ድለ

ዓለም ለኸ ዓውደ ህንጸት ንካህናት ኣብ ሮማ ዓለም ለኸ ዓውደ ህንጸት ንካህናት ኣብ ሮማ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ዓለም ለኸ ዓውደ ህንጸት ንካህናት ኣብ ሮማ

ኣብ ቫቲካን ብዛዕባ ቀጻሊ መደብ ሕንጸት ካህናት ዝምልከት ንሓሙሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ዓለም ሓቆፍ መደብ ህንጸት - ናይ ጸሎትን ምቕርራብን ብኣሽቱ ጉጅለ ዝመዳደብ ናይ ሲኖዳውነት ቅዲ መሰረት ናይ ምስማዕ መደባት ዘጠቓልል ዕለት 6 ለካቲት ብወግዒ ከም እተጀመረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምንዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መላእ ዓለም ካብ ስሳ ሃገራት ዝመጹ ኣስታት ሽሕ ካህናት ኣብ ሮማ ኣብ ቀዋሚ ዓውደ ህንጸት ንካህናት ይሳተፉ ከም ዘለዉን፥ "ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ህያብ እግዚኣብሄር ዳግማይ ኣበራብሮ" ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ክሳብ ዕለት 10 ለካቲት ዝቕጽል ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተዳለወን ናይ ስብከተ ወንጌልን ምብራቓዊ ኣብያተ ክርስቲያናትን ብዝከታተሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይት ዝሕፈት ዝምወል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንካህናት ንምሕብሓብ ዝዓለመ ተልእኾ

ካርዲናል ላዛሩስ ዩ ሃንግ-ሲክ ህየንተ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ እዋን እዚ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ንኽኾኑ ከም ዝሸምዎምን ዝተዋህቦም ሓላፍነትን ኣብቲ ናይቲ ዓውደ ሕንጸት መኽፈቲ ዘስምዕዎ መደረ ዘኪሮም፥ "በታ መዓልቲ እቲኣ ሓደ ፈታውየይ ኣቡን 'ብህይወት ዘለዉ ዅሎም ካህናት ሕጉሳት ኣብ ምግባር ሓላፍነት ኣሎካ' ከም ዝበሎም ዘኪሮም፡ ነዘን ቃላት እዚኣተን "ክርስዐን ዘይክእል ኣያተን። ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ኸኣ ብቐጻሊ የሰንያኒ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዞም ኣብ ኮርያ ዝተወልዱ ጳጳስ ነቲ ዋዕላ ንኺውድቡ ዝደረኾም እዚ ርእይቶ እዚ እውን ምዃኑ ገሊጾም

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ካህናት "ደኺሞምን ተስፋ ቘሪጾምን በቲ ሎሚ ዘሎ ሕብረተሰብ ዜምጽኦ ብድሆታትን በቲ ዚስከምዎ ጾርን ዝተኸቡ" ምዃኖም ድማ ገሊጾም፡ ንካህናት ኣድላዪ ደገፍን ምትሕብባርን ምሃብን በዝ መሰረት እውን ቀጻሊ መደብ ሕንጸት ንካህናት ኣድላዪ ምዃኑን ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ምዃኑ ይስትውዓል።

ሲኖዳውነት ሃዋህው

ካርዲናል ሄንግ-ሲክ ንተሳተፍቲ ኣብ ዝስምዕዎ መደረ፡ “ካብ መጀመርታ ምድላዋት ነዚ ዓውደ ህንጸት ጀሚርና ናብዚ እትመጹ ክትመሃሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከም ሃነጽትን ቀንዲ ተዋሳእትን ኢኹም እትመጹ። ነፍሲ ወከፍኩም ክኢላን ተመክሮ ዘምጽእን እዩ” ቢሎም፥ ንኢጣልያዊ ካህን ደላይ ፍትሕን ንጡፍ ካህን ኣባ ኦረስተ ቤንዚ ዝበልዎ ጠቒሶም፥ “ክቕበል ዘየድልዮ ሃብታም ሰብ የለን፡ ዝህቦ ነገር ዘይብሉ ድኻ የለን፣”

በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ጉባኤ፡ “ብዝተኻእለ መጠን፡ ብቅዲ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ኣሳታፍን ሲኖዳውን ኣገባብ” ዝስዕብ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ካርዲናል ታግል፡ ህንጸት ንባህላዊ ብልሒ

ብሓባር ምስ ናይ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኮይኑ ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝመወለ ናይ ስብከተ ወንጌል ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶንዮ ታግለ እውን ቅድሚ ኣብቲ መስርሕ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ብቐዳምነት ካህናት ምስ ተሸሙ ህንጸት ከም እተወድአ ገይሮም ክሓስቡ ከም ዘይብሎም ብኣጽንዖት ብምዝኽካር፡ እንታይ ደኣ ልክዕ “ንኣገልግሎት እግዚኣብሔርን ቤተ ክርስቲያንን ስለ ዝተሸምና፣ ብቐጻሊ ክንህንጸት ዘድልየና ኢና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካህናት ነቲ “ባህሊ ከተደስቡጦ ወይ ፍጹም ስልጣን ንምሃብን ንኸተምልኾ ንዝድርኽ ዝንባለ” ንምብዳህ ቀጻሊ መደብ ህንጸት ወሳኒ ምዃኑ ብኣጽንዖት ብምዝኽካር፡ ዝተቐብኡ ኣገልገልቲ፡ “ባህልኻ ንምድናቕ ዝሕግዝ ባህላዊ ብልሒ” ክመሃሩ ኣለዎም፡ እንተኾነ ግን “ባህሊኻ ተነቃፊ እውን ምዃኑ ምእማን . . . ኣብ ካልኦት ባህልታት ዘሎ ጽቡቕ ባእታታት ንኸተስተውዕሎ ይድርኽ” ምስ በሉ፥ ኣብ መወዳእታ፡ ብዙሓት ካህናት ምስ ዝሳቐዩ ዝሳቐዩን ቀረባኦም ዝኾኑን ከም ዘለዉ ብምዝካር፥ ነቲ "ብቐሊሉ ናብ ሕነ ምፍዳይን ተጠራጣርነትን ዝኾነ ሰብ ዝገብሮ ዘበለ ኩሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓ ስለ ዘለዎ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ከምኡ እውን ናብ ጽልኢ ክመርሕ ዝኽእል ቍስልን ስቓይን" ዝገጥም ህንጸት ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 February 2024, 15:57