ድለ

French parliament debates constitutional right to abortion  in Paris French parliament debates constitutional right to abortion in Paris  (ANSA)

ፈረንሳ ናብ ጸረ ህይወት ዝኾነ ቅዋም ገጻ ትጐዓዝ ኣላ

ፈረንሳ ኣብ ሥርዓተ ቅዋም እታ ሃገር መሰል ምንጻል ጥንሲ ንምትእትታው ምይይጥ ተካይድ አላ ። እማመ ምምሕያሽ ሃገራዊ ቅዋም ብሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር 493 ድምጺ ኣንጻር 30 ድምጺ ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ብላዕለዋይ ባይቶ እታ ሃገር ይዝተየሉ ኣሎ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ሓድሽ ብራኸ እምነትን ፍቕርን ተስፋን።" ብዝብል ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ኣብታ ኣብ ማርሴል እትርከብ ቬሎድሮም ዝተሰምየ ናይ ስፖርት ሜዳ ልዕሊ 50,000  ምእመናን ኣብ ዝተረኽቡሉ ንህይወት ክፉት ዝኾነን ከምኡውን ንሕውነት ዘተባብዕ ሥርዓታት ንኽሃጹ ብምሕታት፣ ነታ ኣብ ፈረንሳን ኣብ መላእ ኣውሮጳን እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ነዚ ምሕጽንታ እዚ ከቕርቡ ተረኺቦም ኢዮም ።

ብፍላይ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ቅዱስነቶም፣ "ሲኒክነትን ስንብታናን" ዝብላ ክልተ ብርቱዓት ቃላት ጠቒሶም ። እዚኣቶም ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ንሕብረተሰብና ዘሳቕዮ በሰላን ከምኡውን ናብቲ "ኣብ ታሪኽና ዝሰርሕን፣ ዘደንቕ ነገራት ዝፍጽምን ከምኡውን ኣብዚ ብዓለማዊ ኣተሓሳስባን ብገለ ሃይማኖታዊ ተጉላባነት ዝተበከለ ሕብረተሰብና ውን ከይተረፈ ዝዓዪ ዘሎ" ጐይታ ብምውካል ናብ ሰማይ ከም እንጥምት ዝገብሩና ኢያቶም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ብዛዕባ እቲ ካብ እተነጽገ ህይወት ስደተኛታት ኣትሒዙ ኽሳዕ እቶም ዘይተወልዱ ሕጻናት ወይ እተረስዑ ሽማግሌታት ዜጋጥሞም ዜሕዝን ፍጻመ ኣስተንቲኖም ፣ ንኸነፍቅር ንሓድሕድና ንኽንትሓሳሰብ ማለት ኣብ ቅድሚ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዘላ ጃልባ ስደተይናታ ዀነ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ማሕጸን ኣደ ዘሎ ኣዝዩ ተነቃፊ ዅነታት ህይወት ዓይንና ዓሚትና ዕውራት ኮይና ከይንህሉ ገዛእ ርእስና ክንምርምር ሓተቱና ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ እዋን እቲ ናብ ፈረንሳ ዘምጽኦ ሓያል ተስፋን ብርሃንን ቈራጽነትን ዝሓዘ መልእኽቲ ኢዩ ዝነበረ ።

እንተዀነ ግን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ  ኣብቲ ኣብ ከተማ ፓሪስ እተገብረ ሃገራዊ ባይቶ መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ክተኣታቶ ኣጽዲቑ ይርከብ ኣሎ ።

እቲ ብመንግስቲ ፈረንሳ ዝቐረበ ምምሕያሽ ቅዋም እታ ሃገር፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ጉባኤ ላዕለዋይ ባይቶ ፈረንሳይ ይዝተየሉ አሎ ። ኣብዛ ብውግእ ቆሲላ ዘላ፣ ብልዑላውነታውን፣ ሕዝባውን፣ ሓሻሽነታዊ ዝንባሌን ከምኡ ውን ካብቲ እቶም ናይ ኤውሮፓ መስረትቲ ኣቦታታ ዝዀኑ ኣልሳይድ ደ ጋስፐሪ፣ ሮበርት ሹማን፣ ኮንራድ ኣደናወር ዝነበሮም ራኢ ዝረሓቐ ቝጠባዊ ስልትታት አብ ዘስፋሕፍሓሉ፣ እቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ብሓቂ ድራኸን ወሳንን ኮይኑ፣ ኣብ ገጽ ደቅሰባት ድማ ብርሃን ዘብርህ ኢዩ ዝነበረ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መስከረም 2021 ካብ ስሎቫኪያ ክምለሱ እንከለዉ ነቶም ምሳኦም አብ በረራ ንዝነበሩ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ምንጻል ጥንሲ ቕትለት ወድሰብ እዩ!" እንክብሉ ብንጹር ከም ዝተዛረቡ ዝዝከር ኢዩ ። እሞኸ ደኣ ከመይ ቢሉ ኢዩ ኣብ መሰረታዊ ቻርተር መንግስቲ ናይቲ ንደቅሰብ ክጣበቕ ዝለዎ ቅትለት ወድሰብ ከፍቕድ ዝኽእል ?

እዚ ዘሎናዮ ዘመን ብተክኖሎጅያዊ መዳይ ዝማዕበለን፣ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ከአ ከም መርበብ ኣብ እተተሓሓዘ ሕብረተሰብ ኢና እንነብር ዘለና። ዕቤት ህይወት ወድሰብ ኻብ ጥንሲ ኣትሒዙ ንዓሰርተታት ዓመታት ምስጢር ኰይኑ ኣይፈልጥን እዩ ። ዕቤትን ምዕብልናን ህይወት ወድሰብ ንምግላጽ ቅድሚ ድቂ ፣ ድቂ ፣ ናጽላ ፣ ቈልዓ ፣ ኰተቴ ፣ በጽሒ ፣ ኣረጋውያን፣ እናበልና እንጥቀመሎም ቃላት አለዉና፣  ቍጽሪ ዋህዮታት ዚቕየረሉ፣ ኣእምሮኣዊ ብስለት ዚቕየረሉ፣ ዜድልዮ ሓገዝ ውን ይቀያየር ይኸውን፣ እንተ ዀነ ግን ወትሩ ወድሰብ ሰብ ኢዩ።

"ንሓደ ጸገም ንምፍታሕ ሰብኣዊ ህይወት ምቕታል ቅኑዕ ድዩ? ክብሉ ጋዜጠይናታት ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ብራቲስላቫ ናብ ሮሜ ክምለሱ ከሎለው ሓተትዎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብዕለት 20 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ከምዚ ብምባል ገለጹ - "ሕብረተሰብ በቲ ዝገብሮ ደረታትን መኸላእታታትን ኣይኮነን ዝምዘን እኳ ደአ በቲ ዘለዎ ዓቐን ፍቕሪ ኢዩ፣ ከምኡ ውን “ነጻነት ኣብ ፍቕሪ ኢያ ትፈልቕ፣ ማለት በቲ ኣብ ክርስቶስ እንርእዮ ፍቕሪ ግብረ-ሰናይ፣ እዚ ማለት ከአ ብሓቂ ናጻን ሓራ ዘውጽእን ፍቕሪ ኢዩ።"

ኣብዚ መባእታዊ መስርሓት ናይቲ ባይቶ አብ ዝካየደሉ ዘሎ፣ ፈረንሳውያን ብፁዓን ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ክግበር ዝሕሰብ ዝሎ ምምሕያሽ ዘለዎም ሻቕሎት ገለጹ፣ ነፍሲ ወከፍ ህይወት ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ሃንጐፋይ ኢልና ክንቅበሎ ዘሎናን ከነገልግሎ ዘለናን ህያብ ኮይኑ ተነቃፊን ክቡርን ውህበት ኢዩ ክብሉ ዘለዎም ሓቀይና መረዳእታ ኣነጸሩ ።

ደቅሰብ ነቲ ኤውጀኒካዊ ስነ-ሓሳብ ወትሩ ይኹንንዎ ክንዲ ዝኾኑ፣ ንሓደ ድቂ ኸም ሰብ ዘይኰነስ ከም ቁሳዊ ባእታ ገይሮም ብምርኣይ ከም ድላዮም ክገብርዎን፣ ከም ሓደ ኣቕሓ ክሓርይዎን ደአ እምበር ከም ሰብ አይርእይዎን ኢዮም ። ኣብዚ መዳይ እዚ ምንጻል ጥንሲ ሓደ ፍቑድን፣ ሳዕቤን ናይዚ ዓይነት ኣተሓሳስባን ኮይኑ ኢና እንረኽቦ ። እቲ ዘገርም ከኣ ሕጂ ኣስተውዒልና ክንርእን፣ ናጻ ኽንከውን፣ ከነወፍን ወይ ክንሕግዝ ከም ዘይንኽእል ኢዩ ገይሩና ዘሎ።

ኣብዛ ብብዙሕ ዓመጻ ዝቘሰለት ዓለም ነተን ኣጸጋሚ ጥንሲ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮን፣ ነቶም ኣብ ማሕጸን ዘለዉ ህጻናትን ሓገዝን ቈላሕታን ፍቕርን ንምክፋል ጽቡቕ ዓለምለኻዊ ስልቲ ምህናጽ ኣጸጋሚ እዩ ዚመስል ዘሎ ።

ይኹን እምበር ከምቶም ንህይወት ዚድግፍ ማእከላት ወትሩ ዝሕብርዎ እቲ እንኮ መፍትሒ ምንጻል ጥንሲ ክኸውን ዝኽእል ኣብዚ ከምዚ ዝመሰለ ኣጸጋሚ  እዋን ንደቂ ኣንስትዮ ብቝጠባ፣ ብሕጋዊ መሰላት፣ ብስነ ኣእምሮኣዊ ሓገዛት፣ ብሃይማኖት ከምኡውን ብማሕበራዊ መዳይ እንተ ዚድገፋ ነይረን ብዙሓት ህጻናት ካብ ሞት ምደሓኑ ።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዘይሃስስ ፖለቲካዊ ወይ ስነ-ምግባራዊ ተጻብኦታት ኢና እንኣቱ፣ እቲ ብድሆ ግን ሕግታት ምውጻእን ቅዋም ናይ ሞት ምጽዳቕን ዘይኰነስ፣ ናይ ህይወት ውጥናት ምትዕርራይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ ። ኣንጻር ስቓይን ፍርህን ጽንፈይናነትን ኣሰቀቐቲ ኵነታትን ክጣበቑ ዚኽእሉ ማሕበረ ሰብኣዊ ህንጻታትን ሓቅታትን ወፍርታትን ምስ እነደልድል ኢና ካብዚ ኩሉ ክንገላገል ንኽእል ።

ምሕጋዝ ማለት ምፍቃር ማለት እዩ፣ ንኽትመርጽ ድማ ነጻ ኢዩ ዝገብረካ ። እብዚ ሕውነታዊ ዝኾነ ኣድማስ፣ ንሓድሕዱ ዝከናኸን ማሕበረሰብ ከኣ ገዛእ ርእሶም ዘጽንቱ ዘይኮኑስ፣ የግዳስ ናብቲ ንሓቂ መርሓባ ኢሉ ዝቕበልን ዘማቕን ሰላም ዝገብርን ባህሊ ዘለዎ ማሕበረሰብ ይሃንጽ።

09 February 2024, 16:51