ድለ

2024.01.23 ዓመተ ጸሎት፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 'ቤት ትምህርቲ ጸሎት' ከቕውሙ እዮም 2024.01.23 ዓመተ ጸሎት፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 'ቤት ትምህርቲ ጸሎት' ከቕውሙ እዮም 

ዓመተ ጸሎት፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 'ቤት ትምህርቲ ጸሎት' ከቕውሙ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 21 ጥሪ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዝኣወጅዎ ዓመተ ጸሎት ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፡ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ፡ እቲ ናይ ጸሎት ዓመት ካቶሊካውያን ንበዓል ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ንኽዳለዉ ምሕጋዝ ዝብል ዕላማ ዘለዎ እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሰንበት ቅድሚ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ዓመተ ጸሎት ባሪኾም ምእመናን “ነዚ ብጸጋ ዝተመልአ ፍጻመ ብግቡእ ክንነብረሉ ሓይሊ ተስፋ ኣብ እግዚኣብሔር ክንመሃረሉን ንርእስና ክንዳሎ ብውዕውዕ ልቢ ክንጽሊ” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝዝከር ኮይኑ፡ ዓመተ ጸሎት “እቲ ዓቢ ዋጋን ፍጹም ኣድላይነትን ጸሎት፡ ኣብ ውልቃዊ ህይወት፡ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን፡ ጸሎት ኣብ ዓለም ዳግማይ ንምርካብ” ዝተወፈየ ምዃኑ ባዕሎም ቅዱስነቶም ከም ዘብርሁን በዚ መሰረት እውን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ተራዳኢ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላን ከምኡ እውን ናይቲ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ‘ኣወሃሃዲ ዓመተ ጸሎት’ ዝብል ሓላፍነት ዝተወሃቦም ጳጳስ ግራሃም በል ዕለት 23 ጥሪ ኣብ ናይ ቅድስድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም።

ንጉባኤታት መንበረ ጵጵስና፣ ኣብ ሃገረ ስብከት ወኪል ዓመተ ኢዮቤል ከቑሙ

ናይ ስብከተ ወንጌል ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ምእመናን ነዚ ዓመት ንምጽንባል ዝሕግዝ ንዋት ክዝርጋሕ ምዃኑን፡ ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ዓመት ንምእመን ብዝበለጸ ክስደናደውን ተወሳኺ መብርሂ ዝህቡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ጳጳሳት ወከልቲ ኢዮቤል ሃገረ ስብከት ክስየሙ ከም ዘለዎም ሓቢሮም፡ ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ ኣስዒቦም ነዚ ዓመተ ጸሎት ንምድጋፍ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ድልውነቱ ኣረጋጊጾም ንቅዱስ ዓመት 2025 ዓ.ም. ንምድላው ዝግበር ዘሎ ዕዮታት ይቕጽል ከም ዘሎ እውን ኣዘኻኺሮም፡ ቅዱስ ዓመት ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ መንፈሳውያን ነጋዶ ብዛዕባ ዝመጽእ ዓመት ኢዮቤል ዝያዳ ኣብቲ ናይቲ ቅዱስ ዓመት www.iubilaeum2025.va  ከምኡ’ውን ብመንገዲ App - መሕትት ናይቲ ቅዱስ ዓመት ዓሚቕ ሓበሬታ ክረኽቡ ከም ዝኽሉ ይሕብሩ።

ኣድላይነት መዓልታዊ ጸሎት ምርካብ

ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥

"ዓመተ ጸሎት ብፍሉይ ተበግሶታት ዝተለለየ ዓመት ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ዋጋ ጸሎትን ኣድላይነት መዓልታዊ ጸሎትን ኣብ ክርስትያናዊ ሕይወትና ዳግማይ እንረኽበሉ ፍሉይ ዕድል ዘለዎ ግዜ እዩ"

ኢሎም፡ እቲ ዓመት "ጸሎት ውጽኢታውን ፍረ ዘለዎን ንኽኸውን፡ ኣብዚ ስነ ኣሃዛዊ ዕደ ጥበብ ባህሊ ዜጋ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ከመይ ጌርካ ከም እትጽሊ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ነዚ ኣብዚ እዋንን ኩነትን ዘሎ ሰብ ኣናጸለኻ ጸሎት እትምህረሉ እዋን እውን ምዃኑ ኣብሪሆም፥ "እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ዓሚቑ መንፈሳውነት ከምዘድሊ ዘርኢ ምዃኑ ክንክሕዶ ኣይንኽእልን ኢና" ኢሎም።

"ካብቶም ብታህዋኽ ትምርተ መስቀል ዝገብሩ ክሳብ እቶም ኣብ ዕለታዊ ቅዱስ ቁርባን ዝሳተፉ፡ ንኹሎም ምሉእ ብምሉእ ክገልጾም ዘይክእል ሰፊሕ ናይ ጸሎት መገድታት ኣሎ፤ ካብ ቅልጡፍ ክሳብ ትኩረት ዝጎደሎ ጸሎት ናብ ንብዓት ቃንዛ ዝመልአ ክሳብ ናብ ኣስተንትኖኣዊ ጸሎት ክበጽሕ ይኽእል።"

ጸሎት ብኣቐዲሙ ዝተቐመጠ ቅዲ ክማረኽ ከምዘይክእል ሊቀ ጳጳስ ፊዚከላ ገሊጾም፡ "ኣብ ውሽጢ እቲ ንእምነትና ዝፈልዮ ቅርበትን ፍሉይን ዝምድና ናይቲ ኣማኒ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ውልቃዊ ርክብ መግለጺ ስለዝኾነ" ኣንክብሉ የስተውዕሉ።

ንእምነትና ዝምግብ ጸሎት

ዓመተ ጸሎት፡ "ምስ ጎይታ ዘሎና ርክብ ንምዕባይ፡ ሓቀይና መንፈሳዊ ዕረፍቲ ዝርከበሉ ህሞታት ዘቕርብ፡ ጸሎት ንክርስትያናዊ ህይወት እምነት ተስፋን ፍቕርን መመገቢ ዝኸውን ካብ መዓልታዊ ጸቕጢ ዝተዓቖበ ዕረፍቲ እዩ።" በዚ ምኽንያት ስብከተ ወንጌል ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንዝመጽእ ኣዋርሕ ዝኸውን ተኸታታሊ ንዋትን መደብ ሓገዛት ንጸሎት ኣዳልዩ ኣሎ፡ እዚ ድማ ማሕበረሰብ ክርስትያንን ውልቀ ኣመንትን ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ፡ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መእተዊ ቀዳማይ መጽሓፍ "መዘኻኸሪ ጸሎት" ብዝብል ኣርእስቲ ተኸታታሊ ዝወጽእ መጻሓፍ "ጸሎት ትንፋስ እምነት እዩ፤ እቲ ዝበለጸ ግቡእ መግለጺኡ ትንስፋ ዝብል እዩ። ከምቲ ካብ ልቢ እቶም ዝኣምኑን ኣብ እግዚኣብሕኤር ዝውከሉን ዝውሕዝ ኣውያት እዩ" እንክብሉ ከም ዝገልጽዎ።

"ንዝኾነ ተበግሶታት ናይቲ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝዕንቅፍ ዓመት ኣይክኸውንን እዩ . . . እንታይ ደኣ፡ ልክዕ ጸሎት መሰረት ስለ ዝኾነ፡ ነፍሲ ወከፍ ዝተወጠነ ተበግሶ ብኣድማዒ መንገዲ ዝድገፈሉ እዋን ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ስለዚ ጸሎት ቤተ ክርስቲያን ዳግማይ ንኽሕይልን ኣብ ህይወት ነፍሲ ወከፍ ዝተጠመቐ ሰብ ኣሰር ንኽገድፍን፡ ሓሳባትን ምኽርን እምበር፡ ተኸታታሊ ፍሉያት ፍጻመታት ክንጽበ የብልናን" እንክብሉ የነጽሩ።

ምስ ኣስተንትኖ ዘሰንዩ መገድታት

ሊቀ ጳጳስ ፊሲከላ ቀጺሎም ዋጋ ጸሎት ብዝበለጸ ንምርዳእ ኣስተንትኖናን ንባባታትናን ዘሰንየና ክልተ መገድታት ኣቕሪቦም። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 6 ግንቦት 2020 ክሳብ ዕለት 16 ሰነ 2021 ዓ.ም. ብተኻታታሊ ኣብ ጸሎት ዘማእከለ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ “መዘኻኸሪ ጸሎት” ብዝብል ኣርእስቲ፡ እቲ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣሕቲሙ ንንባብ ከብቅዖ እውን ምዃኑ ገሊጾም፥ ንጸሎት ዝድግፍ እውን ምዃኑ የብርሁ።

ተኸታታሊ ሸሞንተ ጽሑፋት

ጳጳስ ግራሃም በል ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ነዚ ዓመተ ጸሎት ንምድላውን ንምድጋፍን ኣሚቱ እቲ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብዚ እዋን’ዚ ዝገብሮ ዘሎ ውጥናት ኣተኩይሮም፥

"ቤት ማሕተም ቫቲካን (LEV)፡ ካብ ዕለት 23 ጥሪ ጀሚሩ፡ "ብዝተፈላለዩ መዳያት ክርስትያናዊ ልምዲ ጸሎት ዝምልከት ተኸታታሊ ጽሑፋት" ብዓለምለኻዊ ፍሉጣት ደራሲያን ዝተኸተመ፥ ብዛዕባ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ዓለም ዝምልከት መሰረታዊ ሕቶታት ዘሳዄዐ ንንባብ ክቐርብ እዩ። እዚ ሸሞንተ ነእሽቱ መጻሕፍቲ ዝሓዘ ተኸታታሊ መደብ፡ ምእመናን ናብ ብልሒ ጸሎት ዝያዳ ንኽኣትዉ ዝሕግዝ ጠቓሚ ሓገዝ ንምቕራብ ንዝተፈላለዩ ጉባኤታት ጳጳሳት ከም ዝቐርብ ኣስተብሂሎም።

'ምስ ኣምላኽ ኩሉ ይከኣል'።

ጳጳስ ቤል፡ "ጸሎት ጥራይ እዩ ንኣምላኽ ኣብ ህይወትናን ኣብ ታሪኽ ዓለምን ቦታ ዝህቦ: ምስ ኣምላኽ ድማ ኩሉ ይከኣል እዩ" እንክብሉ ካርዲናል ኮማስትሪ ዝበልዎ ምዕዳን ጠቒሶም፥ ኣብ ቀረባ እዋን ተወሳኺ ሸውዓተ ምህደረ ሰነዳት ክሕተም እዩ፡ እዚ እውን ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ፡ ምጽላይ ምስ መዝሙረ ዳዊት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ መጽሓፍ ለካቲት 2024 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቅዕ፡ ኹዋን ሎፔዝ ቨርጋራ፡ ጸሎት ኢየሱስ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ  ኣብ ወርሒ ለካቲት 2024 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቅዕ፡ ፖል ሙረይ ምስ ቅዱሳንን ሓጥኣንን ምጽላይ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረዎ መጋቢት 2024 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቅዕ፡ ኣንቶንዮ ፒታ ዝደረስዎ ምሳሌታት ኣብ ጸሎት ዘርእስቱ መጽሓፍ መጋቢት 2024 ዓ.ም. ዝቐርብ ብካርቱስያን መነኮሳት ዝተደርሰ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጸሎት ዘርእስቱ መጋቢት 2024 ዓ.ም. ዝቐርብ፡ ካትሪን ኦቢን ጸሎት ማርያምን ቅዱሳንን ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረሰኦ ሚያዝያ 2024 ዓ.ም. ንንባብ ከም ዝበቅዕን ከምኡ እውን ኡጎ ቫኒ፡ ኢየሱስ ዝመሃረና ጸሎት፡ ‘ኣቡነ ዘበሰማያት’ ዘርእስቱ መጽሓፍ ሚያዝያ 2024 ዓ.ም. ዝሕተም ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ፍራንቸስኮን 'ቤት ትምህርቲ ጸሎትን’

እቲ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምስዞም ጸጋታት እዚኣቶም፡ ኣብ ማሕበረሰብ፡ ኣብ ስድራቤት፡ ንካህናት፡ ንሰብ ውፉይ ህይወትን፡ ንመካነ ንድግደታትን መንእሰያትን ዝተፈላለየ ኣብ ጸሎት ዘተኮረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክዳሎ ምዃኑ እውን እንክሕብሩ፡ ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ "ሓድሽ ጸሎት ኣይኮነን፡ ግን ከኣ ኣድላይነት መዓልታዊ ጸሎት ዝያዳ ብምስትውዓልን ብንቕሓትን ክንነብሮ ዝሕግዙና መጋበርያ ጸሎት እያቶም” እንክብሉ የብርሁ፡ ፊዚከላ ኣስዒቦም ኣብዚ ዓመት እዚ "ቤት ትምህርቲ ጸሎት" ከም ዘቖሙ ድማ ይሕብሩ።

ሊቀ ጳጳስ ፊዚከላ "እዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ምስ ፍሉያት ጉጅለታት ሰባት ብሓባር ንምጽላይን ዝተፈላለየ ዓይነት ጸሎት ብዝበለጸ ንምርዳእን ተኸታታሊ ናይ ጸሎት ህሞታት ክኸውን'ዩ" ክብሉ ገሊጾም: ካብ ምስጋና ክሳብ ኣማላድነት፤ ካብ ኣስተንትኖኣዊ ጸሎት ክሳብ ጸሎት ምጽንናዕ ካብ ኣምልኾ ክሳብ ናይ ልመና ጸሎትን ዘጠቓልል እውን እዩ፡ ሰበስልጣን ቫቲካን ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ኣብዚ ዓመት እዚ ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ጸሎት ኣብ ሕመረት ናይቲ ናይ 2025 ዓ.ም. ኢዮቤል ዘስምዕ ኣዋጅ ተስፋ ንምቕማጥ ግቡእ መገድታት ከም ዝረኽቡ ርግጸይና እየ። ብፍላይ ኣብዚ ሽግር ዝመልኦ እዋን።"

24 January 2024, 15:32