ድለ

ቅድስቲ መንበር፡ ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ደገፍ ንቤተሰብ መፍትሕ ድኽነት ንምጥፋእ ቅድስቲ መንበር፡ ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ደገፍ ንቤተሰብ መፍትሕ ድኽነት ንምጥፋእ 

ቅድስቲ መንበር፡ ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ደገፍ ንቤተሰብ መፍትሕ ድኽነት ንምጥፋእ

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ መበል 62 ዓውደ ኣኼባ ሽማግለ ማሕበራዊ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ድኽነት ንምጥፋእ ተበጻሕነት ትምህርቲ፣ ቅኑዕ ስራሕ ምርግጋጽን ስድራ ቤት ንምክልኻል ወሳኒ ግደ ከም ዘለዎ ብኣጽንዖት ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድኽነት ንምምካት፣ ከምኡ’ውን ውሁድ ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ዕዉት ንምግባር፣ ንስድራቤት፣ ትምህርትን ሰብኣዊ ዓቐን ዘለዎ ስራሕን ዝድግፉ ኣብ ርእሲ እዚ እውን ድልዱል ስርዓት ማሕበራዊ ሓለዋ ወሳኒ ምዃኑ፣ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቻ ኣብቲ ዕለት 12 ለካቲት ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዋና መንበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ድኽነት ንምጥፋእ ዝዓለመ ዓለም ለኻዊ መደብ ልምዓት ዘንበሮ ዝክረ ነገር ዕዉት ንምግባር ብግብሪ ንምቅልጣፍ ዝድርኽ ማሕበራዊ መምርሕታት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝመኸረ ኣብ መበል 62 ዓውደ ኣኼባ ሽማግለ ማሕበራዊ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መደረ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ትምህርቲ ንኹሉ ምርግጋጽ

ድኽነት “ቅድሚ ኩሉ ሱር መሰረታቱ ብምብዳህ” ክጠፍእ ከም ዝኽእል ዘዘኻኸሩ ቀዋም ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር፥ ትምህርቲ ከም “ቀዳማይ መርገጺ ውሁድ ኩለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ” ኮይኑ ንኹሉ ናብ ዝዓበየ ዕድላትን ዝሓሸ ውጽኢትን ናይ ምምራሕ ግደ ኣለዎ ቢሎም፡ ስለዚ ንድኻታት ስድራቤታት ተበጻሕነት ትምህርቲ ንምርግጋጽ ዝሕግዙ ስጉምትታት ከምዘድሊ ኣረጋጊጾም፣ “ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ፣ እንኮላይ እቶም ዝደኸዩ፣ ክሕብሐቡን ህጻናት ብመሰረት ባህርያዊ ክብረቶምን ክእለቶምን ብምኽባር ክፍጸም ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቦም፡ ብተወሳኺ ዓበይቲ ሰባት ስራሕ ዝሰኣኑ ዳግመ ስልጠና ዘጠቓልል ትምህርቲ ንኽቕጽሉ ዕድል ክወሃቦም ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅኑዕ ስራሕን ርትዓዊ ክፍሊትን ምርካብ

ሊቀ ጳጳስ ካቺያ ካልእ ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት ምዕባለ ጠቒሶም፡ ማለት ኹሉ ርትዓዊ ደሞዝ ዘለዎ ቅቡልን ቅኑዕን ስራሕ ክረክብን፡ ስለዚ ድማ ነዚ ዝድርኽ “ኣብ ስራሕን ቁጠባን ኩነታት ፍትሒ ዘስፋ፡ ስራሕ መግለጺ ናይቲ... ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሰብኣዊ ክብረት መገልጺ ምዃኑ ውሑስ ዝገብር ናይ ዕዮ መምርሕታት ኣገዳሲ ምዃኑ ብምዝኽካር፥

“ስራሕ ንኹሉ ተበጻሒ ክኸውን ኣለዎ፣ ኣብ ትሕቲ ቅቡልን ቅኑዕን ውሑስን ኩነታት ክፍጸም ከም ዘለዎን፣ ናይ ሰራሕተይናታት ስድራ ቤታዊ ህይወቶም ናይ ዕረፍት ግዜኦምን ከስተማቕሩን ነዚ ኩሉ ደረጃታት ሕይወት ዘኽብርን ክፍሊት ደሞዝ ክህልዎም ይግባእ”

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንስድራ ቤት ሓለዋን ደገፍን ይግብኣ

ኣብ መወዳእታ ስድራ ቤት ኣብ ማሕበራዊ ምዕባለ ወሳኒ ተዋሳኢ ብምዃኑ ዝያዳ ቆላሕታ ክግበረሉ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ በዚ ድማ ካብ ሕብረተሰብን መንግስትን ሓለዋን ደገፍን ይግብኦ። ነዚ ብዝምልከት ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣህጉራዊ ዘተታት ተፈላጥነታ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ እንክብሉ ስክፍታኦም ብምግላጽ፥ "ስድራቤት ኣብ ኣህጉራዊ ደረጃ ኣናኢስካ ዝረአ እናኾነን ካብዚ ሓሊፉ እውን ዝናዓቕ ኮይኑ ኣሎ እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ብዙሓት ሰባት ስድራቤት ናይ መጀመርታ ጥራይ ዘይኰነስ እንኮ ዓይነት ማሕበራዊ ዕቝባ እውን ኢዩ። ማሕበራዊ ሕግታት ነዚ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ መሰረታዊ ኣሃዱ "ኣብ ማሕበራዊ ፍትሕን ማሕበራዊ ዕቤትን ኣብ ምርካብ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ" ዝድግፍ ክኸውን ከም ዘለዎ ብትረት ገሊጾም፥

“ስድራ ቤት ‘ቤት ትምህርቲ ዝዓሞቐ ሰብኣውነት’ ኮይኑ፡ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘጉልሕዎ፡ ‘ክብርታት ፍቕርን ሕውነትን፡ ሓድነትን ምክፋልን፡ ሓልዮትን ተገዳስነትን ንኻልኦት ዝንብረሉን ዝወሃበሉን ቀዳማይ ስፍራ እዩ!”

ቢሎም ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 February 2024, 14:51