ድለ

2020.03.19 RADIO VATICANA REGIA 9 2020.03.19 RADIO VATICANA REGIA 9 

ረድዮ ቫቲካን መበል 93 ዓመት ምስረታኡ የኽብር

ዕለተ ልደት ራድዮ ቫቲካን 'ራድዮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት' 12 ለካቲት 1931 ከምኡውን ብ13 ለካቲት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ራድዮን ተዘኪሩ ውዒሉ። እዚ ዝኽሪ እዚ ንኽልተ ኣገዳሲ ምዕራፋት ናይ መራኸቢታት ብዙሓን ብዜደንቕ ተክኖሎጅያዊ ፍልቀት እተማህዘን ከምኡ ውን ካብ ጅማሬኡ ኣትሒዙ ወትሩ ዓቂብዎ ዝርከብ ዘሎ ተልእኾኡ ናብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለምን ናብ ኵሎም ደቅሰባት ንምብጻሕ ዝዓለመ ምዃኑ ዳግም ንኽጽናዕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና ኣሎ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ወርሒ ለካቲት ግን ከአ ኣብ እተፈላለዩ ዓመታት፣ ክልተ ዕለታት ምስ ታሪኽ ናይቲ ኣብ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ዘሎ መሳርሒታት መራኸቢ ብዙሓን እተተሓሓዙ ኣለው ። ብዕለት 12 ለካቲት 1931 ዓ. ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12 ንራድዮ ቫቲካን መሪቆም ብወግዒ ጀመርዎ። በቲ "Qui arcano Dei (ኲ ኣርካኖ ደይ)" ብዝል ናይ ራድዮ መልእኽቶም "ኣቱም ደሴታት ስምዑ፣ ኣንቱም ርሑቓት ዘሎኹም ሕዝብታት ስምዑ" እንክብሉ ኣወጁ ።

ራድዮ ቫቲካን ራድዮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ንራድዮ ዝመሃዘ ጉልየልሞ ማርኮኒ እዩ፣ ነዚ ታሪኻዊ ፍጻመ እንክእውጅ ከምዚ በለ - "ንኣስታት ንዕስራ ክላተ ዘመናት ዚኸውን ቓል ናይ ሮማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳትን  መለኮታዊ ትምህርቶምን ኣብ ዓለም ተሰሚዑ እዩ፣ ህያው ድምጾም ግን ኣብ ኩላ ምድሪ ብሓንሳእ ክስማዕ ዝኸኣለ እዚ ንመጀመርታ ግዜ እዩ።" ክብል መስከረ።

ማርኮኒ ረድዮ ቫቲካን ምቛሙ ዝገብሮ ጻዕሪ ኣብ ታሪኽ መራኸቢ ብዙሓን ኣገዳሲ ህሞት ከም ዝዀነ ኣየጠራጥርን እዩ፣ እዚ ኸኣ ብ1931 ዝተፈጸ ታሪኽ ኢዩ ዝነበረ ። እዚ ዘሕደሮ ጽልዋ ኣብ ምግዋሕ ድምጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ዝሰፍሐ ዓለምለኻዊ መራኸቢ እውን ተንጸባሪቑ ኢዩ።

ስዒቡ ውን ደድሕቲ ዝኽሪ ዕለት ረድዮ ቫቲካን ዕለት 13 ለካቲት ከም ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ረድዮ ብUNESCO ምቛማ፣ መሳርሒታት መራኸቢ ብዙሓን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዎ ኣገዳስነትን ጽልዋን ዘጕልሕ እዩ ።

ካብ ሞገድ ናብ መርበብ

ፈጠራታት ራድዮ ኻብቲ ልሙድ ሞጎዳት ናይ ራድዮ ናብ መዋእል ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትን ኢንተርነትን ብምምዕባል ኣብ ፍልቀት እተፈላለየ ደረጃታት ኣሕሊፉ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ዲሞክራስያዊ መዳዩ ራድዮ ሓደ ኻብቲ መሰረታዊ ስርዓታቱ ምዃኑ ጐሊሑ ዝርአ ኢዩ። ንድምጺ ዅሎም እቶም ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዉ ሰባት ቦታ ዝህብ ክንዲ ዝኾነ፣ እንተላይ ነቶም መብዛሕትኡ ግዜ ብመራኸቢ ብዙሓን ዕሽሽ ዝበሃሉ ወይ ውን ዝተዘንግዑ ሰባት ቦታ ዝህብ እዩ።

ኣብ ርእሲ እዚውን ሬድዮ ህጹጽ ኵነታት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋናት ከም መርበብ ድሕንነት ህዝቢ መጠን ወሳኒ ግደ ኣለዎ፣ እዚ ድማ ንማሕበረሰብ ኣድላዪ ሓበሬታን ደገፍን ይህብ ዘሎ ክንዲ ዝኾነ ።

ብሓጺሩ ታሪኽ ራድዮ ቫቲካን ኰነ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ራድዮ እዚ መሳርሒ እዚ ንማሕበረሰብ ኣብ ምህናጽን ዓለምለኻዊ ርክባት ኣብ ምቅልጣፍን ዘለዎ ሓይልን ኣገዳስነትን መረጋገጺ ዀይኑ ይርከብ ።

13 February 2024, 15:26