ድለ

2024.02.02  lቀዳማይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት 'ድምጺ መጻኢ ዓለም ናይ ምስማዕ ዕድል' 2024.02.02 lቀዳማይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት 'ድምጺ መጻኢ ዓለም ናይ ምስማዕ ዕድል' 

ቀዳማይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት 'ድምጺ መጻኢ ዓለም ናይ ምስማዕ ዕድል'

ቅድሚ እቲ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት 25 - 26 ግንቦት ቀዳማይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ሕጻናት ምክያዱ ሓያሎ ሰበስልጣን ቫቲካንን ቤተ ክርስቲያንን ነቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ ጽምብል ብዛዕባ ምስ ቅዱስ ኣቦና ህጻናት ዘካይድዎ ርክብን ጸሎትን ሕውነትን ሕንጸትን ዘጠቓልል መደብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንሰያት ኣማእኪሎም ጋዜጣዊ መገልጺ ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቀዳማይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ሕጻናት ካብ ዕለት 25 - 26 ግንቦት 2024 ዓ.ም. ዝካየድ ኮይኑ ብዛዕባ እዚ ብናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝዳሎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ዕለት 2 ለካቲት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ መግለጺ ከም እተወሃበን ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ጆሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ፡ ኣተሓባባሪ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናትን ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉዳያት ርክባት ሓላፊ ኣባ ኤንዞ ፎርቱናቶን ከምኡ’ውን፡ ናይ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣቦ መንበር ማርኮ ኢምፓሊያዞ ከም ኣተሳተፉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቀዳማይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት 'ድምጺ መጻኢ ዓለም ናይ ምስማዕ ዕድል'
ቀዳማይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት 'ድምጺ መጻኢ ዓለም ናይ ምስማዕ ዕድል'

መርበብ ሓበሬታ ዛዕባ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ነቶም ዕዱማት ምስ ጋዜጠይናታት ብምልላይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንህጻናት ዝተወፈየ መዓልቲ ንምቛም ዘለዎም ድሌት ኣጉሊሖም።

ብዛዕባ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት ዝያዳ ሓበሬታ ኣብቲ ዕለት 2 ለካቲት ወግዓዊ ዝኾነ ናይቲ በዓል ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ፡ ምስቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ መደብ ንምስታፍ ብኸመይ ከም እትምዝገብን ምስ መንበሪ ኣባይቲ፡ መጓዓዝያን ካልእ ኣወዳድባ ኣገልግሎት ዝርዝራትን ምስቲ በዓል ዝተኣሳሰሩ ዝርዝር ሓበሬታን ተነቢሩ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ካርዲናል መንዶንሳ፡ ኣብ ሮማን ኣብ ከባቢ ሃገረ ስብከታትን ዝኽበር መዓልቲ

ካርዲናል መንዶንሳ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ "ዕለት 8 ታሕሳስ ኣብ በዓል ጽንሰታ ለማርያም ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት ክህሉ ምዃኑ ብወግዑ ከም ዝገለጹ ኣዘካኺሮም፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 6 ሕዳር ኣብ ሃገረ ቫቲክን ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምስ ህጻናት ብምርኻብ ካብቶም ህጻናት ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ብምሃብ ዝተኻየደ መደብ ዝፈጠረሎም ሓጎስ እውን ገሊጾም፡ ጽምብል ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት ስሩዕ ፍጻመ ክኸውን ተኽእሎታት ከም ዘሎን እቲ ቀዳማይ መደብ ብኽልተ ደረጃታት ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣብ ሮማ ከምኡ’ውን ብደረጃ ሃገረ ስብከት ኣብ መላእ ዓለም ክካይድ እዩ። ከምዚ ዝበለ ፍጻመ ንህጻናት ብጸሎት፡ ዕርክነትን ሕንጸትን ህሞታት ኣቢሎም ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይ ምዃን ተኽእሎ ዝህቦም እዩ።" ር.ሊ.ጳ. ምስ ህጻናት ክራኸቡን ክሰምዕዎምን ሃረርታ እውን ከም ዘለዎም ይገልጹ።

ኣባ ፎርቱናቶ፡ ናብታ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት ዘሰንይ ሰለስተ ጉዕዞታት ይሕብሩ

ኣተሓባባሪ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናትን ጉዳያት ርካባት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ሓላፊ ኣባ ኤንዞ ፎርቱናቶ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት ንኽካየድ ምድላዮም ክረጋገጽ እውን ንዝህብዎ ምትብባዕን ኣመስጊኖም፡ ናብቲ መደብ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት ዘሰንይ ዝተፈላለየ ምድላዋት ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሮም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ መዓልቲ ህጻናት ኣብ ምሉእ እቲ ርክብ ክህልዉን ክሳተፉን ምዃኖም ኣረጋጊጾም፡ ናብቲ ፍጻመ ዝመርሕ "ሰለስተ ጉዕዞታት" ኣብ ዓውድታት "መንፈሳውነት፡ ምትሕግጋዝን ባህልን" ዝብል ምዃኑ እውን ኣብሪሆም፡ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይቲ ፍጻሜ መለለይን መርሕ ቃልን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታን ብወግዒ ከም ዘላለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማርኮ ኢምፓሊያዞ፡ ህጻናት መጻኢ ደቂ ሰባት እዮም።

ማርኮ ኢምፓግሊያዞ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት ንኽካየድ ብምድላዮም በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣመስጊኖም፥ "ኣብዚ እዋን ኲናትን ብዛዕባ ኣከባቢ ዘይምግዳስን፡ ከምቲ ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣሽሓት ህጻናት ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ዕዉት ርክብ፡ ንመንእሰይ ወለዶ ድምጺ ምሃብ መሰረታዊ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ፡ ድምጾም ንኲናትን ምጥፋእ ተፈጥሮን ኣይፋል ዝብል ግልጺ ዝለ ዝኾነ ነቶም ህጻናት ክንሰምዖም ኣለና።"

ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣፍሪቃ፡ ላቲን ኣመሪካን ኤስያን ዝርከብ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ ዝተፈለላለያ ኣብያተ - ትምህርቲ ሰላም መሰረት ገይሮም፡ ነቲ መዓልቲ ይሸባሸቡ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ "ህጻናት፡ ህሉውን መጻእን ሰብኣውነት ስለ ዝኾኑ፡ ኣብ ማእከል ዓለም ንምቕማጥ ዝሕግዝ ኣጋጣሚ ክኸውን ተስፋ ከምዘለዎም ይገልጹ።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት፡ ንህጻናት ምስ ኢየሱስ ንኽራኸቡ ዕድል ዝህብን ናይ ምሕላም ዓቕሞም ዘተባብዕን ምዃኑ ኣስሚሮም፥ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ብዙሓት ካብ ውሰናስን ህላወን ካብቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝኾነ ከባብታት ዝመጹ ህጻናት ኣብቲ መዓልቲ ክሳተፉ ከምዘኽእሎም ድማ ሓቢሮም፡ ካብ ሶርያ፡ ኤርትራ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ገለ ብሊብያ ዝሓልፉ ስደተኛታት ህጻናት እውን ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ ጽምብል ክሳተፉ እዮም ዝብል ተስፋኦም ገሊጾም፡ ካልኦት ድማ ካብ ሃይቲ፣ ፍልስጤም፣ እስራኤል፣ ዩክሬን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሞዛምቢክ፣ ናይጀርያ፣ ኮሎምብያን ዝመጹን ካብ ካልኦት ሃይማኖታት ዝተዋጽኡ ህጻናት እውን ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 February 2024, 16:45