ድለ

TOPSHOT-LATVIA-RUSSIA-POLITICS-DIPLOMACY-NAVALNY-DEATH-PROTEST TOPSHOT-LATVIA-RUSSIA-POLITICS-DIPLOMACY-NAVALNY-DEATH-PROTEST  (AFP or licensors)

ካርዲናል ፓሮሊን ፦ ብሞት ናቫሊ እተሰዖም ስምባደን ሓዘንን ገሊጾም

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ብሞት ኣሌክሲ ናቫሊ ሩስያዊ ተቓዋሚ ዝተሰምዖም ሓዘንን ስምባደን ገሊጾም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፍፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ትማሊ ዓርቢ 16 ለካቲት ምሸት ሓደ ኻብቶም ቀንዲ ተቓወምቲ ርእሰ ብሔር ሃገረ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝዀነ ኣሌክሲ ናቫሊ ኸም ዝሞተ ዚገልጽ ዜና "ዘሰንብድ" ከምኡውን "ብጣዕሚ ዘሕዝን ኣጋጣሚ" ክብሉ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም ።

ናቫሊ ወዲ 47 ዓመት ኮይኑ ኣብቲ ኻብ 2021 ኣትሒዙ እተኣስረሉ IK-3 ዝበሃል ናይ መቕጻዕቲ ሰፈር ኣርክቲክ ክም ዝሞተ ተፈሊጡ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ንመበል 106 ዓመት ዳግመ ህንጸት ሃገረ ሊትወይንያ ንምዝካር ኣብ ሮማ ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ደብረ ኢየሱስ ድሕሪ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንገዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣመልኪቶም ።

ቃል ብፁዕ ካርዲናል

"ኣብ ዜና እዚ ምስ ሰማዕኩ ዝብሎ ኢዩ ጠፊኡኒ፣ እንታይ እሞ ክበሃል ይከኣል ? ኣዝየ እየ ጉህየ፣ እቲ ጕዳዩ ብኻልእ መገዲ ኺፍታሕ ዝኽእል ይመስለኒ ነይሩ ። ኣብ ክንዳኡስ እዚ ዜና እዚ ብሓቂ ዘጉህን ዘሰንብድን እዩ" ድማ በሉ።

እዚ ፍጻመ እዚ ነቲ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ሩስያ ዘለዎ ኣቕዋም ዘቐይር እንተ ደኣ ዀይኑ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሎም ካርዲናል ፓሮሊን ከምዚ ክብሉ መለሱ - "ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ገና ግዚኡ ኣይበጽሐን አሎ ።... ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኢና ሕጂ ፈሊጥና ዘሎና " በሉ።

21 February 2024, 17:38