ድለ

2021.02.01 Progetto dicasteri: Dottrina della fede 2021.02.01 Progetto dicasteri: Dottrina della fede 

'ብቕዓት ምሥጢራት፣ ሥርዓትን መጋበሪታትን ኪልውጡ ኣይከኣልን እዩ'

ኣብዚ ሥርዓተ ሊጡርጊያዊ ዓመጽ ዝበዝሓሉ ዘመን፣ ብዛዕባ ጉዳይት ዓምንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር "በግብር ወበቃል" (Gestis verbisque) ዘርእስቱ ናይ ሰረተ-እምነት መግለጺ ዝሓዘ ሰነድ ኣውጺኡ፣ እዚ ሰነብድ እዚ እቲ አብ ነፍስ ወከፍ ቀንዲ ሥርዓተ ቅዱሳት ምስጢራት እተሠርአ ቃላትን መንጋበርን ዝኾነ ዓይነት ለውጥታት ምግባር ነቲ እተሰርዐ ምስጢር ዘይብቑዕ ስለዝገብሮ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ክቕየር ከም ዘይክእል ይገልጽ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዛ "በቃል ወበግብር" ዘርእስታ ካብቲ ብዛዕባ ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መነበር ዝወጸት ሓዳስ ሰነድ ዝሓለፈ ቀዳም 3 ለካቲት እያ ተሓቲማ።

ኣባላት ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝዀኑ እሞ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ እተገብረ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓመታዊ ጉባኤ ናይዚ ቤትጽሕፈት እተሳተፉ ብጹዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ብዛዕባ እዚ ሰነድ እዚ ተመያይጦም ብሓደ ድምጺ ዝሰመሩልን እንክኸውን፣ ስዒቡ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝጸደቐ ሰነድ ኢዩ ።

እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሥርዓተ ምስጢራት እተሰርዐ ቀንድን ኣገዳስን ዝኾነ ሥርዓታትን መጋበሪታትን ብስም ናይ መሃዝነትን ዝኾነ ይኹን ሰብ ብፍቓዱ ክቕይሮ ከም ዘይክእል የረጋግጽ ።

እዚ ከምዚ ዝመሰለ ተግባር ነቲ ሥርዓተ ምስጢር ዘይብቑዕ ይገብሮ፣ ስለዚ እቲ ምስጢር ፈጺሙ ከም ዘይተገብረ ነቲ ከስዕቦ ዘለዎ ጸጋ ከም ዘየውህብ ኢዩ ዝገብሮ  ።

ካርዲናል ፈርናንደዝ ዘቕረብዎ መግለጺ

ብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ፈርናንደዝ እቶም ናይቲ ብዛዕባ ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንት፣ ነዚ ሰነድ ኣብ ዝተዘርግሓሉ ዕለት ምንጪ ናይዚ ሰድ እዚ ከመይ ከም ምዃኑ መግለጺ ኣቕሪቦም።

ብምኽንያት እተገብረ ምቕይያራት " ገለ ብርክት ዝበሉ ቁጽሪ ምእመናን እቲ እተፈጸመሎም ጥምቀት ወይ ቅብኣተ ሜሮምን ስለዘየተኣማመኖም ክድገመሎም ብምርኣይ ብዙሓት ምእመናን ንዝተራእዮም ስግኣታት ስለዝገለጹ” ዘይብቁዕነት ናይቲ ዝተፈጸሎም ምስጢር ምዕዋጅ ግድን ኮይኑ ተረኾቡ አሎ ክብሉ አመልከቱ ።  

ንኣብነት ኣብ ሥርዓተ ምሥጢረ ጥምቀት ንዝተገብረ ምቕይያር ብምጥቃስ "ብስም ፈጣሪ አጠምቐካ አሎኹ..." ወይ ውን "ብስም ኣቦን ኣደን... ነጥመቐካ ኣለና" ዝብሉ ከም ዘለዉ ኣመልኪቶም።

እዚ ከምዚ ዝበለ ኣገባባት ንገለ ገለ ካህናት ውን ከተረፉ ብዛዕባ ብቕዓት እተቀበልዎ ምሥጢረ ጥምቀት ዘሻቕሎም ኩነታት ኮይኑ አሎ፣ እዞም ካህንት እዚኣቶም "ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ እተቐምቁ እንተ ደኣ ኮይኖም፣ ብዘሰንብድ ኩነታት እቲ መዓርገ ክህነቶም ውን ከይተረፈ ዘይብቁዕ ምዃኑ ተፈሊጡ።” አሎ እንክብሉ ክበድ ናይዚ ኩነታት ገሊጾም።

ካርዲናል ፈርናንደዝ ከም ዝገለጽዎ "ኣብ ካልእ መዳያት ናይ ቤተ-ክርስትያን ጉስነታዊ ኣገልግሎታት ንመሃዝነት እኹል ቦታ እኳ እንተሃለዎ " ብዛዕባ ሥርዓተ ምስጢራት ኣብ አምልከት ኩነቱ ግን እዚ " 'ናይ ዓመጽ ተግባር' ኢዩ " ብምባል ገሊጾም።

ንዕዮ ኣምላኽ ዝወሃብ ቀዳምነት

እዚ ሰረተ-እምነታዊ ሰነድ ከም ዘመልክቶ "ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ወድሰብ ንምድሓን ዘውጸኦ መደብ በቲ ብጽኑዕ ውህደት ዘለዎ ተግባራትን ቃላትን ገይሩ ይገልጸሎምን ይፍጽሞን እዩ" ይብል።

ይኹን እምበር ወሲኹ ውን እቲ ሰነድ ከምዚ ይብል - "ሊጡርጊያዊ ሥርዓታት ብፍላይ ከኣ ሥርዓተ ምሥጢራት ወትሩ በቲ ቤተ-ክርስትያን እትእዝዞ ሥርዓታትን ኣገባባትን ምሉእ ብምሉእ ብተኣማንነት ይግበር ከም ዘየሎ ከነጕልሕ ኣሎና።"

ቤተ-ክርስትያን "ነቲ ኣምላኽ ዝፍጽሞ ተግባር ቀዳምነት ክትህቦን ሓድነት ኣካል ክርስቶስ ኣብቲ ክህነታዊ ዝኾነ ተግባር ክርስቶስ ውሕስነት ዝህብ ቅዱስን 'ብሉጽን' ተግባር ብምዃኑ መጠን፣ ነዚ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሥርዓተ አገልግሎት ክትሕሉን ግዴታ ኣለዋ።"

ብፁዕነቶም ከም ዝገለጽዎ ኣብ ቤተ-ክርስትያን "ጸጋ ኣምላኽ ምዕዳል ክበሃል ከሎ ንጸጋ አምላኽ ምውናኑ ማለት ዘይኰነስ፣ ውህበት ናይቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ኣብ ምምሕልላፍ መሳርሒ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምዃን ማለት ኢዩ ክብሉ ይገልጹ ። ብፍላይ እቲ ምስ ቅዱሳት ምሥጢራት እተተሓሓዘ ስልጣን ቤተክርስትያን (ብላቲን ፖተስታስ) ኣብ ቁውም ሥርዓት ናይቶም ምሥጢራት ዝፍጸምን ከምኡውን "ብቅዱሳት ምሥጢራት ኣቢላ ነቲ ኢየሱስ ብሕድሪ ዝሃባ ናይ ምድሓን ተግባር ክትዕቅቦ ከም ዘለዋ" ውን ትፈልጥ ኢያ ።

ሥርዓትን መጋበርን

ኣስዒቡውን  እዚ ሰነድ ብዛዕባ "መጋበሪ ናይ ምስጢራት ኣብቲ ክርስቶስ ዝፍጽሞ ተግባራት ደቅሰብ ዝውዕል ኢዩ ክብል ይገልጾ ። ሓድሓደ ግዜ ኣብኡ ቁሳዊ መጋበሪታ ከም (ማይ ህብስቲ ወይኒ ዘይቲ) ንጥቀም ኢና፣ ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ፍልይ ዝበሉ ምልክታት ከም (ቡራኬ ብትእምርተ መስቀል፣ ምንባር ኣእዳው፣  ምጥላቕ፣ ምምላእ፣ ብቅብኣት ምቕባእ) ድማ ነካይድ ኢና።"

እቲ ሰነድ ኸም ዝገለጾ እቲ ሥርዓተ ምሥጢራት "ነቲ ተራ ትርጕም ዘለዎ ቁሳዊ መጋብሪን ነቲ ሰባት ብዛዕባ እቲ ተግባር ዘለዎም ፍጹም ሰብዓዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባን ብምልዋጥ፣ ነቲ ሥርዓት መልእልተባህርያዊ ትርጉም ብዝህቦ ቃል ዝቘመ ኢዩ። ከምዚ ዝዓይነቱ ቓል ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝተወስደ፣ ምንጩ ድማ አብቲ ህያው ዝኾነ ትውፊት ቤተክርስቲያን ዝረኸበ፣ በቲ ስልጣነ ኣስተምህሮት ቤተክርስቲያን ብዕሊ ዝተኣወጀ ኣስተምህሮት ክኸውን ኣለዎ።”

ስለዚ ሥርዓትን መጋበር ቅዱሳት ምስጢራት "ኣብ ፍቓድ ውልቀሰባት ወይ ኣብ ፍቓድ ውልቀ ማሕበራት ፈጺሙ ኣይምርኰስን ወይ እውን ክምርኮስ አይክእልን ኢዩ።"

ሥርዓተ ምሥጢራት ፈጺሙ ኺልወጥ ኣይክእልን

እቲ ሰነድ ከምዚ ብምባል ይቕጽል - "አብ ዝኾነ ይኹን ኩነት ኣብ ኵሎም ቅዱሳት ምሥጢራት ብብቕዓት ንምፍጻሞም ኩሉ ሳዕ ነቲ ዝእዝዞ ሥርዓትን መገባርን ምኽባር የድሊ፣  ከመይሲ እቲ ዝኾነ ይኹን ለውጢ ዝግበር አብቲ ሥርዓታቱ ወይ ኣብቲ መጋበሪ ብኣፍልጦ ምስ ዝግበር ንክበድን ንብቕዓትን ዝትንክፍ ብምኹኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ኺረጋገጽ ከም ዘለዎ ብምግንዛብ፣ ነቲ ናይ ሓቂ ጸጋ ናይ ቅዱሳት ምሥጢራት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን፣ ንምእመናን ከም ዚጐድእን ንጹር እዩ።"

ልክዕ ኣብቲ ዕላዊ ዝኾነ ሊጡርጊያዊ መጻሕፍቲ ከም እንረኽቦም "ዝዀነ ይኹን ነገር ከይወሰኽካ ከይነከኻ ወይ ከይቀየርካ" ብተኣማንነት ክፍጸም ኣለዎ።

ሥርዓተ ኣፈጻጽማ ምሥጢራት

ከምቲ አብቲ ቅዱስ ጉባኤ እተሰምየ ቅዋም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተገሊጹ ዘሎ ንቤተ-ክርስትያን ካብ "ነቓጽ ዝኾነ ውህደት" ዝዕቅባ ገለ ገለ ፍልልያት ብምፍቃስ ሓደ ዓይነት  ሊጡርጊያዊ ሥርዓት ንክህሉ ኣኽኢሉ ኢዩ።

ይኹን እምበር እዚ ነቲ ሥርዓተ ምስጢራት ብዝያዳ ንኽንርድኦን ተሳትፎ ምእመናን ንምትብባዕን ፍሉይነትን መሃዝነትን ኣብ ሥርዓተ ሊጡርጊያ እኳ እንተ ኣፍቀደ ነቲ ቀንዲ ብቕዓት ናይቲ ምሥጢር ዝትንክፍ ክኸውን የብሉን።

05 February 2024, 18:17