ድለ

2023.08.04 Confessionale dove il Papa confesserà i giovani - GMG Lisbona 2023.08.04 Confessionale dove il Papa confesserà i giovani - GMG Lisbona 

ሓደስቲ መዓርገ ኻህናት ብዛዕባ ምስጢረ ንሥሓ ስልጠና ክወስዱ አብ ሮማ ይርከቡ

እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ንስሓን ሥሬት ሓጢኣትን ዝሓሊ ሓዋርያዊ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ምስጢረ ንስሓ ዝምልከት ዓመታዊ ዕጽው ጉባኤ ጀሚሩ ይርከብ አሎ፣ እዚ ጉባኤ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ሥርየት ሓጢኣትን፣ ብዘዕባ ርክብ ኣበ ንስሓን ተነሳሕን ከምኡ ውን ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ንሓደ ሰሙን ዝቕጽል ተኸታታሊ ትምህርትታትን ዘተታትን የካይድ አሎ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ዓመታዊ ዕጽው ጉባኤ በቲ ናይ ቅድስቲ መበር ብዛዕባ ጉዳይት ንስሓን ሥርየት ሓጢኣትን ዝሓሊ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት እተወደበ ዀይኑ፣ ንሓደስቲ ካህናትን ከምኡ ውን መዓርገ ክህነት ክቕበሉ ንዝሰናደው ዘለዉ ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ንምፍጣር ዝዓለመ ኢዩ፣ እዚ ድማ ብዛዕባ ምስጢረ ንስሓ "ዓሚቝ ኣስተንትኖ ንምግባርን ስልጠናታት ንምሃብን" ዝተወደበ ኣጋጣሚ ኢዩ።

እተፈላለየ ኣርእስትታት ዘለዎ ምይይጥ

ኣብ እዋን እዚ ጉባኤ ክኢላታትን ሊቃውንትን ናይ እተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርትታት ነቶም ተሳተፍቲ ካብ ሥርየት ሓቲኣት ኣትሒዝካ ኽሳዕ እቲ ኣብ መንጎ ኣበ ንስሓን ተነስሕን ዘሎ ርክብን ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎንት ሰፊሕ ዝኾነ ኣስተምህሮታት ከቕርቡሎም እዮም።

እቶም ኣዳለውቲ ናይዚ ስልጠና ኣብ ሓደ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘውጽእዎ "ናብ ሜመያን ብያኔን ምሕረትን ቤተ-ክርስትያን ዝቐርብ ጭቡጥን እተሓላለኸን ጕዳያት ንምፍታሕ" ቀዳምነት ክወሃቦ ምዃኑ ድማ ገለጹ።

ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ክፍለ-ግዜ ኣብ መንጎ እቶም ተሳተፍቲ ዘተታት ክግበር ኢዩ።
ዓርቢ 8 መጋቢት እቲ ዋዕላ ምስ ተዛዘመ እቶም ተሳተፍቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክራኸቡ ኢዮም ።

ካርዲናል ፒያቸንዛ ፦ ምስጢረ ንስሓ ቅድመ ኩነት ናይ ተሓድሶ  ቤተክርስቲያን እዩ

ውና ሓላፊ ናይዚ ሓዋርያዊ ቤትጽሕፈት ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ፒያሰንዛ ትማሊ ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ ነቲ ዋዕላ ብዕሊ ከፊቶም ።
ኣብ መኽፈቲ ሥነ-ስርዓት ንዝለገስዎ መደረ ብዛዕባ እቲ ዝቀራረብ ዘሎ ዓመት ኢዮቤል 2025 ብምስትንታን ጀመሩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ከየስተውዓልናሉ ዝሓልፍ እኳ እንተ ዀነ ምስጢረ ንሥሓ ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ኣጕልሑ ። ሸፈነ መራኸቢ ብዙሓን ልዕሊ ዅሉ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጽምብላት ዓመተ ኢዮቤል ንኽሳተፉ ናብ ሮማ ክመጹ ትጽቢት ዚግበረሎም ዘሎ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ናጋድያን ተረኮረ እኳ እንተ ኮነ ፣ እቲ ብዛዕባ ምሥጢረ ንስሓ ዚምልከት ስፍሓት እውን ነቲ በዓል ብማዕረ ኣገዳሲ ምዃኑ ገለጹ። 
ይኹን እምበር እቲ "ብርሃን" ምሕረት አምላኽ ኣብ ዓለም ቅድሚ ምብራሁ፣ ብፁዕነቶም ከም ዘመልከዎ መጀመርታ ኣብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ክብርህ ከም ዘለዎ ኣመልከቱ ። "ብዘይ ብሕታዊ ምሕዳስ ቤተ-ክርስትያንን ዓለምን ክሕደሱ ተስፋ ምግባር ዘይሕሰብ እዩ፣" ድማ በሉ።
ብፁዕ ካርዲናል ፒያቸንዛ ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዝግበር ተሓድሶ ድማ ልዕሊ ኹሉ ምሥጢረ ንስሓ ኣገዳሲ  ከም ምዃኑ እውን ኣስፊሖም ገለጹ ። ከምዚ ድማ በሉ - "ኵሉ ግዜ ኣድላዪ ዝዀነ ተሓድሶ ኣብ ቤተ-ክርስትያንና ዝግበር፣ ብመሰረት ምርጫታትና እንገብሮም ምቅይያራት ዘጠቓልል ኣይኰነን ። የግዳስ በቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ምሕረት ሰብኣዊ ሥርዓታትና ክነጽሕ ምስ እነፍቅድ እዩ" በሉ። ኣብ
መወዳእታ ብፁዕ ካርዲናል ፒያቸንዛ ብዛዕባ እቲ ምሥጢረ ንስሓ ዘለዎ ስነ-ምግባራዊ ስፍሓት ኣስተንተኑ፣ እዚ ድማ ምስታ ኣብ ምድሪ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ምስታ ኣብ ሰማይ ዘላ ቤተ-ክርስትያን እውን ከም እንራኸብ ኢዩ ዝገብረና ። ስለዚ ኑዛዜ ምስ "መላእ ኣቅላስያዊ ኣካል" ከም ዘተዓርቐና ብምግላጽ መደረኦም ዛዘሙ ።

05 March 2024, 12:25