ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፡ 'ኣካል ናይ ሓደ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝምርኮስ ሰብኣዊ ስድራቤት ኢና' ካርዲናል ፓሮሊን፡ 'ኣካል ናይ ሓደ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝምርኮስ ሰብኣዊ ስድራቤት ኢና' 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ 'ኣካል ናይ ሓደ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝምርኮስ ሰብኣዊ ስድራቤት ኢና'

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፓዶዋ “ብጽባቐን ብፍቕርን ዝዕንግል - ንዓለም ዘድሕን ሓይሊ” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ናብ ዝካየድ ሳልሳይ ሕታም "ሲነማ ንፍጥረት" ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ፓዶዋ ቅዱስ ጊዮርጊስ ካብ ዕለት 9 ለካቲት ኣትሒዙ ናብ ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ሕታም “ሲነማ ንፍጥረት” ምኽንያት እቲ "ብሓባር ኣብ በይናውነት: ናይ ፍራንቸስኮ ኣግራሞት” ዘርእስቱ ብኣወሃሃድን ቀራጽን ሲነማ ጓልቲየሮ ፔርቸ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም ንምርእቲ ኣብ ዘቐረበሉ ዕለት 22 መጋቢት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ናይ ሓባር ቤትና ምክንኻን ዘለዎ ኣገዳስነት ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኩሉ ተማራዃሲ እዩ!

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መልእኽቶም፡ እቲ ናይቲ ፍጻሜ "ብጽባቐን ፍቕርን ዝዕንግል፡ ንዓለም ዘድሕኑ ሓይልታት" ዝብል ኣርእስቲ ክሳብ ክንደይ "ኣዝዩ ትርጉም ዘለዎን ብፍላይ ኣገዳስን" ምዃኑ ገሊጾም፡

ኣብቲ “ብግርጭታት፡ ርእሰ-ፍትወት፡ ዘይምግዳስን ንኻልኦት ክትሰምዕ ዘይምኽኣልን” ዝልለ ታሪኻዊ ኵነታትና፡ እቲ ሓባራዊ ናይ ምትሕብባር ተግባር ዝያዳ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ ቢሎም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ብዙሕ ግዜ ፍጥረት ንሓድሕዱ ተማራዃሲ ምዃኑ ከም ዘጒልሑን “ኣካል ናይቲ ንሓድሕድና ተማራዃሲ ዝኾነ ሰብኣዊ ስድራቤት ምዃንና” ክስቆረና ዝገብር ሓቂ ምዃኑ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ የዘኻኽሩ።

ናይ ሓባር ቤትና ካብ ከባቢ ንላዕሊ እዩ

እዚ ንቕሓት እዚ፡ “ኣብ ኣህጉራዊ ስርዓተ ሕግን መምርሕታትን ከምኡ’ውን ኣብ መዓልታዊ ባህርያትና ለውጢ ክህሉ ዝሕትት እዩ፡” እዚ ድማ “ናብ ጥንቁቕ ምሕደራ ናይ ሓባር ቤትና ዝቐንዑ ክኾኑ ኣለዎም” እንክብሉ ከም ዝገለጹን ሓልዮት ንናይ ሓባር ቤትና ክበሃል እንከሎ ንምህዳርን ኣካባብን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ጎረቤትናን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔርን ዘለና ሓላፍነት እውን ዝምልከት እዩ እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ “ሓላፍነታዊ ለውጢ ባህርያትና ብኹለመዳያዊ ስነ-ምህዳራዊ ምልዋጥ ዝሓትት” ምዃኑ ድማ ኣመላኺቶም፡ ናብ በዓለ ትንሳኤ ዘእግዚኣነ ዘሰጋግረና ሰሙነ ሕማናት ድሕረ ባይታ ገይሮም “እቲ ናይ ምልዋጥ ጉዕዞ ከምቲ እቲ ናይቲ ሳልሳይ ሕታም ምርኢት ‘”ሲነማ ዘፍጥረት” መርሕ ዝገበሮ ቃል ከም ዘዘኻኽሮ፡ ጉዕዞ ምልዋጥና ብጽባቔን ፍቕርን ዝዕንገል ክኸውን ኣለዎ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ምትእስሳር ዝፈጥርን ነቲ ሰብ ካብ ገዛእ ርእሱ ወጺኡ ምስ ካልእ ክራኸብ ዝድርኾ ፍቕሪ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ፡ “ሽዑ ነቲ ዘደንቕ ፍጥረትን ሓልዮትን ምዕባይን ህያው ኣቓልቦ ምግባርን፡ ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ጽባቐ ኣለሊኻ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባትን ከባብን ዘሎ ቃል ኪዳን ምጽናዕ ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ብምምልካት፥ ንጽባቔ ዝህልወና ወይ እንህቦ ኣፍልጦ ንኽንመስግን ይሕግዘና፣ ምስጋና ንፍጥረት ድማ ነዚ ህያብ እዚ ነቶም ድሕሬና ንዝመጹ ወለዶታት ንኸነመሓላልፎ ዘብቅዓና ምዃኑ ገሊጾም፡ ምስጋና ካብቲ “ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሕብረተሰብና ዓብላሊ ዝኾነ ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ጓሓፋይ ባህሊ ናብ ተኸናኻኒ ባህሊ ናብ ዝኾነ መግለጺ ኩለመዳያዊ ምህዳራውነት ክንሰግር ይሕግዘና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ውሁድ ምህዳራዊ ባህሊ ኣድላዪ እዩ።

ካርዲናል ፓሮሊን ይብሉ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ “ዘይነጻጸል ውሁድ ምህዳራዊ ምልዋጥ ዝብል ዘቕርብዎ ጻውዒት ሓደ ካብቲ ፍልዩ መለለይኦም ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ እዚ ድማ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባን ምርኣይን ዝሓትት እዩ፡” ሓደ ውልቀሰብ ንበይኑ ስጉምቲ ክወስድ እኹል ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን “ውልቃዊ ምልዋጥ ብሓቂ ብማሕበራዊ ምልዋጥ ክስነ ኣለዎ፡ ብደረጃ ውሽጢ ዓድን ኣህጉራውን ዘተ ምትግባር፡ ንሓቀይና ሰብኣዊ፡ ዘይነጻጸል ምልእ ውሁድን ዘላቕን ልምዓት ዘተባብዕ፡ ከምኡ’ውን ንውሁድ ስነ ሕንጸት ዘዕቢ ክኸውን ኣለዎ። ሓድሽ ኣረኣእያ ክሕዝን ነቲ ንጽባቐን ፍቕርን ዝድርኽ ሓይሊ ዋጋ ክህቦን ኣንኮለና ንስነ ምህዳራዊ ምልዋጥ ይድረኸና” ቢሎም፡ ነቶም ኣበገስቲ እቲ መደብ ኣመስጊኖም፡ “ኣብዚ መንገዲ ውሁድ ምህዳራዊ ምልዋጥ ብሓጎስ ክቕጽሉ” ብምትብባዕ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 March 2024, 15:04