ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ኣሬላኖ: ሰላም ጥራይ እዩ ድኽነት ከወግድ ዝኽእል ሊቀ ጳጳሳት ኣሬላኖ: ሰላም ጥራይ እዩ ድኽነት ከወግድ ዝኽእል 

ሊቀ ጳጳሳት ኣሬላኖ: ሰላም ጥራይ እዩ ድኽነት ከወግድ ዝኽእል

ኣብ ዓለም ሓቆፍ ትካል ሕርሻን መግብን ዓለም ለኸ ንልምዓት ሕርሻ መዋሊ ትካልን ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ትካል ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ኦማን ኣብ ዝተኻየደ መበል 37 ጉባኤ ዓለም ለኸ ትካል ሕርሻን መግብን ዞባ ቀረባ ምብራቕ ሃገራት ተረኺቦም መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሉጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንብዙሓት ባእታታት ዘይምርግጋእ - ከም ዕጥቃዊ ግጭታት ("ሞትን ዕንወትን ጥራይ እዮም ዘምጽኡ")፡ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ዕንወትን ምዝመዛን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን - እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ተቓላዕነትን ውሕስነት መግቢ ዘይምህላወን ንምምካት፡ "ብሓባርን ምስ ኩሉ ደረጃታትን እቲ... ጸገም ድኽነት፡ ምስ ሕጽረት እኹል መግቢ ብቐረባ ዝተኣሳሰር ጸገማት ኩሉ ብምዳህ የድሊ፡" ነዚ ዝበሉ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ትካል ሕርሻን መግብን ዓለም ለኸ ንልምዓት ሕርሻ መዋሊ ትካልን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ትካልን ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ፈርናንዶ ቺካ ኣሬላኖ ኣብቲ ኦማን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕርሻን ትካል መበል 37 "ዞባዊ ጉባኤ ማእከላይ ምብራቕ" ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝኾነ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ንጥሜትን ሕጽረት መግብን ምሉእ ብምሉእ ንምጥፋእ" ኣበርክቶ ዝገብሩ ምትእትታዋት ኣገዳስነቶም ብተደጋጋሚ ከምዝገለጹ ሊቀ ጳጳሳት ቺካ ኣረላኖ ኣዘኻኺሮም፥ ስለዚ "ቅልውላዋት ቅድሚ ሰብኣዊ ህጹጽ ኩነታት ምዃኖም ንምግታእ ዝሕግዙ ስጉምትታት" ኣድላዪ እኳ እንተኾነ፡ ከምዚ ዓይነት ተበግሶታት ንምርግጋጽ ግን "ንሰላም ምስራሕ ኣገዳስን ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ኮይኑ ክቕጽል ኣለዎ - ቢሎም -  ሰላም ጥራይ እዩ "ድኽነትን ሕሰምን ከወግድ ዝኽእል" ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ጠቒሱ የመላኽት።

06 March 2024, 15:25