ድለ

ናይ ካርዲናል ካንታላመሳ ሻብዓይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፥ “ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ” ናይ ካርዲናል ካንታላመሳ ሻብዓይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፥ “ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ”  (Vatican Media)

ናይ ካርዲናል ካንታላመሳ ሻብዓይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፥ “ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ”

ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላሜሳ ሰባኺ ቤተ ጳጳስ ዕለት 8 መጋቢት ሻብዓይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፥ ኣብ ምሳሌ ሕያዋይ ጓሳ ኣማእኪሎም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ካንታላመሳ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ኣካላትን ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ዘቕረብዎ ሻብዓይ ኣስተምትኖ “እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ” (ዮሓ. 10፥ 11) ኣብ ዝብል ቃለ ወንጌል ዘማእከለ ከም ዝነበረን፡ ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላሜሳ ሰባኺ ቤት ጳጳስ፡ ይብሉ ኢየሱስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ዝተዛረበን ኣብ “በዓለ መንበረ ታቦት” ምስ ኣይድ ኣብ ዝገበሮ ክትዕ ምንባሩ የብርሁ።

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ታሪኽ ጓሳ

ኣብ ግዜ ኢየሱስ ጓሶት ከመይ ይረኣዩ ከም ዝነበሩ ክንርዳእ ይግባእ፥ “ብመጀመርታ እስራኤል ብዘላኖት ህዝቢ ዝቖመት ህዝቢ እያ ነይራ”

እዚ ሕብረተሰብ ነተን ኣባጊዕ ከም መጋበርያ እቶት ጥራሕ ይጥምተን ኣይነበረን። እቶም ጓሶት መዓልቲ መዓልቲ ምስተን ኣባጊዕ በይኖም ግዜኦም የሕልፉ ነይሮም፡ ምስኦም ውልቃዊ ዝምድና ዝሃንጹ እዮም ዝነበሩ። . . . እዚ ሕጂ ድንግርግር ዝበለ እኳ እንተመሰለ፡ ኣምላኽ ምስ ደቂ ሰባት ዘለዎ ርክብ ንምግላጽ ዝቐረበ ኣብነት እዩ።”

ነገስታትን ካህናትን መራሕትን ብሓፈሻ ጓሶት ተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ወትሩ ንህዝቦም ጽቡቕ ይገብሩ ስለ ዘይነበሩ ድማ እቲ ኽፉእ ጓሳ ኣብ ጐድኒ እቲ ሕያዋይ ጓሳ መንነቱ ተራእየ። ኣብ መጽሓፍ ነብዪ ህዝቅኤል፡ እግዚኣብሄር ንመጓሰኡ ከም ዝከናኸን ቃል ከም ዝኣተወ ነንብብ፡ ዝጠፍኤት ክደሊ፣ እተባረረት ክመልስ፣ እተሰብረት ክዘንን፣ ዝሐመቐት ከኣ ከጽንዕ እየ . . . ከም ዝበሎ!

ጓሳን መጓሰን

ነፍሲ ወከፍ ጓሳ እውን በጊዕ ናይቲ ዓቢ ጓሳ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ “ጓሳ ቤተ ክርስቲያን እውን ‘ፈዋሲ ውጉእ’ እዩ፣ ንኻልኦት ንኽሓውዩ ክሕግዝ ዘለዎ፡ ከም ኩሉ ሰብ ድማ ፈውሲ ዘድልዩ እዩ።” ነቲ ፈውሲ ዘድልዮ ሕማም ቢሎም ዝገለጽዎ ድማ፥ “ፍርሒ” ምዃኑ ኣብሪሆም፥ “ናይ ስነ-ልቦናን ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓኻይም ንፍርሒ ዝፍውስንዎ ሰባት ካብ ዘይንቕሓት ናብ ሕልና ብምምጻእ እዩ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ “ወንጌል ሳይንስ ክህቦ ዘይክእል ነገር ይውስኽ፡ እዚ ሓድሽ ነገር እዚ ” ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣይትፍርሑ ንዓለም ስዒረያ” ከም ዝበሎምን ክርስቶስ ድማ “መፍትሒ” ኩሉ ፍርሒ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ።

ኣብዛ እንነብረላ ዓመጽን ዕቡዳንን ዝመልኣ ዓለም ከድሕነና ዝኽእል ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኢሎም።

ምእንቲ ኣባጊዕ ሕይወቱ ኣሕሊፉ ዝህብ

“ቅድሚ ሕጂ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣብ ክንዲ ኣባጊዑ ህይወቱ ኣሕሉፉ ይህብ ብዝብል ኣገላልጻ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ፡” እቲ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝበሎም ኣዚዩ ዘጸናንዕ ቃል ድማ ክፍጽሞ ምዃኑ የረጋግጸሎም።”

ኢየሱስ ንፍርህና ኣብ ርእሱ ብምውሳድ "ንፍርህናን ንጭንቀትናን ተበጀዎ። ብቝስሉ ሓወና" እዚ ድማ ባዕሉ ዝበሎን ዝፈጸሞን ሓቂ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

"ንጓሂ ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ ኣብነት ጥራይ ኣይኮነን ዝሃበና፣ ክንዋጽኣሉ ዜኽእለና ዓቕሚ እውን ሂቡና ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ህላወኡን ጸጋኡን እዩ።"

ካርዲናል ካንታላመሳ ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ እቶም ነዚ እምነት እዚ ጭቡጥ ተመክሮ ዝገበሩ ሰማእታት ዘኪሮም፡ ንሰማእትነት ብዘይ ፍርህን ኢየሱስ ምሳታቶም ከም ዘሎ ብምትእምማንን ሓንጐፋይ ኢሎም ዝተቐበሉ ምዃኑ ድማ የብህሩ።

ቁስሊ ዝፈወሱ

ካብ ፍርሕን ጭንቀትን ሓራ ምውጻእ ኩሉ ግዜ ኣብ ዓቕምና ክኸውን ዘይክእል እኳ እንተኾነ፡ ካልእ ሰብ ሓራ ምውጻእ ኣብ ዓቕምና ክኸውን ይኽል እዩ። ጓሶት ይኹኑ ተራ ምእመን ፈወስቲ ኣቝሳል ክንከውን ኣሎና፥ ሰብ እውን እንተኾንካ ካልኦት ክትፍውስ እትኽል ሰብ ምዃን ዝከኣል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 March 2024, 16:41