ድለ

ቅትለት ደው ይበል! ቅትለት ደው ይበል!  (ANSA) ርእሰ ዓንቀጽ

ቅትለት ደው ይበል!

ናይ ዜና ቫቲካን ርእሰ ዓንቀጽን ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዛዕባ እቶም ካብ ምጅማር ኲናት እስራኤልን ሓማስን ጀሚሩ ኣብ ጋዛ ዝተቐትሉ 30 ሽሕ ሰባት ኣማእኪሎም ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ ዘብርህ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥ ናይ ካርዲናል ፓሮሊን ቃል ቅትለት ደው ክብል ዝዕድም ምዃኑ የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ብኣሸበርቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ኣባይቲ ስድራ እስራኤል ዝተፈጸምዎ ህልቂት፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን “ኢሰብኣዊ” እንክብሉ ገሊጾም፥ ምፍታሕ ጅሆታት ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግብኦ ጉዳይ እውን ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ብዛዕባ መሰል ምክልኻል እስራኤል ሕጋዊ ምዃኑ ገሊጾም፡ ምጥቃም ዝተመጣጠነ ሓይሊ ዝብል ኣገባብ መሰረት ዝገብር ክኸውን ከም ዘለዎ ዘብርህዎ ጉዳይ ምዃኑ ቶርኒየሊ የዘኻኽሩ።

ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 13 ለካቲት ኣብ መወዳእታ ምስ ሰበስልጣን ኢጣልያ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዝገብርዎ ቃለ መሕትት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎን ህልው ኩነታት እቲ ዞባ ብዘየማትእ ቃላት ኮኒኖም፡ ኣተሓሒዞም እውን ኩሉ ዓይነት ጸረ-ሴማውነት" ይኹንኑ፤ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ "መሰል ርእሰ ምክልኻል እስራኤል ተመጣጣኒ ሓይል ዝጥቀም ክኸውን ከም ዘለዎን፡ ብርግጽ ድማ ምስቲ ዘጋጠመ ሞት 30 ሽሕ ከተነጻጽሮ እንኮለኻ ግን ዝተመጣጠነ ማዕቅን ዘይብሉ ስርሒት ምዃኑ ንጹር እዩ" ዝብል መግለጺ ብኣጽንዖት ደጊሞም ይቃልሑ። ወሲኾም "ኩላትና በቲ ዝፍጸም ዘሎ፡ በዚ ቅትለት ከምዝተቖጣዕና እኣምን፡ ግን ንቕድሚት ክንስጉምን ተስፋ ከይንስእንን ትብዓት ክህልወና ኣለዎ" እንክብሉ ይዕድሙ። እዚ ዘቕረብዎ ዕድመ ንተስፋ ንምቑራጽ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዘይተርፍ እዩ ዝበሃል ዘሎ፡ ሰላም ከምጽእ ዘይክእል ግን ከኣ ሓድሽ ጽልኢ ንምፍጣር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዝተሓላለኸ ዓመጽ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝኾነ ቶርኒየሊ ኣብሪሆም፥ ደራሲትን ገጣሚትን ኢጣልያዊት ተወላዲት ሃንጋሪ ምስ “ኢል ፋቶ ኮቲድያኖ”  እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፡ እዘን ኣብ ጽድያ 1944 ዓ.ም. ኣብ መበል 13 ዓመት ዕድሚአን፡ ኣብ ሃንጋሪ ኣብ ዝነበረ ሳቶራልጃውጀሊ ኣብ እተሰምየ ስርዓት ናዚ ኣብ ዘቖሞ መዳጎን ሰፈር ተታሒዘንን ደሓር ናብ ኦሽዊትዝ መዳጎን ሰፈር ምስ ኩሎም ኣይሁዳውያን ዝተወስዳ - ልክዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ዝመሳሰል መርገጺ ከም ዘለወን ተስተውዕል።  ንሰን ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መራሔ መንግስቲ እስራኤል ነታንያሁ ኣበርቲዐን ይነቕፋ፡ "ጸረ-ሴማውነት ዳግማይ ዘበራብር ብምዃኑ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝርከቡ ኣይሁድውያን ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ ከም ዝበላን፡ እዚ ድማ እቲ ፈጺሙ ዘይጠፈአ ጸረ ሴማውነት ኣናገደደን ዘኽይዶ ክኸውን ከም ዝኽል ዘለወን ስግኣት ገሊጸን፥ ወሲኸን እውን በዚ ሕጂ ዘሎ ኣካይዳ ኣሸበርቲ ፈጺሞም ክውገዱ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብለን ይገልጻ።

ቃላት ክልቲኦም ማለት ናይ ካርዲናል ፓሮሊንን ኣይሁዳዊት ገጣሚት ኤዲት ብሩክን ካብቲ ክውንነታዊ ኣረኣእያ ናይቲ ዝቕጽል ዘሎ መዓን ዝምንጩ እዩ። ቅድስቲ መንበር ኩሉ ግዜ ኣብ ጎኒ ግዳያት እያ ዘላ። በዚ ድማ ኣብ በዓል ኪቡዝ ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ገዝኦም ዝተጨፍጨፉ እስራኤላውያንን ነቶም ካብ ስድርኦም ተመንዚዖም ጅሆ ዝተታሓዙ ልክዕ ከምቶም ኣብ ጋዛ ብቦምብታት ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ሓደ ሲሶ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ዝተቐትሉ ንጹሃን ዜጋታት እያቶም፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራ፡ ኩሉ ዘዕንው ዘሎ ውሕስነት እዩ ቢሉ ክገልጾ ዝኽእል ሰብ የሎን። እቲ እስራኤል ነቶም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ተሓተትቲ ሰባት ናብ ፍትሒ ናይ ምቕራብ መሰላ፡ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ህልቂት መመኽነይታ ገይርካ ምቕራብ ዝከኣል ኣይኮነ።

ዕለት 17 ታሕሳስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥  "ኣጽዋር ዘይብሎም ሰላማውያን ሰባት ደብዳብ ይዘንቦም ኣሎ።... ገሊኣቶም ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ግብረ መልሲ፥'ግብረ-ሽበራ ኢዩ ውግእ ኢዩ” እንክብሉ ይገልጽዎ። እወ ውግእ እዩ ግብረሽበራ እውን እዩ! ቢሎም ስለዚ “እግዚኣብሔር ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳኣታ ይገብረሉ፣ ንቐስቲ ይሰብሮ፣ ንዅናት ይቐራስሞ፣ ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ" ዝብል መዝሙረ ዳዊት 46, 9 ጠቒሶም፥ ንጎይታ ሰላም ብሓባር ንጸሊ ከም ዝበሉን ዕለት 14 ለካቲት፥ ኣብ ዝተጀመረ ዓቢይ ጾም ቍጽሪ እቶም ንጹሃት ግዳያት እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን ዓለምና ናብ መዓሙቝ ቅድሚ ምብጻሓ እቲ ኣጽዋር ስቕ ንኽብል ዝያዳ ህጹጽ ይኸውን” እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘውጽዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

15 February 2024, 15:45