ድለ

ጳጳሳዊ ሽማግለን መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ንምሕላው ሓይሎም የዋድዱ ጳጳሳዊ ሽማግለን መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ንምሕላው ሓይሎም የዋድዱ 

ጳጳሳዊ ሽማግለን መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ንምሕላው ሓይሎም የዋድዱ

ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተቓላዕቲ ዓበይትን ምሕላው ኣብ ዝብል ተልእኾ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመን ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀልን ሓባራዊ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ተፈራሪኖም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተቓላዕቲ ዓበይትን ንምሕላው ኩሉ ግዜ ዝዓበየ ጻዕሪ ክህሉ እዚ እውን ብትብዓትን ተወፋይነትን ንምግልጋል፡ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመን ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀልን ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ከም እተፈራረሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ ብመሰረት እቲ ዕለት 14 ለካቲት ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ካርዲናል ሾን ኦማሊን ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል ዋና ሓላፊ ኣባ ልዊስ ናቫሮን ነቲ ስምምዕ ዕለት 7 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ መንበሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦም ከም ዝፈረሙ ዕለት 14 ለካቲት ዝወጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል ምስ ተልእኾ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተቓላዕቲ ዓበይትን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ናይ ሓባር ተበግሶታት ከአንግድን ንመምህራን፣ ተምሃሮን ዘይመምህራንን ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ዝተወደበ መደብ ሕንጸት ከቕርብ ከም ዝኾነን ካብዚ ሓሊፉ ንሰራሕተኛታት ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተቓላዕትን ዓበይቲ ቀጻሊ ትምህርትን ህንጸትን ንጥፈታት ወይ ነቶም ሊቕነት ንኸመስክሩ ዝመሃሩ ምስ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተቓላዕትን ብምትሕብባር ኣብዚ መዳይ እዚ ናይ ስራሕ ተኽእሎ ንምብራኽ ኣሚቱ ከቕርብ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ክልቲአን ትካላት በብዓመቱ ብዛዕባ ዝተወስዱ ተበግሶታት ዝምልከት ጸብጻብ ከዳልዋ መደብ ከም ዝገበሩን፡ እዚ ድማ በብመንገደን ንህዝቢ ብወግዒ ከም ዘቕርባ ኣመላኺቱ፥ እቲ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ኮይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት እውን ዝሕደስ ምዃኑ የረጋግጽ።

ካርዲናል ኦማሊ ነቲ ስምምዕ መሰረት ኣብ ዝተዋህበ መግለጺ፡ "እዚ ስምምዕ እዚ ኣካል ናይቲ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተቓላዕትን ተልእኾኡ ንምስጓም ምስ ካልኦት ቤተ ክርስቲያናዊ ኣካላት ዝገብሮ መርበባዊ ምትሕብባር መሰረት ዝገበረ ስምምዓት እዩ” ቢሎም ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል ንዝገብሮ ደገፍ ከም ዘመስገኑን ምስ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ወሳንን ሓባራዊን ጻዕሪ ኽንገብር ብምኽኣልና ሕጉሳት ኢና፡ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥበብ ኣብ ሓለዋ ሕጻናትን ተቓላዕትን ኣብ ዝግበር ኩለ መዳያዊ ጻዕሪ ከኣ እጃሙ ከበርክት ይደሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 February 2024, 16:27