሎ ጽልኢ የሻቕለኒ ኣሎ።

ኣብ ጉዳይ ምብራኽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሓደጋ ኑክሌሳው ግጭት ብዙሕ ግዜ ተዛሪቦም እዮም፡ "ሓደ ፍጻመ ጥራይ እዩ ዝሓትት" እዚ ድዩ ናይ ቅድስቲ መንበር መሰረታዊ ፍርሒ? ከምቲ ኣብ ሳራየቮ ኣብ 1914 ዓ.ም. ዝተኸወነ ፍጻመ?

ናብ ኒዩክለሳዊ ኲናት ‘ዘጽድፍ’ ሓደጋ ናይ ሓቂ ዝርአ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ገለ ወከልቲ መንግስቲ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምጕብዕባዕ ብኸመይ ኣዘውቲሮም ከም ዝጥቀሙሉ እሞ ርአ። እዚ ብሓቂ ዝከኣል ዘይኮነስ መዓልታዊ ተራ ፈነወ ኮይኑ ክተርፍ ድማ ተስፋ እገብር።

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር "መሰረት ዘለዎ ፍርሒ" ግን፡ እቶም ኣብዚ ዘሕዝን ኩነታት እዚ ዘለዉ እተፈላለዩ ተዋሳእቲ ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ዝያዳ ተሰሪቶም ደኣ እምበር ሰላም ንምርካብ ዝከኣሎም ኵሉ ከም ዘይገብሩ ምህላዎም ዝፈጥሮ ዘሎ ሓቂ እዩ።

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ንር.ሊ.ጳ. ዘተ ኢድካ ምሃብ ዘይኮነስ፡ ንፍትሓውን ነባርን ሰላም ቅድመ ኩነት እዩ!
12 March 2024, 16:09