ድለ

ቫቲካን ንጳጳሳት ጀርመን ንውጥን ምቛም ሲኖዳዊ ኮሚቴ ደው ከብሉ ትሓትት ቫቲካን ንጳጳሳት ጀርመን ንውጥን ምቛም ሲኖዳዊ ኮሚቴ ደው ከብሉ ትሓትት 

ቫቲካን ንጳጳሳት ጀርመን ንውጥን ምቛም ሲኖዳዊ ኮሚቴ ደው ከብሉ ትሓትት

ኣብዚ ሰሙን እዚ ጉባኤ ጳጳሳት ጀርመን፣ ኣብ ዘካይዶ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ፣ ብጳጳሳትን ዓለማውያን ምመናን ዝቖመ ጉባኤ ብምውዳብ ኣብ ከም ግደ ደቂ ኣንስትዮ፣ ጾታዊ ግብረ ገብን ክህነታዊ ህይወትን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ክዝትይን ክውስኑን ዝዓለመ ሕግታት ናይቲ ሽማግለ ሲኖዶስ ከጽድቕ ትጽቢት ይግበር ከም ዝነበረን ኮይኑ ግን ቫቲካን ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናላት ፈርናንደዝን ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ፕረቮስትን ብዝኸተምዎ መልእኽቲ ኣቢላ ኣብ መንጎ ኩርያ ሮማናን ናይ ጀርመን ጳጳሳት ጉባኤ ልኡካን ኣኼባ ክሳብ ዝካየድ ነቲ ውሳኔ ክስርዝን ከናውሕን ትሓትት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሮ ንኣርባዕተ ጀርመናውያን ሊቃውንቲ ስነ መለኮት ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ስክፍታኦም ገሊጾም ከም ዝነበሩን፡ ቫቲካን ብዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝን ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት ኣቢላ፡ ንሕጊ ናይ ሲኖዳዊ ሽማግለ (ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝቖመ) ንምጽዳቕ፣ ዕላማኡ ድማ ዘማሓድርን ውሳነ ዘመሓላልፍ ቤት ምኽሪ ዝብልውጽኢት ናይቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ከባቢ 27 ጳጳሳትን ሓያሎ ዓለማውያን ምመናንን ኣሳቲፉ ናይ ዝተኻየደ ኣብ ጉዳያት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ስልጣን፡ ተራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾታዊ ስነ-ምግባርን ክህነታዊ ሕይወትን ዝከኣል ውሳኔታት ክወስድ ሓላፍነት ዝወሀቦ ኣካል ዝኾነ ዝብል ኣካታዒ መንገዲ ሲኖዶስ ጀርመን ከም ዝኾነ እውን ዝፍለጥ እዩ።

ስክፍታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ድሮ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2023 ዓ.ም. ናብተን ኣርባዕተ ሊቃውንቲ ስነ-መለኮት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዚ ዓይነት ጉባኤ - ዝሓለፈ ዓመት ብኽልተ ሲሶ ዝበዝሑ ጳጳሳትን ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ካቶሊካውያን ጀርመንን (ZdK) ዝጸደቐ - ምስ ምስጢራዊ ኣቃውማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን" ክሰማማዕ ከምዘይክእል" ብኣጽንዖት ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኮይኑ" ከምኡ'ውን "ብፍሉይ ኣገባብ ብኣይ ዝጸደቐ ዕለት 16 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ብቅድስቲ መንበር ኣብ ዘመሓላለፈ ውሳነ ተኣጊዱ" ምንባሩ እውን ሓቢሮም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

እቲ መደብ ክመሓላለፍ

ሕጂ ድማ ብዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊንን ብናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝን ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሮበርት ፍራምሶስ ፕረቮስት ዝተፈረመ ዕለት 16 ለካቲት 2024 ዓ.ም. ናብ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጀርመን ዝተጻሕፈ ሓድሽ መልኽቲ፥ ኣብቲ ካብ 1ዕለት 9 ክሳብ ዕለት 22 ለካቲት ኣብ ኦግስበርግ ዝካየድ ዘሎ ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳስት ቤት ምኽሪ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ነቲ ዛዕባ ሲኖዳዊ ሽማግለ ዝኽተል ዝምራሓሉ ሕጊ ንምጽዳቕ ዝብል መደብ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ወከልቲ ቫቲካንን ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ጀርመንን ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ ዓውደ ዘተ ክናዋሕ ቫቲካን ትሕትት። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሮማ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ዓ.ም. ከምኡ እውን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ናይ ጀርመን ቤት ምኽሪ ጳጳሳትን ወከልቲ ሮማዊ ኩርያን ዝተኻየደ ኣኼባታት ስዒቡ ካልእ ኣኼባ ክካየድ ኣብ መደብ ከም ዝነበረን። እዚ ኣኼባ ዝካየደሉ ዕለት ዛጊት ዝተወሰነ እውን እንተዘይኮነ እቲ ደብዳቤ ቫቲካን - ቅድሚ እዚ ኣኼባ እዚ ናይ ጀርመን ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ነቲ ስርዓት ወይ ሕጊ ሽማግለ ሲኖዶሳዊ እንተድኣ ኣጽዲቑ ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ናይ ጀርመን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ዝምልከቶ ኣካል ኩርያ ሮማናን ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ዓወደ ዘተ ኣብ ሕቶ ዘእትው ከም ዝኸውን የስተብህል።

ብመሰረት ለበዋታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ከምቲ ብናይ ጀርመን ካቶሊካዊ ኣገልግሎት ዜና ተገሊጹ ዘሎ፥ እቲ ብካርዲናል ፓሮሊንን ፈርናንደዝን ፕረቮስትን ዝተኸተመ ናብ ናይ ጀርመን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ከምዚ ዓይነት ቤት ምኽሪ ብህሉው ሕገ ቀኖና ከምዘይሽፈን የጉልሕ፣ ስለዚ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ነቲ ናይ ሽማግለ ሲኖዳዊ መምርሒ ሕጊ ቅቡል እንክብል ውሳኔ እውን እንተሃበ ሕጊ ናይ ምጽዳቕ ስልጣን ስለ ዘይብሉ እቲ ዝህቦ ውሳኔ ፍሩስ እዩ ዝኸውን ዝብል ሓሳብ እውን ዝተበሮ እዩ። ምኽንያቱ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ውዱእ ጉዳይ ዘንብር ብምዃኑ ብቐጥታ ኣንጻር ትእዛዝ ር.ሊ.ጳጳሳት እዩ ዝኸውን እንክብል እቲ ካብ ቫቲካን ዝተመሓላለፈ ደብዳቤ ከም ዘስመረሉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ መምርሒ ሕጊ ሽማግለ ሲኖዶስ ድምጺ ክወሃብ ዝብል – ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሓሳብ – ካብ ዝክረ ነገር ምሉእ ጉባኤ ጳጳሳት ጀርመን ከም እተኣለየ ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማትያስ ኮፕ ከም ዝሓበሩ ናይ ጀርመን ካቶሊካዊ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 February 2024, 16:10