ድለ

ካርዲናል ችዘርኒ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ካርዲናል ችዘርኒ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም  (© X - VaticanIHD)

ካርዲናል ችዘርኒ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም

ካርዲናል ማይክል ችዘርኒ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘካየድዎ ናይ ሓደ ሰሙን ዑደት መዛዘሚ መዓልቲ ብስም ሓላዊት ቅድስቲ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ጆሴፊን ባኪታ ዝተሰምየት ጃልባ ከም ዝባረኹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት መወዳእታ መዓልቲ፡ ንሩባ ኣባይ ክሰግሩ ዝተገደዱ ስደተይናታት እተገልግል ጃልባ ከም ዝባረኹን እታ ጃልባ ጽልኢ፡ ዓመጽ፡ ሕነ ምፍዳይን ቅርሕትን ዘይብሉ ምልክት ሓድሽ ህይወት ኣብ "ህዱእ ማያት" ከም ዝኾነትን ብስም እታ ኣብ ሓደ እዋን ጊልያ ዝነበረት ናይ ኩሎም ግዳያት ናይ ቀደምን ሓድሽን ጊልያነት ሓላዊት ቅድስቲ ቢላ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝሰመየታ ኣብ ዳርፉር ዝተወልደት ጆሴፊን ባኪታ እውን ከም እተሰምየትን እታ ጀልባ ብናይቲ ከባቢ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ካብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዝመጹ ስደተይናታት ንምጉዕዓዝ ቅጥቀሙላ ተሓሲቡ ካብ ሕጺንን እንጨይትን ዝተሰርሐት ከም ዝኾነትን፡ እታ ሃገር በቲ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ግጭት ከም ዝዓነወትን እዚ ድማ ኣዝዩ ዓቢ ሰብኣዊ ህጹጽ ኩነታት ዘበገሰ ኮይኑ፡ 25 ሚልዮን ሰባት ሓገዝን ሓለዋን ከም ዘድልዮም ግምታት ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ህዱእ ማያት

እታ ጃልባ ካብ ሃገር ዝሃድሙ ሰባት ነቲ ሓደጋታትን ዕንቅፋታትን ዝበዝሖ ሰፊሕ ሩባ ክሰግሩ ክትሕግዞም እያ። ካብ ዶብ ሬንክ ናብ ማላካል እተጓዕዝ እያ። "እቲ ህቦብላ ግጭት፡ ዓመጽ፡ ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ገዲፋ፡ ሰባት ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓባር ክነብሩሉ ዝኽእልሉ ኣብ ህዱእ ማያት እትጓዓዝ ጃልባ ክትከውን እያ" እንክብሉ ካርዲናል ችዘርንይ ኣብቲ ኣብ ወደብ ጁባ ዝተኻየደ ነታ ጀልባ ናይ ምብራኽ ስነ-ስርዓት ገሊጾም፥ ። እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ጃስቲን ዌልቢን ናይ ስኮትላንድ ቤተ ክርስቲያን ኣካያዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ መጋቤ ያን ግሪንሸይልድስ ብሓባር ኣብ ዝገበርዎ ኵላዊ "ንግደት" ዘቕረብዎ ጻውዒት ሰላም ድሕሪ ሓደ ዓመት ካርዲናል ችዘርንይ ናይቲ ዕለት 2 ለካቲት ዝጀመርዎ ናይ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ መዛዘሚ ዝፈጸምዎ ስነ ስርዓት ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ምብጻሕ ናብ ሬንክን ማላካልን

ኣብ መዛዘሚ ዑደቶም ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ ማላካል ዕለት 8 ለካቲት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ምስ እተብዕሎ ዓመታዊ ዝኽሪ ቅድስቲ ባኪታ ጠበቓ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፥ ዓለምለኸ መዓልቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ናይ ሓሶት "ኣማልኽቲ" ወይ "ጣኦታት" ከም ስስዐ ገንዘብን ስልጣንን፡ ጥሜት ምቁጽጻርን ዕብለላን፡ ካብ ብሔርተይናነት ዝመጽእ ምግላልን... ቀቢላውነት፡ ኩሉ ክፍኣት ክሳብ ሕጂ ንህይወት ካልኦት ዘጥፍእን ንባዕላ ደቡብ ሱዳን እውን ኣዕኒዋ እዩ። ዋላ እኳ ድሩት ጸጋታት ናይቲ ከባቢ እንተሃለዎ፡ ብሃገረ ስብከትን ማሕበረሰብ እቲ ከባብን ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ኣድኒቖም ብምምስጋን ኣብ ሬንክ፡ እቶም ኣብ መቐበሊ ማእከል ተመለስቲ ሱዳናውያን ስደተይናታትን ዑደት ከም ዘካየዱን ኣብታ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 4 ለካቲት ኣብ ርእሰ ከተማ ጁባ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅድስቲ ተረዛ መስዋተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን፡ እቲ ኣብ ኣሰር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ዑደት ክኸውን ከም ዝደለዩ፣ እዚ ድማ ንህጹጽ ኩነታት፡ ከምኡ’ውን መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ስደት ዘስዕቦ መዓት ምልክት ዓቢ ኣቓልቦ ቤተ ክርስቲያን እዩ።

ተልእኾ ቀጽልዎ

ካርዲናል ችዘርንይ ነታ ጀልባ ንኽባርኹ ኣብ ዝተኻየደ መንፈሳዊ ስነ ስርዓት ክንበብ ዝመረጽዎ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ዘህድኦ ህቦብላ ዝዛረብ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 8፣ 22 – 25 ዝተወስደ ኮይኑ፥ ነዚ ዝሓረይዎ ድማ "ኣብ ባሕሪ ዘጋጠመ ህቦብላ ንፋስ ምልክት፡ ውክልና ናይቲ ደቡብ ሱዳን ዘጋጠማ ዘስካሕክሕ ግጭታትን መከራን እዩ ኢልና ክንሓስብ ስለ እንኽእል፡ ኣገዳስነት እዛ ጃልባ ከነስተማቕር ዝሕግዘና ክፍሊ ወንጌል ብምዃኑ እዩ" ቢሎም፥ ኢየሱስ፡ ኣብታ ጃልባ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ገምገም ባሕሪ ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ነቲ ህቦብላ ከም ዘህደኦ ገሊጾም። እዚ "ኣብ ተልእኾና፡ ጉዕዞናን ግቡእናን ክንፍጽሞን ክንቅጽሎን ዝግብኣና ተግባር እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ምልክት ፈዋሲ ህላወ ኣምላኽ

እታ ጆሴፊን ባኪታ እተሰንተት ጀልባ፥ "ስራሕ ቤተ ክርስቲያን ክትሰርሕ እያ . . . ንእትገብሮ ሰናይ ነገር ኣዚና ነመስግን። እዛ ጃልባ እዚኣ ነቲ እተሃንጸትሉን ዳግማይ እተሃንጸትሉን ዕላማ ወትሩ ምእንቲ ኸተገልግል ብሓቂ ድማ ምልክት ፍቕሪ ኣምላኽን ምልክት ናይቲ ህቦብላ ዘህድእ ፈዋሲ ህላወ ኢየሱስ ኣብ መንጎና ክትከውን ስለ ዝኾነት ምእንቲ እዚ ንኣምላኽ ነመስግን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 February 2024, 17:23