ድለ

Venice prepares to introduce entrance fee for day trippers to try to manage the flow of tourists Venice prepares to introduce entrance fee for day trippers to try to manage the flow of tourists 

ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ቨኒስ ስነ-ጥበባዊ ፌስቲቫል፡- 'ኣዒንትና ናብ ክውንነት ክመለስ' ይደሊ

ሃገረ ቫቲካን ኣብቲ ንመበል 60 ግዜ ዝካየድ ስነ-ጥበብዊ ፌስቲቫል ቨኒስ ንቅድስቲ መንበር ብዝውክል ስነ-ጥባብዊ ምርኢት ክትሳተፍ ኢያ። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ውን ኣባኡ ተረኺቦም ብኸመይ ስነጥበብ ህይወት እሱራት ንምቕያርን ኣድማሳዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንምቕባል ከም ዘኽኣሎም ከብራህርሁ ኢዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደቂ ኣንስትዮ ጁዴካ ዝካየድ መበል 60 ኣህጉራዊ ምርኢት ስነ-ጥበብ — ቨኒስ ባያንነል — ብምስታፍ፣ ነቲ እሱራት ንስነ-ጥበብ ብምቕባል ህይወቶም ናይ ምቕያር ዕድል ከም ዘቕረበሎም ዘርኢ ምርኢት ከተቕርብ ኢያ።

እዚ መግለጺ እዚ ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር እተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ዝወጸ መግለጺ ኮይኑ፣ ብዛዕባ እቲ ኻብ 20 ሚያዝያ ኽሳዕ 24 ሕዳር 2024 ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ዝግበር ፌስቲቫል ዝገልጽ ኢዩ ።

ሳላ እቲ ኣብ ውሽጡ ነዚ ፈስቲቫል ዜአንግድ ቤት ማእሰርቲ ደቂ ኣንስትዮ ጁደካ እተገብረ ትሕተ ቅርጻውን ስነ ሓሳባውን ውዳበ፣ እዚ ውጥን እዚ ኣብ ቨኒስ ክካየድ ተሓሲቡ ዘይፈልጥ እዩ።

ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ እተረኽቡ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ሆሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳን፣ ሓላፊ  ምሕደራ ኣብያተ ማእሰርቲ ክፍሊ ሚኒስትሪ ፍትሒ ሪፓብሊካዊት ኢጣልያ  ጆቫኒ ሩሶን ፣ ከምኡ ውን  ዶ.ር ኪያራ ፓሪዚን ዶ.ር ብሩኖ ሬሲን ኣካየድቲ ስነ-ጥበባዊ ምርኢታት ቅድስቲ መንበርን ከምኡውን ዶ.ር ፓውሎ ማሪያ ቪቶርዮ ግራንዲ ናይ ኢንተሳ ሳንፓኦሎ ዝተሰምየ ባንክ ኢጣልያ ዋና ኣመሓዳርን ኢያቶም ዝነበሩ።

'ብገዛእ ዓይነይ'

እዚ "ብገዛእ ዓይነይ" ዝተሰምየ ስነ-ጥበባዊ ምርኢት፣ ንሰብኣዊ መሰላትን ነቶም ኣብ ሕድጋት ሕብረተሰብ ንዝነብሩ ዘለዉ ሰባት እተወፈየ ዀይኑ ኣቓልቦ ዓለም ናብቶም ባህሊ ተሳትፎ ዘስፋሕፍሑ ሰባት ንምስሓብ ዝዓለመ ክኸውን ኢዩ ።

ቅድስቲ መነብር ነቶም ተዓዘብቲ ብቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቃል ብቃሉ ክቕበልዎ ብምዕዳም፣ ኵሉ ሰብ ክንዮ ማሕበራዊ ደረጃኦም ምስ ደቅሰብ ኣብ ዝገብርዎ ርክባት ብቐጥታ ኣብ የዒንቶም ክጥምትዎም እሞ ክንዮ እቲ ማሕበረ ሰብኣዊ ደረጃታቶም ሓሊፎም ኣብቲ ሰብኣውነቶም ክረኽብዎም ትሕጸን።

ካርዲናል መንዶንሳ "እዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ባህሊ ንጠመተ ከጉልሕ ኢዩ ዝፍትን" ድማ በሉ። እንተዀነ ግን ብገዛእ የዒንትና ምርኣይ ንጠመተና ፍሉይ ዝኾነ ደረጃ ኢዩ ዝህቦ፣ ከመይሲ እዚ ናይ ምርኣይ ክእለት ንባዕልና ብቐጥታ ስለ ዘሳትፈና ተዓዘብቲ ጥራይ ዘይኰነስ መሰኻኽር ከም እንኸውን ኢዪ ዝገብረና ።"

እዚ ኣብ ነፍስ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝካይድ ስነ-ጥበባዊ ምርኢት ቨኔስ ኣብ 2024 "ኣብ ኵሉ ቦታ ዚርከቡ ወጻእተኛታት" ብዝብል መሪሕ ሓሳት ካብ 20 ሚያዝያ ኽሳዕ 24 ሕዳር ክካየድ እዩ።

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዘካይድዎ ምብጻሕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ቨኒስ ናይ ሓደ መዓልቲ ጉስነታዊ ምብጻሕ ከካይዱ ኢዮም፣ ኣብኡ ኸኣ ኣብቲ ስነጥበባዊ መርኢት ዝካየደሉ ቦታ ተረኺቦም ኣብ ታሪኽ ከም ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቢያናል ቨኒስ ዝተረኽቡ ኮይኖም ከም ዝሳተፉ ተፈሊጡ ኣሎ ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝቐርብ ሰነ-ጥበባብዊ ምርኢት ንምድናቕ ግዜ ወሲዶም ምስ ኣባላት ምእመና ቨኒስ ገለ እተወሰነ ግዜ ከሕልፉ ኢዮም ።

ብፁዕ ካርዲናል ሆሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ጋዜጠኛታት ከም ዝሓበርዎ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ እዋናት ምሉእ መደብ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዚወጽእ ውን ኣመልኪቶም ።

12 March 2024, 11:56