ድለ

2022.01.22 Ordinazione due sacerdoti e un diacono 2022.01.22 Ordinazione due sacerdoti e un diacono  (Vatican Media)

ካርዲናል ዩ ሂዩንግ-ሲክ፦ ዕለት ዕለት ምእንቲ ብጾተይ ካህናት ኢየ ዝጽሊ

ካርዲናል ላዛሩስ ዩ ሂንግ-ሲክ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ሥነ መዕበያ ካህናት ኣብ ሮማ ኣብ ዝግበር ናይ ሓባር ዋዕላ መግለጺ ሂቦም፣ ካህናት ኣብ ብምሉኡ ህይወት ኣገልግሎቶም ብቐጻሊ ክስነዪ ከም ዝለዎም አገዳሲ ጉዳይ ምዃኑ ገሊጾም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ላዛሩስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት "ፍቑራት ካህናት መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ዕለታዊ ጸሎተይ እዝክረኩም ኣለኹ!" ክብሉ መግለጺኦም ጀመሩ ።

እዞም ትውልደ ኮይርያዊ ዝኾኑ ካርዲናል ቀቅድሚ እቲ ኻብ 6-10 ለካቲት ክካየድ እተመደበ ናይ ቅድስቲ መንብር ብዛዕባ ጉዳያት ካህናት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንዘዳለዎ ዓብዪ ዋዕላ ምኽንያት ብምግባር እዮም መግለጺ ዝሃቡ ።
ካብ ልዕሊ 60 ሃገራት ዝመጹ 1,000 ዝዀኑ ክኢላታት ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፉ ምዃኖም ብፁዕ ካርዲናል ላዛሩስ ገሊጾም ። ኣገዳስነት ናይዚ ዋዕላ እንክገልጹ ድማ እዚ ዋዕላ እዚ ኣብቲ ንኻህናት ቀጻልን ድሕሪ ክህነትን ዚግበር ኣብ ምሉእ ሥነ መዕበያ ዘተኰረ ከም ምዃኑ ኣመልኪቶም ።
ካህናት ኣብ እዋን ኣገልግሎቶም "ንበይኖም ዝተሓድጉ" ዘይኰኑስ "ዝተሰነዩ" ምዃኖም ኣዝዩ ኣገዳሲ ኩነት ምዃኑ ገሊጾም።

ብፁዕነቶም ኣብ መግለጺኦም ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ካህንት ጽምዋን ተነጽሎም ከም ዝስምዖም ገለጹ፣ እዚ ዋዕላ ድማ "ህይወቶም ንኻልኦት ከካፍሉን" ከምኡውን "ሓቢሮም ንቕድሚት ክስጕሙን" ኣጋጣሚ ዝፈጥር ከም ምዃኑ ገሊጾም ።

ዓለምለኻዊ ረኪበ ቆሞሳት

ብፁዕ ካርዲናል ዩ ሃንግ-ሲክ ብዛዕባ እዚ ሎሚ ዕለት 6 ለካቲት ጀሚሩሉ ዋዕላ ድሕሪ ምግላጽ፣ ብተወሳኺ "ቆሞሳት ንሲኖዳውነት" ኣብ ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ጉባኤ ንምክያድ ኣብ ምስንዳው ከም ዘለዉ ኣመልኪቶም ።

እዚ ኣጋጣሚ እዚ በቶም ብዛዕባ ጉዳያት ካህናትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፣ ብቤትጽሕፈ ጠቅላሊ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳትን ብሕብረት ዝዳሎ ኰይኑ ካብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም ዝመጹ 300 ካህናት ንሓሙሽተ መዓልቲ "ጽን ንምባልን ንጸሎትን ንሜመያን" ኣብ ከተማ ሮማ ክእከቡ ኢዮም ።

እዚ ጉባኤ እዚ ኻብ ሰንበት 28 ሚያዝያ ኽሳዕ ሓሙስ 2 ግንቦት 2024 ኣብቲ ኣብ ጥቓ ሮማ ዚርከብ ፍራተርና ዶሙስ ዚበሃል ቦታ ክካየድ እዩ። ሓሙስ ዕለት 2 ግንቦት ከአ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተቐቢሎም ክረኽብዎም ኢዮም ።

ብመሰረት እቲ ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እዚ ረኪበ ቆሞሳት እዚ ነቶም ኣብቲ ብ2023 እተገብረ ናይ መጀመርታ ክፍላ ጉባኤ መበል 16  ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት እተሳተፉ  ንዝገለጽዎ ስክፍታታት ምላሽ ንምሃብ ዝዓለመ ኢዩ። እዞም ተጋባእቲ እዚኣቶም "ኣብታ  እትቕጽል ዓመት ዲያቆናትን ካህናትን ጳጳሳትን ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ብንጥፈት ንኽሳተፉ መገድታት ከማዕብሉ" ኣድላዪ ምዃኑ ኢዮም ገሊጾም። በዚ ኸምዚ ድማ እዞም  ተሳተፍቲ አብ መግለጺኦም "ቤተክርትያን ብዘይ ድምጾምን ተመክሮኦምን ኣበርክቶኦምን ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን ክትከውን ኣይትኽእልን እያ" ኢሎም ጽሒፎም ይርከቡ ።

እቲ ኣብቲ ጉባኤ እተረኽበ ርኽበታት ኣብቲ ኣብ ጥቅምቲ 2024 ንኻልኣይ ክፍላ ጉባኤ ሲኖዶስ እተዳለወ ናይ ስራሕ ሰነድ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኢዩ ።

06 February 2024, 15:49