ድለ

ቫቲካን ብዛዕባ ጉዕዞ ሲኖዳውነት ምስ ጳጳሳት ጀርመን ዘተ ኣካይዳ ቫቲካን ብዛዕባ ጉዕዞ ሲኖዳውነት ምስ ጳጳሳት ጀርመን ዘተ ኣካይዳ  (Dt. Bischofskonferenz)

ቫቲካን ብዛዕባ ጉዕዞ ሲኖዳውነት ምስ ጳጳሳት ጀርመን ዘተ ኣካይዳ

ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣካላት ቫቲካን ምስ ወከልቲ ጉባኤ ጳጳሳት ጀርመን ዕለት 23 መጋቢት ብምርኻብ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ሲኖዶስ ዝተልዓሉ ሓያሎ ቲዮሎጊያውያን ሕቶታት ከም ዝዘተዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበርን ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ጀርመንን ዕለት 23 መጋቢት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ጀርመን ብዛዕባ ኪደት ሲኖዶውነት ኣማእኪሎም ድሕሪ ዘካየድዎ ናይ ሓባር ዘተ ሓባራዊ መግለጺ ከም ዘውጽኡን፡ ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ወከልቲ ኲርያ ሮማና ምስ ሓያሎ ጳጳሳት ጀርመን “ነቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዓ.ም. ብምኽንያት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ሃገረ ቫቲካ ምብጻሕን ምስ ር.ሊ.ጳ. ዘካይድዎ መደብ ርክብን መሰረት ናይ ጀርመን ጳጳሳት ብዛዕባ ሲኖዳዊ ኪደት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ጀርመን ዝጀመርዎ ክሌኣዊ ዘተ ብምቕጻል ቅድም ክብል ዕለት 26 ሓምለ 2023 ዓ.ም. ዝተኻየደ ርክብ ዝስዕብ ኮይኑ፡ “ብእወታውን ሃናጽን ሃዋህው ዝልለ ርክብ” ምንባሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

እቲ ዘተ ኣብ “ገለ ካብቲ ኣብ ሰነዳት ሲኖዳዊ መንገዲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጀርመን ዝለዓል ቅሉዕ ቲዮሎጊያዊ ሕቶታት” ዘተኮረ ከም ዝነበረን ወከልቲ፡ ነቲ ዘሎ “ፍልልያት” ንምፍታሕ፡ “ስሩዕ ሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ዘተ” ክቕጽሉ ከም እተሰማምዑን እቲ ሓባራዊ መግለጺ ከም ዘመላኽቶ፡ "ኣቡናት ጀርመን እዚ ዕዮ እዚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘቕርቦ ስነ ዓቕለስያውን ሕጊ ቀኖናውን ከምኡ እውን ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘቕረቦ ውጽኢት ብምስምማዕ ኣብ ጀርመን ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ብጭቡጥ ንምምዕባል ዘገልግል ከም ዝኾነን ነዚ ማእከል ብምግባር ኣብ ግብሪ ንኽውዕልዎ ዘቕረብዎ ሰነድ ንውሳኔ ቅድስቲ መንበር ከቕርብዎ ከም ዝኾኑን፡ እቲ ዚቕጽል ክሌኣዊ ዘተ ቅድሚ ወርሒ ነሓሰ 2024 ዓ.ም. ክካየድ ከም እተሰማምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ወከልቲ ኩርያ ሮማና ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ፈርናንደዝ፣ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኩርት ኮኽ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፣ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ካርዲናል ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስትን ናይ ቅድሳት ምስጢራትን ስርዓተ ኣምልኾን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኣርተር ሮቸን፡  ከምኡ’ውን ዛዕባ ሰነዳት ሕጊ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳስ ፊሊፖ ኢያኖን ከም ዝነበሩን ንጉባኤ ጳጳሳት ጀርመን ዝወከሉ ጳጳሳት፥ ጆርጅ ባትዚንግ፣ ስቲፋን ኣከርማን፣ ማይክል ገርበር፣ ፒተር ኮልግራፍ፣ በርትራም ማየርን ፍራንዝ-ጆሴፍ ኦቨርቤክን ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ዋና ጸሓፊት ጉባኤ ጳጳሳት ጀርመን ዶክተር ቢኣት ጊልስን ናይ ጀርመን ጉባኤ ጳጳሳት ዜና ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማትያስ ኮፕን ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 March 2024, 15:50