ድለ

2024.02.08 Il cardinale Parolin all'Ambasciata d'Italia per il convegno sui 40 anni del Concordato 2024.02.08 Il cardinale Parolin all'Ambasciata d'Italia per il convegno sui 40 anni del Concordato 

ካርዲናል ፓሮሊን፦ ሓረስቶት ኪሰምዑ ኣለዎም፣ ዘተ የድሊ አሎ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዋና ጽሓፊ ቅድስቲ መንበር ጐኒ ጐኒ እቲ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ቅድስቲ መንበርን ዝተገብረ ውዕል ንምዝካር መበል 40 ዓመት ዝኽሪን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ቤተ ሕክምና ባምቢኖ ጀዙ ዝገልጽ ንጋዜጠኛታት ምላሽ ሃቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጻሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢጣልያን ኣብ መላእ ኣውሮጳን ቀጻሊ ዘጋጥም ዘሎ ብዘዕባ ናይ ምህርቲ ኣታዊታት ብዝምልከት ካብ ጋዜጠይናት ዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ እንክህቡ “እቶም ድምጾም ክስማዕ ዝቃውሙ ዝለዉ ክሰምዑ ኣለዎም፣  ንንእሽቶን ማእከላይን ንግዲ ዝውንኑን ከምኡውን ንመጻኢ ናይ ገጠራት ዝምልከት ዘተታት ክካየድ ኣለዎ" ድማ በሉ።

"እቲ ግዴታ፣ ወድሰብ ኩሉ ግዜ ክብረቱ ምእንትን ክሕሎ፣ እቲ ዝበለጸ ሓሳባቶም ብሓቂ ምእንቲ ኽገልጹን ወትሩ ማእከል ኵሉ ነገር ሰብ ክኸውን ኣለዎ " በሉ ።

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ብ1984 ቀዳማይ ሚኒስተር ቤቲኖ ክራክሲኒን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ካሳሮሊን ዝፈረምዎ መበል 40 ዓመት ዝኽሪ ውዕል አብ ዝኽበረሉ ዝነበረ ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ ኢጣልያ ዝርከብ ኤምባሲ ናብ ቅዱስቲ መንበር እተገብረ ዋዕላ ንጋዜጠኛታት መግለሺ ኣቕረቡ።

ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዝገለጽዎ እቲ ውዕል "ዝሓለፈ ዘይኰነስ ብዛዕባ መጻኢ እውን ውጥራት ዘለዎ ኢዩ ።" ማለት ካብቲ ቕድሚ ኣርብዓ ዓመት ዘጋጠመ ንላዕሊ "ሎሚ እንታይ ነጥብታት ብዝያዳ ኺምዕብል ከም ዚኽእል" ኣብ ግምት ምእታው፣ ብዛዕባ ዘሎ ዕድላት ምርዳእ ዜተሓሳስብ እዩ።

ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ቅዱስቲ መንበርን እተገብረ ዋዕላ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ቤተ ሕክምና ባምቢኖ ጀዙ ዝገልጽ ኣዋጅ ኣቕረቡ። ብፁዕነቶም ከምዚ ብምባል ይገልጹ - "ብወገን ኢጣልያን ብወገን ቅዱስቲ መንበርን ብዛዕባ ዝቐረበ ጠለባት ኣብ ቀረባ እዋትናት ክግለጽ ኢዩ።”

ኣስዒቦም ድማ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ሃማስ ዘካይዶ ዘሎ ውግኣትን ምምላስ ብምባል ናይቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝለዉ ሰባት እተገብረ ውዕልን ብዛዕባ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ከምዚ ክብሉ መግለጺ ኣቕሪቦም፣

"ቀጻሊ ዘተታት ይካየድ አሎ" ድሕሪ ቢሎም፣ ርግጽ ኢዩ እዚ ተስፋታት እዚ ሓሓሊፉ ዝኽሰት ዘሎ ኢዩ ዝመስል ። እንተዀነ ግን ነቶም ጅሆ እተታሕዙ ሰባት ሓራ ንምውጻእ፣ ነቲ ውግእ ደው ንምባል ከምኡውን ነቲ ጸገም ወሳኒ ፍታሕ ንምርካብ ዘተ ብምጅማር በብቝሩብ ስምምዕን ፍታሕን ክንረክብ ተስፋ ንገብር።" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

09 February 2024, 16:53