ድለ

ሊቀ ጳጳስ ጋላገር፡ ውግእ ደው ንምባል ዘተ ጥራሕ እዩ ዘድሊ ሊቀ ጳጳስ ጋላገር፡ ውግእ ደው ንምባል ዘተ ጥራሕ እዩ ዘድሊ 

ሊቀ ጳጳስ ጋላገር፡ ውግእ ደው ንምባል ዘተ ጥራሕ እዩ ዘድሊ

ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ወጻኢ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር፥ ብዛዕባ መጻኢ ኤውሮጳን ዓለምን ጎኒ ጎኒ ኣብ ዩክሬንን ቅድስቲ መሬትን ዝካየድ ዘሎ ዘሎ ውግእ ራይ ምስ እተሰምየ ናይ ኢጣልያ መደብር ረዲዮን ተለቪዥንን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት መርገጺ ቅድስቲ መንበር የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዕለት 26 መጋቢት ብመንግስቲ ኢጣሊያ ምስ ዝመሓደር ራይ እተሰምየ ናይ ረዲዮን ተለቪዥንን መደብር ጨንፈር ራይ - 1 ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ከም ዝተንከፉን እቲ ኣብ ሞስኮ ዝተፈጸመ "ዘስካሕክሕ" ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ኤውሮጳን ዓለምን ዘሎ ሓፈሻዊ ዘይምርግጋእ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዩክሬን ዘሎ ኲናት ብኣጽዋር ዘይኮነ ብዘተ ክፍታሕ ከም ዘለዎን፡ "ንሰላም ምስራሕን ሰላም ንምስፋን ምፍታንን ዘተ" ኣገዳሲ እዩ ይብሉ።

ብተወሳኺ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ምብራኽ ስግኣት ኒዩክለር እውን ገሊጾም ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘሎ ፈጺሙ መዕለቢ ክረክብ ዘይከኣለ ግጭት "ክልተ ህዝብታት፡ ክልተ ሃገራት" ዝብል ፍታሕ ዘድልዮ እዩ ቢሎም፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዝርአ ዘሎ "ኣዕናዊ" ኩነታት እውን ዝሕደረሎም ስቓይ ይገልጹ።

ብዛዕባ ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ክዛረቡ እንከለዉ፥ ቅዱስ ኣቦና “ጽኑዕን ቆራጽን” እዮም፡ ምናልባት ኣብዚ ቅንያት እዚ ቅድሚ ጽምብል ቅዱስ ሰሙን "ጻዕሮም ሚዛን ንምሃብ ይጽዕሩ ኣለዉ . . . ኩሉ ግዜ ከገርሙና ከም ዝኽእሉ" እየ ዝኣምን ምስ በሉ ኣብ ሞንተነግሮ ቅድሚኡ ድማ ኣብ ዮርዳኖስ ካብ ዝገበርዎ ጉዕዞ ብዛዕባ ኣህጉራዊ እዋናዊ ፍጻመታትን ሰፊሕ ርእይቶ ሂቦም።

ኣብ ሞስኮ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ

ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሞስኮ ዝወረደ ሽበራዊ መጥቓዕቲ "ዘስካሕክሕ" እንክብሉ ገሊጾም፡ እቲ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንኸነስተንትን ዝድርኸና ክኸውን ኣለዎ፡ ምኽንያቱ "ኣብ ሕብረተሰባትና ከጥፍኡን ስቓይ ከስዕቡን ጥራይ ዝደልዩ ባእታታት ስለ ዘለዉ።” እቲ ኣብ ሞስኮ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ነቲ ዓለማዊ ኩነታት ዝያዳ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ገሊጾም፡ "ከምዚ ዝበለ ዘስካሕክሕ ጸገም ዘጋጠማ ሃገር እውን ከምቲ እስራኤል ድሕሪ 7 ጥቅምቲ እትፍጽሞ ዘላ ኣዝዩ ሓያል ግብረ መልሲ ክትህብ ትኽእል እያ" ኢሎም።

እዚ ኩሉ ዘይምርግጋእ፡ "ድሕሪ ኽልተ ውግኣት ዓለም መንግስትታት ንሓድሕዶም ብምምይያጥ ብዘተ ንኣተሓሕዛን ከምኡውን ንምፍታሕ ግጭታተን ዝዓለመ ዘቖሞ ስርዓት ስለ ዝፈረሰ እዩ” ዘጋጥም ዘሎ፡ ሎሚ ግን ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገርትን ከምኡውን ትካል ጸጥታን ምትሕብባርን ኣብ ኤውሮጳ "ንሓያሎ ዓመታት ኣዕኑድ ዓለምና" ኮይኖም ዝጸንሑ "ሕጂ ነዚ ኸቢድ ብድሆታት እዚ ኽዋጽኣሉ ዘይክእል ከም ዝኾነ ኢዩ ዝስምዓና።

ኲናት ኣብ ዩክሬን

ብዛዕባ ኲናት ዩክረይን ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወትሩ ዝኾነ ይኹን ኩናት ኣብ መዓዲ ዘተ ክውዳእ ኣለዎ” ይብሉ። ዩክረይን ኮነ ሩሲያ ናብ ዘተ ክመጹ ኣለዎም። . . . ቶኽሲ ደው ኣቢልካ ጸገማት ብዘተ ምፍታሕ ንኹሉ ዘርብሕ እዩ ይብሉ።

ምክልኻል ጉዳይ ኣጽዋር ጥራይ ኣይኮነን

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ሓሳብ ር.ሊ.ጳ. ብምዝካር ብዛዕባ ዳግመ ምጅማር ውጥን ምክልኻል ኤውሮጳ ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ "ኤውሮጳ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ክትወስድ ኣለዋ" እክብሉ ኣረጋጊጾም፡ ማዕረ ማዕሪኡ ግን "ምክልኻል ጉዳይ ኣጽዋር ጥራይ ኣይኮነን፡” እንታይ ደኣ "ውሁድ ምክልኻል"፡ እዚ ድማ "ብመንግስታዊ ተቕዋማት ኣቢሉ ዝፍጸም፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ስምምዓት ዘተባብዕ" መገዲ ዝምልከት ምዃኑ የብርሁ።

. . . ቤተ ክርስቲያንን ቅድስቲ መንበርን ር.ሊ.ጳጳሳት ዘካይድዎ ጻዕሪ "ንሰላም ምስራሕን ሰላም ንምስፋን ምፍታንን ዝብል እዩ። ብዓወት ወይ ብስዕረት ኣብ ዝብል ፍታሕ ክትበጽሕ ክትሓስብ ዘይከኣል እዩ" እንክብሉ ምስ መለሱ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ዘሎ ምብራኽ ሓደጋ ኒዩክለራዊ እውን ጠቒሶም፥ "እዚ ድማ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ዘይብላ ዓለም ክንሃንጽ ከምዘለናን ብጭቡጥ ድማ፡ ምውናን እዚ ኣጽዋር ዝያዳ ተቓላዕቲ ከም ዝገብረናን ውሕስነት ከም ዘይህበናን ክንርዳእ ይግባእ” ይብሉ።

ናይ ክልተ ሃገራት ዝብል ውሳኔ መፍትሒ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን

ብዛዕባ ኩናት ማእከላይ ምብራቕ ንዝምልከት ሕቶ ክምልሱ እንከለዉ፥ ከምቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ድሮ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ዝበልዎ፡ ሊቀ ጳጳስ ጋላገር እውን ንመጻኢ እስራኤልን ፍልስጤምን ሰላም "ክልተ ህዝብታት፡ ክልተ ሃገራት" ዝብል መፍትሒ ወሳኒ ምዃኑ ደጊሞም የረጋግጹ። እዚ ፍታሕ እዚ፡ "ጻዕርን መስዋእትን” ከም ዝሓትት ድማ ገሊጾም፥ ግን ተስፋ ዝህብ እውን ምዃኑ ይሕብሩ።

"ቅድስቲ መንበር ኩሉ ግዜ ነዚ መፍትሒ'ዚ ደጋጊማ ተዘኻኽር። ንብዙሓት ግን ድሕሪ ደጊም ክረጋገጽ ዘይከኣል መፍትሒ ኮይኑ ዘሎ ይመስል፡ ሕጂ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ዝረአ ዘሎ ዓቢ ጸገማት፡ ንባዕሉ ጸገም መጻኢ ቓዛ፡ . . . ፖለቲካዊ ፍታሕ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ!” ኢሎም።

ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ብዝምልከት፡ እቲ "ዓቢ ጸገም" ሰፋሮ እስራኤል ምስፋሕ ዝብል ተግባር ምናልባት ኣብ መጻኢ ነቲ ግጭት ደው ንምባል "እቲ ዝዓበየ ክፍታሕ ዘለዎ ጸገም" ከም ዝኸውን ድማ ሓቢሮም፡ . . . ንረብሓ ኩሉ ዘቕነዐ" ፍታሕ ምድላይ ወሳኒ ምዃኑ የዘካኽሩ።

ውሳነ ምቁራጽ ተኹሲ ኣብ ቓዛ

ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑን ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብን ቶክሲ ደው ምባልን ከም ዘድሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት፥ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣዘኻኺሮም እዚ ናይ መወዳእታ ፍታሕ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ዘይከኣል ይመስል፡ ብዘየገድስ ግን "እቲ ኣጽዋር ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ዘይኮነስ ሕጂ፡ ኣብዚ መዓልታት ደው ክብል" ክንሰርሕ ኣለና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድምጸ ተዓቅቦ ዝገበረትሉ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝጸደቐ ውሳነ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ሓድሽ ምዕራፍ ከምዝተኸፍት ድማ ገሊጾም፥ "ኣዝዩ ሓያል መልእኽትን ምምሕዳር ኣሜሪካ ንነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምዕጋት ድምጺ ብድምጺ ውድቂ ናይ ምግባር መሰሉ ተጠቒሙ ኩሉ ግዜ ኣብ ሓደ ዓይነት መርገጺታት ክቕጽል ከምዘይግብኦ ዘመላኽት ውሳኔ እዩ።"

እቲ ውሳነ፡ "መርገጺ ናይተን ልዕሊ ዝበዝሓ ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ነዚ ኲናት ምቁራጽ፡ ሰላም ምምጻእን ክድሕን ዝኽእል እዩ፡” ብዛዕባ መዓት ናይቶም ኣብ ኢድ ሓማስ ዘለዉ ጅሆ ዝተተሓዙ እስራኤላውያን ጠቒሶም ናጻ ንኽፍትሑ ኣብ ዝብል ኪደት "ሓገዝ ንዝሓተቱና፡ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ንፍትን" ኣንክብሉ የረጋግጹ።

ምሕዳስ መሪሕነት ፍልስጤም

ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ቅድስቲ መንበር ኣስዒቦም ብዛዕባ ሓማስ ክዛረቡ እንከለዉ፥ እቲ ሽበራዊ ውድብ "ከም ፖለቲካዊ ኣካል መጻኢ የብሉን" እንክብሉ ኣረጋጊጾም፥ "ንሳቶም እውን ንጥፍኣት ሃገረ እስራኤል ዝብል ውሳኔታቶም ክኽሕዱ ኣለዎም። ኣብ ልቦም ክህልዎም ዘለዎ ጉዳይ ድማ ሰናይ ሕይወት ፍልስጥኤማውያን ዝብል እዩ ክኸውን ዘለዎ” እንክብሉ የስተብህሉ።

"መንግስታዊ ትካላት ፍልስጤም ንመጻኢ ድሌት ህዝቢ ኣዝዩ ዝበረኸን ዝሰምዕን ናይ ህዝቢ ርእሰ ውሳኔ ዘኽብርን ሕዳሴ" ከም ዘድልዮም ኣዘኻኺሮም፥ ኣብ መወዳእታ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ነቶም ሕጂ "ኣዝዮም ሒደት" ዝዀኑ እሞ ምስ ኦርቶዶክስን እስላምን ኣብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ተኣቝይቦም ዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያናት ቓዛ ቅድስቲ መንበር ምሉእ ብምሉእ ትድግፎም ከም ዘላ ድማ ይሕብሩ።

ደገፍ ንልእልቲ ኬት ሚድልተን ካብ ዌልስ

ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 21 - 24 መጋቢት ናብ ሞንተነግሮ ዝገበርዎ ዑደት ክዛረቡ እንከለዉ፥ "ኣብ ስንኩፍ ኩነታት ዝርከብ ዞባ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ይግብኦ ቢሎም፥ ብሓፈሻ እዘን ኩለን ኣጸጋሚ ሕሉፍ ታሪኽ ዘለወን ሃገራት፡ ብሓቂ ንቕድሚት ክስጉማ፡ ገዛእ ርእሰን ከረጋግጻ ይጽዕራ ኣለዋ።" መብዛሕቲአን ንሕብረት ኤውሮጳ ዝመርጻ ከም ዝኾናን ኩሉ ምትብባዕና ድማ ይግብአን” ምስ በሉ ሊቀ ጳጳስ ጋላገር ነታ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት መንሽሮ ከምዘለዋ ዝገለጸት ልእልቲ ዌልስ ኬት ሚድልተን ዘለዎም ቅርበትን ጸሎትን ብምግላጽ፥

“ሓደ ሰብ ነንሓድሕዱ ኣብ ኵሉ ተነቃፊነቱ ምስ ዝረአአ ምትሕልላይን ምድግጋፍን የነቓቕሕን ይትግብርን” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

29 March 2024, 15:29