ድለ

ሱባኤ፦ ሳልሳይ ኣስተንትኖ ካርዲናል ካንታላሜሳ - "ትኣምን ዲኻ?"

ካብ ዕለት 19 ክሳዕ 24 ለካቲት ምስቶም ሰባኺ ቤተ ጳጳስ ብምዃንን ምስ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ኣባላት ኩርያ ሮማን ንምጽላይ፣ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዜና ቫቲካን ናይ ሓደ ደቒቕ ኣስተንትኖ ይመሓላለፍ አሎ፣ - "ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ደቒቕ ክበሃሉ ዝኽእሉ ቃላት ሒደት ኢዮም፣ እንተ ኾነ ግን ንመዓልትን ንህይወትን ብምሉኡ ክመልኡ ዝኽእሊ ቃላት ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም፣ እዚ ኸኣ ካብ ኣፍ ኢየሱስ እንረኽቦም ቃልት ኢዮም ። ከም ማስቲካ ንምሉእ መዓልቲ 'ከተኾማስዕዎ' እናተማሕጸንኩ በብሓደ ነዘን ቃላት ክህበኩም እየ።" ክብሉ ብፁዕ ካርዲናል ራይኔሮ ካንታላሜሳ ኣስተንትኖኦም ይጅምሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዛ ሰሙን እዚኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምኡውን ተሓባበርቶም ኣባልት ኩርያ ሮማና ኣብ  መንፈሳዊ ሱባኤ እተጸምዱሉ ሰሙን ኢያ፣ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ከአ  ካብ ዕለት 19 ክሳዕ 24 ለካቲት በቶም ሰባኺ ናይ ቤተ ጳጳሳ ዝኮኑ ብፁዕ ካርዲናል ራንየሮ ካንታላመሳ እተሰናስደወ ኣብ ማሕበራዊ መትረባት ኤክስ ፌስቡክ ኢንስታግራም ከምኡውን ዋትስኣፕ  ናይ ኣስተንትኖ ሓሳትባት የቕርቡ ኣለዉ፣ ሎሚ ዕለት 21 ለካቲት ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ ነቅርበልኩም፦

ኣስተትንትርኖ

ሎሚ እነስተንትና ቃል "እታ ኢየሱስ ንሓብቲ ኣልኣዛር ኣብ ቅድሚ መቓብር ናይቲ ዝሞተ ሓዋ ኾይኑ 'ትኣምኒ ዶ?' (ዮሃንስ 11 26) ክብል ዝሓተታ ሕቶ ኢያ ። "ንዅሉ እቲ ኻብቲ ትምህርተ ክርስቶስ ዝሸምደድካዮን ነቲ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት እትደግሞን ንእተወሰነ እዋን ግደፍ ኣብሎ እሞ ። ናብቲ ንስኻን ኣምላኽን ጥራይ ዘለኹም ምስጢራዊ ዓለም እቶ ። ንርእስኻ ድማ ኸምዚ ኢልካ ሕተት ፦ ነዚ ኹሉ ይኣምኖ ድየ ? ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ትኣምኖ እኳ እትንተኾነት፣ ብሳልሳይ ኣካል ዘይኮነስ ብባዕለይ ብገዛእ ርእሰይ ይኣምን ድየ? ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ይጽሕፍ - 'ሰብ ብልቡ ይኣምን ብኣፉ ድማ ብምስክርነት ናይ እምነት ይምስክር' (ሮሜ 10፡ 10)። እምነተይ ካብ መዓሙቝ ልበይ ድዩ ዝመጽእ? እምነት ሓድሽ ኣረኣእያ ትኸፍተልና ፣ ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሕቶታት ደቅሰብ ኣርዚንካ መልሲ ክትህበሉ እተኽእለካ ንሳ ጥራይ ኢያ - "ኣነ መን ኢየ ? ካበይ እየ መጺአ? ናበይ እየ ዝኸይድ ዘለኹ?" እዚ ኤለክትሮኒካዊ ዘመን ብዛዕባ እምነት ሓድሽ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ኢዩ ዝህበና ፣ ብፍላይ እዚ  ምስ ኢንተርነት ዘሎና ርክብ ።  ነቲ ኣብ ጎግል ዚርከብ ገጻት ገንጽሉ  እሞ፣ ኣብቲ መንርበብ ዓለም ሽዑ ንሽዑ ትኣቱ ! ብምልእታ እታ ብኢንተርነት እትርአ ዓለም ኣብ ቅድሜኻ እያ እትግንጸል ። ብእምነት እውን ተመሳሳሊ ነገር ኢኻ እትረክብ ። ገመድ ዘየድልዮ ዋጋ ውን ዘይክፍሎ ። ሓጺር ጸሎትን፣ ንእሽቶ መንፈሳዊ ምንቕስቓስን፣ ነቲ ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጥካ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ምስሊ ክርስቶስ ብምጥማትን፣ ልክዕ ከማኡ ኣብ መርበብ እምነት ትኣቱ! እዚ መርበብ ድማ ምስ ሓንቲ ምናባዊት ዘይኰነስ ናይ ሓቂ ዓለም እተተሓሓዘ እዩ ። እቲ ናይ ብሓቂ ጋህዲ ዝኾነ ንሱ ጥራይ ኢዩ፣ ምኽንያቱ ዘልዓለማዊ ስለዝኾነ፣ እዚ ድማ ናይ ኣምላኽ ዓለም ኢዩ፣ ነዚ ዝብለካ ዘሎኹ ፈትኖ እሞ ሓቂ ከም ምዃኑ ባዕልኻ ከተረጋግጽ ኢኻ።"

21 February 2024, 17:47