ድለ

ካርዲናል ኦ’ማሊ፡ ‘ህጻናት ውሕስነት ክህልዎም ንደሊ’ ካርዲናል ኦ’ማሊ፡ ‘ህጻናት ውሕስነት ክህልዎም ንደሊ’ 

ካርዲናል ኦ’ማሊ፡ ‘ህጻናት ውሕስነት ክህልዎም ንደሊ’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 መጋቢት ንጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ተቐቢሎም ድሕሪ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ካርዲናል ሾን ኦ’ማሊ ኣቦ መንበር ናይቲ ሽማግለ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስብከተ ወንጌል ክትዕወት ምትእምማን ኣድላዪ ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቖምዎ ዓሰርተ ዓመታት ዘቁጽር ዘሎ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ካብ ንእሽቶ ጉጅለ ውፉያት ወለንተይናታትን ሰራሕተይናታትን ናብ ሓደ ጉጅለ ልዑል ብቕዓት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝሓቁፍ ኮይኑ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ትሕቲ ዕድመ ንምሕላው ቃል ዝኣተወ ጳጳሳዊ ሽማግለ ንምዃን ከም ዝበቐዐ የዘኻኽሩ።

“ብተወፋይነት ኣባላት እቲ ሽማግለ ኣዚና ተባሪኽና ኢና” ዝበሉ . . . እቲ ሽማግለ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ሽማግለ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ካርዲናል ሾን ኦ’ማሊ ወሲኾም “ዋጋ ዓለማውያን ኣባላት እቲ ሽማግለ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ’ውን ኣበርክቶ ግዳያትን ወለድን ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ይገልጹ።

‘እቲ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብዙሕ ዕማም ፈጺሙ’ዩ’

ካርዲናል ኦ’ማሊ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ንስራሕ እቲ ሽማግለ ኣመልኪቶም፥ ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ግዳያት ግህሰትን በቲ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝተዳለዉ ኣኼባታት፤ ብዛዕባ ተሓታትነት ጳጳሳት ዝምልከት ለበዋታት ውጽኢቱ ድማ ከም ፈቃር ኣደን ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም ዝብሉ ሕግታት ቤተ ክርስቲያን ንሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝተደንገገ፤ ከምኡ’ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዝፍጸም ግህሰት ኣማእኪሉ ኣብ መላእ ሃገራት ዝርከቡ ናይ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ጳጳሳት ኣበ መናብርት ዘካየድዎ ዓውደ ጉባኤ ይጠቕሱ።

ወሲኾም ንውጽኢታዊ ምክልኻል ዘድሊ ሰብኣውን ንዋታውን ዓቕሚ ዝጎደለን ሃገራት ሓገዝ ንምሃብ ዝዓለመ ዝካየድ ቀጻሊ ተበግሶ ኣመልኪቶም፥ እቲ ተበግሶ ንስራሕ ምክልኻል ምወላ ዝህብ ኮይኑ፡ ንሰራሕተይናታትን ጓሶትን ዘድሊ ስልጠና ከምኡ’ውን ንግዳያት ጉስነት ንምብጻሕ ዝሕግዙ ሰራሕተይናታት ክህልዉ ንምርግጋጽን ተመሳሳሊ ተበግሶታትን ምስ ጳጳሳትን ምስ ጉባኤ ጳጳሳትን ዝምድና ንምህናጽ ዝዓለመ እዩ፣ እዚ ድማ ምእንቲ እቲ ሽማግለ “ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምክልኻልን ምሕላውን ባህሊ” ኣብ ምዕባይ ከም ተጻባኢ ዘይኮነስ ከም መሻርኽቲ ክረአ ዘኽእል ኮይኑ፥ "ስለዚ ድማ እቲ ሽማግለ ብዙሕ ስራሓት ፈጺሙ እዩ ክብል እኽእል" ኢሎም።

ካርዲናል ኦ’ማሊ መብዛሕትኡ ናይ’ዚ ሕጂ እዋን ትኹረት እቲ ሽማግለ ናብ ደቡብ ዓለም ዝቕንዐ ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ንዝፍጸም ግህሰት ንምምካት ዘድሊ ጸጋታትን ስልጠናን ክህልወን ተስፋ ብምግባር ኮይኑ፥ እዚ ኸኣ ኣብ ምልእቲ ቤተ-ክርስትያን ዘይቀያየር ኵላዊ ምላሽ ንምሃብ ከምኡውን ንድሌትን መሰላትን እቶም ግዳያት ነቶም ተኸሰስቲ ንማሕበረሰብ ንቤተ-ክርስትያን ከምኡውን ንበርገሳዊ መንግስቲ ዘኽብር ስርዓታትን መምርሒታትን ምውጻእ ዘጠቓልል ምዃኑ ይገልጹ።

ኣብ ምክልኻል ግህሰት ዘማእከለ “ኣብ ኩሉ ቦታታት ኣብ ዙርያ ጉዳያት ምክልኻል ዝካየድ ዓቢ ትምህርታዊ ወፍሪ” ኣገዳስነቱ ኣስሚሮም፥ “ህጻናት ውሑስ ክኾኑ ኢና ንደሊ . . . እቶም ቈልዑን ወለድን ደቆም ኣብ ቤት ትምህርቲ ካቶሊክ ወይ ኣብ ሰበኻ ካቶሊክ ኣብ ዝህልዉሉ እዋን ውሑስ ምዃኑ ርእሰ ተኣማንነት ክህልዎም ንደሊ . . . ንዓና ኣገደስቲ ምዃኖምን ድሕነት ደቆም ቀዳቅምነት እንህበሉ ጉዳይ ምዃኑ ክረጋግጹሎም መታን። ናይ ህዝቢ ትውክልቲ እንተድኣ ዘይብልና ንዓና ከም ዘገድሱናን ድሕንነት ደቆም ቀዳምነት ከም እንህቦምን ከነረጋግጸሎም እንተድኣ ዘይክኢልና ወንጌላዊ ተልእኾና ኣብ ምቕራብ ዕዉታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና።" ኢሎም።

ዕማም እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ

ካርዲናል ኦ’ማሊ ብዛዕባ ነቐፌታታት እቲ ሽማግለ ምስ ተሓተቱ፡ ገለ ገለ ሰባት ነቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ዝወርድ ማህሰይቲ እትህቦ ምላሽ ቅልጡፍ ስጕምቲ ኸም ዘይወሃቦ ገይሮም ይርይዎ ዝብል፡ ብፍላይ ምስ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብእተተሓሓዘ ብዛዕባ ክእለት እቲ ሽማግለ ኣብ ግጉይ ምርዳእ እተመስረተ ዘይክውንነታዊ ትጽቢታት፥ "ኣብ ሽግር ኣእትዩና ኢዩ" . . . እቲ ሽማግለ ንእተወሰነ ጕዳያት ንምፍታሕ ከም ዘይተመስረተ ኣዘኻኺሮም - ኣብ ክንድኡስ፡ ቤተ ክርስቲያን ንጾታዊ ዓመጽ እትህቦ ምላሽ ብኸመይ ከም እተመሓይሾ ለበዋታትን ካልእ ውሳኔታት ክህብን ሓላፍነት ዝተወሃቦ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ እቲ ሽማግለ ግዳያት ምስ ክሕግዝዎም ዝኽእሉ ሰባት ንኽራኸቡ ብምድጋፍ ይሰርሕ ኣሎ። ብርግጽ ድምጺ ግዳያት ምስማዕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክፋል ናይቲ ተልእኾና እንታይ ምዃኑ ዘነጽር እዩ” ኢሎም።

ኣብ ከባቢ ንዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ምሕጋዝ

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣገዳሲ ክፋል ናይ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዕማም፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ከባቢ ንግዳያት ምላሽ ኣብ ምሃብ ምሕጋዝ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምክልኻል ዝዓለመ ስልጠናን ምቕራብ እዩ።

ናይቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ዋና ጸሓፊ ኣባ ኣንድሪው ስሞል፡ እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጎ እቲ ሽማግለን ሃገራዊ ጉባኤ ጳጳሳትን ዝተፈረሙ ብዙሓት “ናይ ምርድዳእ ፍጻሜታት” ኣስተብሂሎም። እዚኦም ድማ ንዘይተለዋወጠ “ሓንቲ ቤተክርስትያን” ዝብል መልሲ ንምድንፋዕ ዝዓለመ እዩ፣ ኣብተን ናይቲ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያናት ንግዳያት ዘሰንዩ ጸጋታት ከምዘለዉ ንምርግጋጽ ኣሚቱ ዝካየዱ ስኑይ ርካባት ምህላዉ ዝሕብር እውን እዩ።

“እዚ ነተን ጸጋታት ዘይብለንን ግዳያት “ንምቕባል” ዘድልዩ ኩሎም ክኢላታት ዘይብለንን [ቤተክርስትያናት] ከቢድ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። “እዚ ንምእራም ንሕግዝ ኣለና . . . እዚ ብሓደ ለይቲ ዝፍጸም ኣይኮነን፡ ይኹን እምበር ዓቢ ስጉምቲ ንወስድ ኣለና” እንክብሉ ወሲኾም ይሕብሩ።

ሓቂ ናይ ምዝራብ መሰል

ካርዲናል ኦ’ማሊ ነቲ ዝወርድ ማህሰይቲ ብዝምልከት ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዝያዳ ግልጽነት ክህሉ ጻዕርታት ከም እተገብረ ገሊጾም፡ እዚ ድማ ኣብቲ "ናይ ጳጳሳት ዕቃበ ምስጢር" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣገባብ ለውጢ ኽግበር ኣቐዲሙ እተዋህበ ርእይቶታት ንምምልካት ከምኡውን ኣቡናት ምስ ጉዳይ ሕጻናት ብዝተተሓሓዙ ነጋራት ካብ ስልጣን ክእለዩ ዝግበር ውሳኔ ንጹር ንምግባር ቀጻሊ ጻዕርታት ከም እተገብረ ዘረጋግጽ ኢዩ።

ኣስዒቦም፥ "እምበኣር ኣብ ኵሉ ደረጃታት ቤተ-ክርስትያን ብርሃን እንተ ዘይረኺብና እምነትና ኺምለስ ኣይክእልን እዩ . . . ሰባት ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ዝደልይዎ ነገር ሓቂ ክዝረብ ኢዩ። ሰባት ሓቂ ናይ ምዝራብ መሰል ዘለዎም ይመስለኒ . . . "ሓድሓደ ግዜ ድማ ከም መራሕቲ መጠን ንሰባት ኣብ ሓቂ ኸይንኣምኖም ንፈርህ ኢና እንተዀነ ግን ክንኣምኖም ይግባእ። ንሰባት ብሓቂ እንተ ዘይኣሚንናዮም ኣይኣምኑናን እዮም። ብዛዕባ ግልጽነትን ቅንዕናን ክፉትነትን ከኣ ዝያዳ ኽንሓስብ ዜድልየና ኮይኑ ይስምዓኒ።"

ንግዳያት ዝኸውን ድምጺ

ኣብ መደምደምታ እቲ ቃለ መሕትት ካርዲናል ኦ’ማሊ "እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኽፍሊ ተልእኾና ነቶም ግዳያት ድምጺ ንምሃብ ምጽዓርን እዚ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቀዳምነት ምእንቲ ክወሃቦ ኣበርቲዕካ ምዕያይን ኢዩ" ብምባል ኣጕሊሖም፥ ወንጌላውነት ድማ "ንሰባት ንደቆም ቀዳምነት ከም እንህቦምን ድሕንነቶም ከኣ እቲ ዝለዓለ ሸቶና ምዃኑን ብምርግጋጽ ነቲ ሰባት ኣባና ዘለዎም ትውክልቲ ኽንመልሶ እንተ ዘይክኢልና ዘይከኣል ዕማም ክኸውን ኢዩ" ኢሎም።

ካርዲናል ኦ'ማሊ፥ ሕጻናት ውሕስነት ክህልዎም ንደሊ!
11 March 2024, 14:10