ድለ

ብዛዕባ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ፈረንሳ፦ ህይወት ሰብ ናይ ምቕታል መሰል ኪህሉ ኣይክእልን እዩ ብዛዕባ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ፈረንሳ፦ ህይወት ሰብ ናይ ምቕታል መሰል ኪህሉ ኣይክእልን እዩ  (©STEKLO_KRD - stock.adobe.com)

ብዛዕባ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ፈረንሳ፦ ህይወት ሰብ ናይ ምቕታል መሰል ኪህሉ ኣይክእልን እዩ

ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ሕይወት ነቲ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገረ ፈረንሳ ሒዞሞ ዘለው መርገጺ ብምድጋፍ፣ ነቲ ኣብ ሃገር ንምንጻል ጥንሲ ቅዋማዊ መሰል ንግባር እተወስደ ስጉምትታት ከም ዝቃወምዎ ዝገልጽመግዝለጺ ኣውጺኡ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳዊ ተቅዋም ሥነ ሕይወት (PAV) ነቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ፈረንሳ ዝገበረቶ፣ ኣንጻር እቲ ሃገሮም ንምንጻል ጥንሲ ኸም ቅዋማዊ መሰል ገይራ ንምጽዳቕ፣ ቅዋማዊ ምምሕያሽ ንተካይዶ ዘላ ምንቅስቓሳት ብጽኑዕ ንምቅዋም ኣብ ጐኖም ደው ከም ዝብል ኣፍሊጡ ።

እቲ ብመንግሥቲ ርእሰ ብሄር ኤማንወል ማክሮን ዝቐረበ ሕጊ፣ ብሃገራዊ ባይቶን ብላዕለዋይ ባይቶን እታ ሃገር ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ ። ትማሊ ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ ኸኣ ብሰለስተ ርብዒ ዝኸውን ብዝሒ ድምጺ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክግበረሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ባይቶ እታ ሃገር ዘትዩሉ ኣሎ።

ኣብዚ ዘመን ኣድማሳዊ መሰላት ወድሰብ፣ ሕይወት ናይ ምሕላፍ 'መሰል' ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ

ጳጳሳዊ ተቅዋም ሥነ ሕይወት ትማሊ ሰኑይ ዕለት 4 መጋቢት ኣብ ዝወጽኦ መግለጺ፣ "ምንጻል ጥንሲ ወትሩ ኣንጻር ህይወት ዝግበር መጥቃዕቲ ከም ምኽኑ፣ ብወገን መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ" ክርአ ከም ዘይከኣል ዝገልጽ ናይ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገረ ፈረንሳ ንዝሓዞ ኣቕዋም፣ ዳግም ዘቃልሕን ምስቶም ብፁዓን ጳጳት ሓቢሩ ድማ ብዛዕባ እቲ እማመ "ነቶም ውሉዶም ክከናኸኑ ንዝደልዩ ዝድግፍ ስጕምትታት ከም ዘይጠቅስ" ይገልጽ።

ጳጳሳዊ ተቅዋም ሥነ ሕይወት "ኣብዚ ዘመን ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ወድሰብ፣ ሕይወት ናይ ምሕላፍ 'መሰል' ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ" ብምባል ኣትሪሩ የመልክት ።

"ኣብዚ በጺሕናዮ ዘሎና ደረጃ ኣብ ታሪኽ ናይ ህይወት ውሕስነት ፍጹም ቀዳምነት ምእንቲ ኽወሃቦ ንሰላምን ንማሕበራዊ ፍትሕን ዝጠቅም ጭቡጥ ስጕምትታት ክውሰድን ከምኡውን ንዅሉ ሰብ ትሕዝቶን ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ንምውሓስ ውጽኢታዊ ስጕምትታት ምእንቲ ኽውሰድ ኵለን መንግስታትን ሃይማኖታዊ ተቅዋማትን ዝከኣለን ኵሉ ኽገብራ ኣለወን" ይብል።

ነቶም ተነቀፍቲ ምዕቋብ

ጳጳሳዊ ተቅዋም ሥነ ህይወት ኣስዒቡ - "እቲ ብፍላይ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ዘሎ ኣጸጋምን ሃንደበታውን ኵነታት ምስቲ ቅድሚ ኹሉ ነቶም ድኹማትን ከምኡውን ተነቀፍትን ኣካልት ውሕስነት ንምሓብ ዝዓለመ ብሕጋዊ ስልጣኔ ክተሓዝ ኣለዎ።”

ውሕስነት ህይወት ምሃብ ናይ ደቅሰብ "ቀዳማይ ዕላማ" ክኸውን ኣለዎ፣ እዚ ድማ ኣብ ምፍሕፋሕ ፖለቲካዊ ድምጺ ዓለምን ከምኡውን ኣብ ዓውድታት ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጅን ኢንዱስትርን ጥራይ ኢዩ "ንሰኣውነትን ንሕውነትን" ዘገልግል ዘሎ።

ንህይወት ውሕስነት ምሃብ ርእዮተ ዓለም ኣይኰነን

ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ብምጥቃስ፣ ጳጳሳዊ ተቅዋም ሥነ ሕይወት ንካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን "ንህይወት ምጥባቕ ስነ-ሓሳብ ኣይኰነን፣ ንዅሎም ክርስቲያን ምእመናን ዘጠቓልል ናይ ሓቂ ሰብኣዊ ክውንነት ኢዩ፣ እዚ ድማ ብልክዕ ክርስቲያን ከም ምዃኖምን ሰብ ስለ ዝኾኑን ኢዩ" ድማ ይብል።

"ባህሊ ህይወት ናይ ክርስትና ውርሻ ጥራይ ከም ዘይኰነ፣ የግዳስ ናይ ኵሎም እቶም ምስ ኣሕዋት ርክብ ክሃንጹ ዝጽዕሩን፣ ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣፍልጦ ዝህቡን ብምዃኖም ነቲ ናይ መጻኢ ወለዶታት ብናይ ሓድነት ክንክን ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበሉሉ ዝኽእሉ ፍልጠት ንምምሕልላፍ፣ ኣብቲ ተነቃፊ ዝዀነን መከራ ዝበሖ ኩነታት እውን ከይተረፈ ኣብ ባህላውን ትምህርታውን ደረጃታት ስጕምቲ ናይ ምውሳድ ሓላፍነት ኢዩ፣" ይብሉ ።

05 March 2024, 12:15