ድለ

ታኦይስትን ክርስትያንን ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ ዓውደ ዘተ ታኦይስትን ክርስትያንን ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ ዓውደ ዘተ 

ታኦይስትን ክርስትያንን ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ ዓውደ ዘተ

ካብ ዕለት 11 – 13 መጋቢት ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ መንጎ ታኦይስትን ክርስትያንን ሳልሳይ ዓውደ ዘተ ይካየድ ምህላዉ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ክርስትያንን ታኦይስትን ኣብ ሆንግ ኮንግ ብምርኻብ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሃይማኖታዊ ልምድታት ዝካየድ ዘሎ ዘተ ነተን ክልተ ባህልታት ንምልላይ ዝዓለመ ምዃኑ ዝሓበረ መግለጺ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅደስቲ መንበር ሓልዮ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ፥ እቲ ኣብ ሆንግ ኮንግ ትሱን ዋን፡ ተቕዋም ዩዌን ዩዌን ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ዓውደ ዘተ ኣብ መንጎ ክርስትያንን ታኦይስትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ሃገረ ስብከት ሆንግ ኮንግን ማሕበር ታኦይስት ሆንግ ኮንግን ብምትሕብባር ዝተዳለወ ምዃኑ የመላኽት።

እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ መደብ፡ “ብሓድሕድ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ስኒት ዘለዎ ሕብረተሰብ ምዅስኳስ” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ኮይኑ፡ ተሳተፍቲ ካብ ሆንግ ኮንግ፡ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና፡ ፈረንሳ፡ ኢጣልያ፡ ታይዋን፡ ደቡብ ኮርያ፡ ማሌዥያ፡ ፊሊፒንስ፡ ቬትናምን ሲንጋፖርን ካብ ክልቲኤን ሃይማኖታት ዝተዋጽኡ ምሁራትን ሰበ ስልጣንን እቲ ከባቢ ዝውክሉ ኮይኖም፥ “ኣብ ህንጸት ስኒት ዘለዎ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ክገብሩ፡ ‘ክርስትያናውን ታኦውን ቅዱሳት መሰረታት ስኒት ዘለዎ ማሕበር ንምምዕባል’፡ ‘ብኣምልኾን ስግደትን ኣቢልካ ስኒት ምዅስኳስ፥ ታኦ - መገድን - ሰናይን ኣብ ዘተን ተግባርን’፣ ‘ቅድስና ኣብ ታኦይዝምን ክርስትናን’፣ ከምኡ’ውን ‘ምትሕልላፍ ሃይማኖታዊ እምነታትን ባህልን ክብርታትን ኣብ ዓለም ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ይመያየጡ ምህላዎም እቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘውጸኦ መግለጺ ኣመላኺቱ፥ እቲ ናይ ሓባር ዘተ ንታኦኣውያንን ክርስትያናትን ሓድሕዳዊ ምርድዳእ ከዕምቑ ዕድል ንምሃብ ዝዓለመ ኮይኑ፡ “ዘይምትእምማን ቃንዛን መከራን ዘመንጩ ምዃኑ ብምስትውዓል ነታ ዝተበታተነት ዓለምና ንምፍዋስ ብሓባር ንምስራሕ ዝድግፍ እዩ” እንክብሉ ይሕብሩ።

ታኦይስትን ክርስትያንን ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ ዓውደ ዘተ

 

11 March 2024, 14:15