ድለ

ህያብ ንብዓት ምእንቲ እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ህያብ ንብዓት ምእንቲ እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ  (Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ህያብ ንብዓት ምእንቲ እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ

ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽን ዜና ቫቲካንን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኔየለ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰሙነ ሕማማት ጸሎተ ሓሙስ ዕለት 28 መጋቢት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ስነ ስረዓት ባርኾት ቅዱስ ዘይቲ ሰሪዖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ኣገዳስነት ህያው ምስክርነት ክርስቲያን ከም ዘጒልሑ የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 መጋቢት ሰሙነ ሕማማት ጸሎተ ሓሙስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ስነ ስርዓት ባርኾት ቅዱስ ዘይቲ ሰሪዖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት "እግዚኣብሄር ነቶም ዘይኣምኑ ንዕቀት ዝመልኦ ፍርዲ ክንህብ ኣይሓተተናን፡ ነቶም ርሑቕ ዘለዉ ፍቕርን ስሌኦም ክንነብዕን እዩ ዝሓትተና” ከም ዝበሉን፡ ካብቲ "መሪር ዝበኸየ" ሃዋርያ ጴጥሮስ ጀሚርካ፡ ኣብ ቀጽሪ ቤት ሊቃነ ካህናት ሰለስተ ግዜ ንመምህር ድሕሪ ምኽሓዱ፡ ንውሑዳት ደቓይቕ ምስ ምሕረት ዝመልኦ ኣጠማምታ እቲ ብሰንሰለት ተኣሲሩ ዝነበረ ኢየሱስ ወጅህን ሕቑፍን ምሕረትን ይራኸብ፡ ሓጢኣቱ ድማ የለልይ። ቅዱሰንቶም ነዚ ዝበሉ ኣብታ ንካህናት እተወፈየት ዕለት ንኣሕዋቶም ካህናት እውን እንተኾነ እቲ መልኽቲ ግና ንኹላትና እውን ዝምልከት እዩ።

ኣብ ቅድሚ ኩነታት ህይወት፡ ምስ መርገጺ ናይቶም ዘይኣምኑ፡ ናይቶም ምሳና ዝካትዑ፡ ምስ ዝተፈላለየ ተሃዋስነት እምነት ዘለዎም ኣሕዋትና፡ ክንደይ ግዜ ንዕቀት ዝመልኦ፡ ውዱእ ፍርዲ ካብ ልብና ይውሕዝ። ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ንዕቐት ዝመልኦ ምስቲ ኣብ እግሪ መስቀል ዝድመጽ ዝነበረ ዝመሳሰል ፍርድታት። ነዚ ሓደጋ ንምግንዛብ መጀመርታ "ውሽጢ ገዛ" ምጥማት እኹል እዩ። ክርስትያን ኢና ዝብሉ ማሕበራዊ መራኸቢታትን መርበባትን እውን ምጥማት እኹል እዩ፡ ጸረ ወንጌላዊ ምስክርነት ዝኾነ መልኽቲ ዝነዝሑ፡ ከመይ ጌርና ኢና ነቲ ዝንዛሕ ውቅያኖስ ጽልኢ ዘይንሓስበሉ።

ክርስትያን ንጸላእትና ከይተረፈ ከነፍቅሮም ናይ ዝሓተተና ስጋ ናይ ዝለበሰ ኣምላኽ ሰዓብቲ ኢና። ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዘለና ጽልእን ንዕቀት ዝመልኦ ፍርድን ዘየድልዮ፡ ክንበክን ከነፍቅርን ኣብ እንኽእለሉ እዋን ብመከራ ኻልኦት ክንወጋእ እንኮለና ካብ ተላባዒ ሕማም ዘይምግዳስ ክንርሕቕ እንኮለና ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኸነፍቅሮምን ምእንታኦም ክንጽልን እንኮለና ኣብ ክንዲ እንነቕፎም ኣብ ጽድቅን ድሕነት ኢና ዘሎና ቢልና ካብ እንኣምነሉ ቀጽሪ ወጻኢ ዘለዉ ክንበብዓሎምን ክንሓልየሎምን ኢና። ዝያዳ ስሌኦም ክንነብዕ ንሕተትት። ምድሓንካ ካልኦት ንምጻግ ዘይኮነ ነቶም ርሑቕ ዘለዉን ዝተናዕቁን ክትሓቁፍን ክትፈርድ ዘይኮነ ክትሓልን ክትነብዕን ዝድርኽ እዩ።

 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ካህናት፥ "እቲ እንርእዮን እነሕልፎን ዘሎና ኣጸጋሚ ዅነታት ጕድለት እምነት እንትንክፎ ስቓይ ብሕሱም ልቢ ክንካታዕ ዘይኮነስ ኣብ ምሕረት ጽንዓት ክህልወና ዝገብር ኢዩ። ገዛእ ርእስና ንኣምላኽ ሕድሪ ምሃብ ካብ ኵሉ ማዕበል ዜድሕነና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብን ካብ ጭካነን ወቐሳን ካብ ስስዐን ህርፋንን ካብ ትረት ልብን ዘይምዕጋብን ናጻ ኽንከውን ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜድልየና! ጐይታ ተኣምራት ኪገብር ክንሓድግ ንኻልኦት ፍቕርና ንግለጸሎም ነማለደሎምን ስሌኦም ከምቲ ጉይታ ስሌና ዝነበዖ ንንባዓሎም"። ኣብ ድሮ እታ መስዋእቲ ጎልጎታን ዝቕጽላ መዓልታት ክርስትያን ሓጢኣቶም ይቕረ ዝተባህለሎም ካብ ንብዓት ጴጥሮስ ክመሃሩ ኣለዎም። ነቲ ጭካነ ዝመልኦን ብዘይ ቅድመ ዅነት ዝርኢ ፍቕሪ እቲ መስቀል ክፉታት ብምዃን ከኣ ንሓድሕዶም ይፋቐሩ በዚ ኸምዚ ድማ ኣብዛ ምሕረት ዘይብላ ዓለም መሰኻኽር ምሕረት ኪዀኑ ይጽውዑ፣ ኣብዛ እተገማምዐት ዓለም ናይ ሓድነት መሰኻኽር፣ ኣብዛ ዓመጽን ውግእን ዝሰፍሓላ ዘሎ ዓለም ናይ ሰላም መሰኻኽር ኪኾኑ ኣብ ክእለቶምን ትብዓቶም ዘይኰነስ ኣብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝነበረ መቓብር በዓል ትንሳኤ ዘጋጠመ ነገር ተመርኲሶም መሰኻኽር ተስፋ ክኾኑ ይጽውዑ እንክብሉ ቶርኔየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

29 March 2024, 15:32