ድለ

ቫቲካን ንፈለማ ግዜ ዝክረ ሰማእታት ቆብጣውያን ኦርቶዶክሳውያን ተብዕል

ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት፡ ዕስራን ሓደን ቆብጣውያን ደቂ ተባዕትዮ ብዳዕሽ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተቐትሉ ምእመናን ንፈለማ ግዜ ዝክረ በዓሎም ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተዘኪሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ብዳዕሽ ዝተቐትሉ 21 ሰማእታት ቆብጣውያን ከም ዘብዓለትን እቶም 21 ሰማእታት ምመናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ምስሪ፡ ኣብቲ እዋን ቅትለቶም ዘርኢ ብምስማዐ ርእየት ዝተቐርጸ በቲ ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ ብመርበብ ከም እተፈነወ ክዝከር እንከሎ ኩሎም፡ እቶም 21 ምመናን ብቆብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ብኡንብኡ ሰማእታት ተባሂሎም ከም እተኣወጁን ድሕሪኡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወግዓዊ ዝርዝር ስንክሳር ሰማእታት ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ኣስማቶም ክሰፍር ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ጸሎት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ

ዕለት 15 ለካቲት ብናይ ካቶሊካዊ ዓውደ ኣዋርሕ በዓለ ቅዱሳንን ሰማእታትን መሰረት እቶም ቆብጣውያን ሰማእታት ንመጀመርታ ግዜ ብወግዒ ከም እተዘከሩን ነዚ ኣጋጣሚ ንምኽባር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኵላዊ ስነ ስርዓት ጸሎት ከም እተኻየደን ሓድነት ክርስትያን ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ነቲ ናይቶም ቆብጣውያን ሰማእታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ስነ ስርዓት መሪሖም ኣብ ሰስሞዎ ስብከት፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ጸላኢ ብሞት ዘሕብረና እንተ ዀይኑ ስለምንታይ ደኣ ኣብ ህይወት እንፈላለ?" እንክብሉ ዘቕረብዎ ሕቶ ጠቒሶም፥ "ሕብረት ሰማእታት ካብቲ ሎሚ ዘሎ ምፍልላይ ንላዕሊ ብንጹርን ርቱዕ ኣንደበትን ከም ዝዛረብ ኣየጠራጥርን ኢዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ልኡኻት ቆብጣውያን

ብጀካ እዚ ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝኽሪ ሰማእታት ሓያሎ ወከልቲ ቆብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ዝሓበሩን ነሳቶም እውን ኣብ ምስሪ ናይ ቆብጣዊ ክቶሊካዊ ሰበኻ ዚገ ልሂቅ ጳጳስ ኣንጦንዮስ ዓዚዝ ሚና፡ ኣባ ፍራንክ ጣዊፊሎስ፡ ናይ ቆብጣዊ ኦርቶዶክሳዊት ሃገረ ስብከት ቶሪኖን - ሮማ ሓዋርያዊ መስተናብር፤ ከምኡ’ውን ኣብ ሮማ ዝርከብ ቆብጣዊት ቤተክርስትያን ቅድስቲ ሚና ቆሞስ ኣባ ኣንጦንዮስ ጋብርኤል ከም ዝኾኑን ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝክረ ሰማእታት ኣብ ሮማ ናይ እትርከብ ቆብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መዘምራን ከም እተሳተፉን ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ዝክረ ሰማእታት ኣቡነ ገብርኤል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰማእታት ቆብጣውያን ኣርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣፍልጦ ምሃቦም ሓድነት ክርስቲያን ዘተባብዕ “ዝነኣድ ሰናይ ምልክት” እዩ ኢሎም።

ሓይሊ እምነት

ድሕሪ’ቲ እቲ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ዝክረ ሰማእታት ኣብ ቫቲካን ቤተ ዕዮ ፊልም ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ “እቶም 21፥ ሓይሊ እምነት” ብዝብል ኣርእስቲ ብፈረንሳዊ - ምስራዊ ናይ ፊልም ደራስን ቀራጽን ሳሙኤል ኣርኒየስ ብደገፍ ፓትሪያርክ ናይ ቆብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ቀዳማዊ ብጹዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ ዳግማዊ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም፡ ንምርኢት ከም ዝቐረበን ናይቶም ሰማእታት ታሪኽ እተዘንትው ሰነዳዊት ፊልም ዝደረሱን ዝቐረጹን ኣርምኒየስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ንዓይ” ምስ ስድራ ቤት ሰማእታት ክራኸብን ታሪኾምን ምስክርነቶም ክእክብ፡ ብሓቂ ዓቢይ ድላይ ነይሩኒ . . . ድምጾም ናብ ኩሉን ኣብ ኩሉን ንኸነብጽሕ ድማ ንደሊ” ኢሎም።

17 February 2024, 17:01