ድለ

2024.02.01 ሊቀ ጳጳሳት ፓሊያ፡ ቤተ ክርስቲያን ቲዮሎጊያ ስድራቤት ከተዕምቕ ኣለዋ 2024.02.01 ሊቀ ጳጳሳት ፓሊያ፡ ቤተ ክርስቲያን ቲዮሎጊያ ስድራቤት ከተዕምቕ ኣለዋ 

ሊቀ ጳጳሳት ፓሊያ፡ ቤተ ክርስቲያን ቲዮሎጊያ ስድራቤት ከተዕምቕ ኣለዋ

ናይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ሕይወት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳ ቪንቸንዞ ፓሊያ ኣብ ህንዲ ሃገረ ኬራላ ዝርከብ ዛዕባ ክንክን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንስድራ ቤት ዝብል ሓድሽ ዝተኸፍተ ክፍለ መጽናዕቲ ብወግዒ መሪቖም ንኸበግሱ ኣብ ህንዲ ሓዋርያዊ ዑደት የካይዱ ኣለዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ቪንቸንዞ ፓሊያ ወንጌል ስድራ ቤት ተሓዲሱ ዳግማይ ክብገስ ኣለዎ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከት ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ስድራ ቤት ዘማእከለ ቲዮሎጊያዊ ኣስተንትኖ እኹል ከም ዘይኮነ ነቲ ሓድሽ ዝተበገሰ ክፍሊ መጽናዕቲ መሪቖም ንኸበግሱ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብዚ ጉዳይ ወንጌል ስድራ ቤት ክሕደስን ዳግማይ ክብሰርን ኣለዎ ኢሎም። እቲ በቲ ብኣኦም ዝምራሕ ተቕዋም ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ስነ ቃል ኪዳንን ስነ ስድራ ቤትን ሓገዝ ዝተበገሰ መደብ ትምህርቲ ዕለት 1 ለካቲት መሪቖም ብወግዒ ከም ዘበገሱን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርትን ካብቲ ሕጂ ዘሎ ዘመን ዘመልክት ዓቢ ለውጥታትን ጀሚርካ፡ ቲዮሎጊያ ሓድሽ ብድሆ የጋጥሞ ኣሎ፡ እዚ ድማ ንኣርእስቲ ስድራቤት ብእኹልን ዝተሓደሰ ኣገባብ መልሲ ክወሃቦ ዝጠልብ እዩ።”

ዋላ’ኳ ኣብ ሕብረት ሰብኣይን/ሰበይትን ፍቕሪ መጻምድትን ብዙሕ መጽናዕቲ እንተተገብረ፣ ማለት ሓዳር ብመንጽር ሓገ ቀኖና፡ ከም ኣካል ዝምድናታት ዝቑጸር ኩለመዳያዊ ቲዮሎግያ ስድራቤት ገና ምሉእ ብምሉእ ከምዘይተዳህሰሰ ኣመልኪቶም።

ስድራቤት፡ ‘ቦታ ፍረ ሓዳር’

እዚ ሓድሽ መጽናዕት ቲዮሎጊያ ዛዕባ ሓዳር ከዕምቝን ትርጉም ስድራቤት ከም ስፍራ ፍረ ምሥጢረ ክርስትና ንምምላስን ዝዓለመ እዩ። እቲ ዕላማ ስድራ ቤት ከም ሳዕቤን ሓዳር ጥራይ ዘይኮነስ ከም ምዕባለን ምስፋሕን ናብ ሕብረተሰብ ንምድህሳስ ምዃኑ ገሊጾም። ነቲ ሕብረተሰብኣዊ ዝንባለ “ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍልልይ ንምውጋድ” ዝግበር ከይዲ ነቒፎም እዚ “ክሳራ” እዩ ኢሎም። "እቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መልእኽቲ ዛዕባ ሓዳር ንጹር እዩ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ኣምላኽ ዝመጹን ኣብ ነንሕድሕዶም ብዘይፍለ መንገዲ ዝተኣሳሰሩን እዮም - እቲ ሓደ ብዘይ እቲ ካልእ ክነብር ዘይከኣል እዩ። እቲ ሰብኣይን ሰበይትን ዝብል ክልተኣዊ ምዃን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቅዋመ ሰብኣውነት እዩ።”

ብተወሳኺ ቤተ ክርስቲያን ምስ ደቃ ዘለዋ ዘይብተኽ ምትእስሳር ደጊሞም ድሕሪ ምርግጋጽ ነዚ ምትስሳር እዚ ምስቲ ክርስቶስ ምስ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ምትእስሳር ኣመሳሲሎም ምስ ኣብርሁ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ድማ ኣምላኽ ንሓጥኣን ዘለዎ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ፍቕሪ የጉልሑ።

ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ቤተ ክርስቲያንን

ሊቀ ጳጳስ ፓሊያ ኣብ ባንጋሎር ኣብ ዝካየድ ምሉእ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ህንዲ (CCBI) ይሳተፉሉ ከም ዘለዉን እዚ ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርዊ ዑደት ዕለት 2 ለካቲት 2024 ዓ.ም. ከም ዝዛዘም ኣብቲ ናይ ህንዲ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዓውደ ኣኼባ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሰብኣውነትን ዘለዎ ትርጉም ዘማእከለ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

02 February 2024, 15:15