ድለ

ቅድስቲ መንበር ኣብ ልዕሊ ቀተልቲ ርእሰ-ምሕዱር ኣጽዋር ስነ-ምግባራዊ ክትትል ክግበር ትላቦ ቅድስቲ መንበር ኣብ ልዕሊ ቀተልቲ ርእሰ-ምሕዱር ኣጽዋር ስነ-ምግባራዊ ክትትል ክግበር ትላቦ  (ANSA)

ቅድስቲ መንበር ኣብ ልዕሊ ቀተልቲ ርእሰ-ምሕዱር ኣጽዋር ስነ-ምግባራዊ ክትትል ክግበር ትላቦ

ሃገራት ቀታሊ ርእሰ-ምሕዱር ኣጽዋር ከማዕብላ ኣብ ዝጽዕራሉ ዘለዋ እዋን፡ ሊቀ ጳጳስ ኤቶረ ባሌስትረሮ፡ ደቂ ሰባት ንከምዚ ዓይነት ውሳነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ክገብሩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጉላሕ፡ ጽኑዕ ስነ-ምግባራዊ ክትትል ክግበር ኣለዎ እንክብሉ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ኤቶረ ባሌስትረሮ ንጉጅለ መንግስታውያን ክኢላታት (GGE) ኣብ መዳይ ቀታሊ ርእሰ-ምሕዱር ስርዓት ኣጽዋር ዝብጻሕ ዘሎ እደ ጥበባዊ ምዕባለታት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፥ ምጥቃምን ምምዕባልን ቀታሊ ርእሰ ምሕዱር ኣጽዋር ብዝምልከት ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ስነ-ምግባራዊ ስክፍታታት ኣጉሊሖም። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዕለት 1 ጥሪ መዓልቲ ሰላም 2024 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ርዝነት እዚ ጕዳያት እዚ ከም ዘጉልሑ ሊቀ ጳጳሳት ባለስትረሮ ኣዘኻኺሮ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢ እቲ ቀታሊ ርእሰ ምሕድሩ ኣጽዋር ዝበሃል መሳርሒታት ዝግበር ሓድሽ እደ ጥበባዊ ምርምር እንኮላይ ብዛዕባ ኣጽዋር ሰብ ሰርሖ ምስትውዓል ከቢድ ስነ-ምግባራዊ ሻቕሎት ከም ዘምጽእ ዝገለጹ ሊቀ ጳጳድስት ባሌስትረሮ ብተወሳኺ ርእሰ-ምሕዱር ስርዓታት ኣጽዋር ኣብ ውሳነ ደቂ ሰባት ባህርያዊ ዝኾነ ግብረ ገባዊ ውክልና ከምዘይብሎም ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

"ርእሱ ዝኸኣለ ስርዓታት ኣጽዋር ብግብረ ገብ ተሓተትትን ተገዛእትን ክኾኑ ኣይክእሉን" እዮም፡ ስለዚ ኣብ ምውፋሮም ኣድላይነት ሰብኣዊ ክትትል መሰረታዊ ምዃኑ ኣጉሊሖም፡ ዕደ ጥበባዊ መጋበርያ ዝተራቐ እውን ይኹን ነቲ ኣብ ዕጥቃዊ ውግእ ኣገዳሲ ዝኾነ ስነ-ምግባራዊ ረቛሒታት ብሓቂ ክርድኦ ወይ ክኽተሎ ከምዘይክእል ኣመልኪቶም፡  ምኽንያቱ እቲ እተራቀ እደ ጥበባዊ መጋበርያ ግኡዝ እምበር ብሓቂ ክሓስቡ፡ ክስምዖም፡ ክውስን ወይ ብተግባራቱ ክሕተት ኣይክእልን" ከም ዝበሉን፥ ቅድስቲ መንበር ውግእ ንምውጋድ ዝኣተወቶ ተወፋይነት ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ኣብ ክብሪ ሰብኣዊ ፍጥረት ጽኑዕ ትኹረት ብምግባር፡ ኣብ ምኽልካልን ምቁጽጻርን ርእሰ-ምሕዱር ስርዓታት ኣጽዋር ዝግበር ዘተ ቀዳምነት ክወሃበሉ የተሓሳስቡ።

ኣብ መወዳእታ ሊቀ ጳጳሳት ባሌስትረሮ ነቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን፥ ውግእ ኢሰብኣዊ ባህርይ ዘለዎ እዩ ዝብል  ነቕ ዘይብል እምነት ደጊምዎ ብምቅላሕ፡ ባህላዊ ለውጢ ኣብ ሰላም ክግበር ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡

እደ ጥበባዊ ምዕባለታት ንልምዓት ሰብን ንሓባራዊ ረብሓን ቀዳምነት ኣብ ዝህብ ማዕቀፍ ክዋደድ ኣተሓሳሲቦም፥ "እቲ ሓቀይና መፍትሒ፡ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ናብ ባህሊ ሰላም ዝቕይር ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣውነት ምውዓል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 March 2024, 15:18