ድለ

2023.08.03 Paul Richard Gallagher a Lisbona GMG intervista 2023.08.03 Paul Richard Gallagher a Lisbona GMG intervista 

ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ናብ ሞንቴኔግሮ ናይ 4 መዓልቲ ምብጻሕ ክልኤኣዊ ርክብ ይገብሩ ኣለው

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባት ቅድስቲ መንበር ናብታ ኣብ ባልካን እትርከብ ሃገር ሞንቴኔግሮ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ምብጻሕ ከካይዱ ኢየም፣ ኣብኡ ድማ ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ እታ ሃገርን ምስ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ናይታ ሃገርን ኪራኸቡ ኢዮም ።

ኣብ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ሎሚ ሓሙስ 21 መጋቢት ጀሚሩ ኽሳዕ ሰንበት 24 መጋቢት ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባት ቅድስቲ መንበር ምስ መንግስትታትን ኣህጉራውያን ውድባትን ዝኾኑ ናብ ሞንቴኔግሮ ኺበጽሑ ኢዮም ።

ኣብ ባልካን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ርእሰ ብሔርን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተርን ከምኡውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገርን ክራኸቡ ኢዮም ።

እቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ በቲ ወግዓዊ መረብት ቅድስቲ መንበር ዝኾነ ኣብ X ማህበራዊ ሜድያ ዝርከብ @TerzaLoggia ብዝተሰምየ መስመር ኣመልኪቶም ።

ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ዝገበርዎ ምብጻሕ በቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃገረ ሞንቴኔግሮ ፊሊፕ ኢቫኖቪች ዘቕረቦ ጻውዒት መሰረት ክካየድ ምዃኑን ጽባሕ ሓሙስ ድማ ክራኸበሉ ምዃኖምን ተፈሊጡ ኣሎ ።

ዓርቢ ምስ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ሞንቴነግሮ ጃኮፍ ሚላቶቪች ኣኼባ ከካይዱ ተመዲቡ ኣሎ፣ ስዒቡ ድማ ምስ ኣንድርያ ማንዲች ኣቦ መንበር ሕዝባዊ ባይቶን ከምኡውን ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሚሎጆኮ ስፓጂች ክራኸቡ ኢዮም ።

ኣብታ ዕለት እቲኣ ከአ ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ነቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ሞንቴኔግሮን እተገብረ መሰረታዊ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ዝግበር ናይ ሓባራዊ ኮሚሽን መደብ ክሳተፉ ኢዮም።

ሓደ ኻብቲ ዝገብርዎ ምብጻሕ ቀዳም ዕለት 23 መጋቢት ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ትሪፎን መስዋዕተ  ቅዳሴ ከዕርጉን ምስ ካቶሊካውያን ቤተክህነት ሰበኻ ኮቶር ኣኼባ ከካይዱን ኢዮም ።

ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ጕዕዞኦም ሰንበት ምስ ካቶሊካውያን ምእመናንን ምስ  ናይ ሰበኻ ባር ሊቀ-ጳጳሳትን ኪራኸቡን ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖምን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

22 March 2024, 08:06