ድለ

2024.01.31 Incontro di preghiera per la pace promosso dalla Missione permanente della Santa Sede presso l’Ufficio Onu di Ginevra 2024.01.31 Incontro di preghiera per la pace promosso dalla Missione permanente della Santa Sede presso l’Ufficio Onu di Ginevra 

ቅድስቲ መንበር ንዓለም ለኻዊ መዓልቲ ሰላም ኣብ ጀኔቫ ብጉባኤ ጸሎት ዘኪራ ውዒላ

ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ልኡኽ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ኣብ ከተማ ጀኒቫ ንኣባላት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ተወከልቲ እተፈላለያ ሃይማኖታትን ጉባኤ ብምስንዳው "ብዛዕባ ኽቡር ውህበት ሰላም ንኸስተንትኑ" ዓዲሙ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ዓመት እዚ መበል 57 መዓልቲ ሰላም ኣብ እተዘከረሉ ዕለት ብፁዕ ካርዲናል ሚገል ኣንጀል ኣዩሶ ኺሶ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ መዓልቲ ሰላም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣመልኪቶም ኣስተንትኖ ውን ኣቕሪቦም፣ ባህሊ ሰላም ከም ዝዕምብብ ንምግባርን፣ ዝሓሸት ዓለም ንምህናጽን ተክኖሎጅያዊ ምዕባለ ምስ ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ክወሃሃድ ከም ዘለዎ ድማ ኣመልከቱ ።

እዚ ዓመታዊ ዝካየድ መርሓ ግብር ጉባኤ ጸሎት፣ ሎም ዓመት ንመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ግዜ ኣብ እተኻየደሉ እዋን፣ በቶም ኣብ ጀኒቫ ዝርከቡ ቀዋሚ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዉያን ውድባትን እሰተናደወ መደብ ኢዩ ዝነበረ፣  ብዙሓት ልኡካነ መንግስታትን መራሕቲ ኣህጉራውያን ውድባትን ተወከልቲ እተፈላለያ ሃይማኖታውያን ማሕበራትን ኣባኡ ተረኺቦም ነይሮም።

እቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሳተፉ ኣጋይሽ ካብ ተወከልቲ እቶም ኣብ ጀኒቫ ዝርከቡ እተፈላለዩ ሃይማኖታውያን ማሕበረሰብን እንተላይ ካብ ኣይሁዳውያንን፣ ተኸተልቲ ሃይማኖታት ሂዱን፣ ሱፊ እስልምናን ከምኡውን ካብ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያንን፣ ግሪክ ኦርቶዶክሳውያንን ሓጸርቲ ኣስተንትኖታትን ኣስምዑ ።

ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ልኡኽ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኸም ዘእምልክቶ እቲ ዘካየድዎ ኣስተንትኖታት ብቋንቋታት ብዓረብ፡ ቻይና፡ ፈረንሳይ፡ እግሊዝን ሩስያን ከምኡ ውን እስጳኛን ፍሊፒንን ከም እተኻየደን ብኣፍሪቃውያንን መዘምራን ቅዱስ ዮሃንስ መበል 23 ዝቐረበ መዛሙራት ውን ከም እተሰነየን ኣፍሊጡ ።

ብመሰረት እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘመልከቶ "እቶም ወከልቲ እተፈላለዩ ሃይማኖታት ኮይኖም እተሳተፉ ኣጋይሽ ነፍሲ ወከፎም ጨንፈር ኣውሊዕ ተዋህቦም እዚ ድማ ነቲ ኣጋጣሚ ንምዝካርን ንሰላም ኣብ ምስራሕ ንዝገብርዎ ሓባራዊ ተበግሶ ንምምልካትን እዩ ዝነበረ።"

ብፁዕ ኣቡን ቻርለስ ሞሬሮድ ጳጳስ ናይ ሰበኻ ሎዛንን ፍሪበርግን ጀኒቫን ከም መዛዘሚ ናይቲ መደብ ጸሎት ምስ ኣዕረጉ ኩሎም ተሳተፍቲ ናብቲ እተሰናደውሎም ናይ እንግዶት ኣዳራሽ ናይቲ ቁምስና ኣምርሑ ።

02 February 2024, 11:05