ድለ

2023.10.05 Conferenza Stampa Presentazione Laudate Deum 2023.10.05 Conferenza Stampa Presentazione Laudate Deum  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ብዛዕባ ምሉእ ስነኣከባቢያዊ ስልጠናንታት ብመስመር ብኢንተርነት ክህባ ኢየን

ኣብ ሮማ ዝርከባ ኣብ ትሕቲ ቤተክርስቲያን ዝመሓደራ መናብርተ-ጥበብ ነቲ "እዛ ዓለምና ገጢምዋ ዘሎ ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብድሆታት" ምላሽ ንምሃብ፣ ብዛዕባ ምሉእ ሥነ-ኣከባቢያዊ ስልጠና ብቀጥታዊ መስመር ኢንተርነት ከካይዳ እየን።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሮማ ዚርከባ ጳጳሳውያን መናብርተ-ጥበብ (ቤተ-ክርስትያን) ኣብ ምሉእ ሥነ-ኣከባቢያዊ ዕቃበ ዘተኮረ ሓድሽ ሥልጠና ንምክያድ ሓቢረን ክሰርሓ ምኾነን ገሊጸን ።

እዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዘመልከትዎ፣ ኣከባብያውን ቍጠባውን ፖለቲካውን ማሕበረሰብኣውን ከምኡውን ስነ-ምግባራዊ ጕዳያት ኣብ ነንሓድሕዱ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ብምጕላሕ  ኣገዳሲ ሓሳብ ከም ምዃኑ ስለዘተኰሩሉ ኢዩ ።
እቲ ሥልጠናታት ካብ ወርሒ ጥሪ ኽሳዕ ወርሒ ሰነ 2024 ክካየድ ኢዩ፣ በቶም ምርኡያት ሊቃውንትን መራሕትን ጠበቓታትን ዝቘመ ኣህጉራዊ ጕጅለ ድማ ክካየድ ኢዩ።

ዓለምና "ናብ ክትገማምዓሉ ትኽእል ነጥቢ" ትቐርብ ኣላ

ጳጳሳዊ መናብርተ-ጥበብ ኣብ ሓደ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘመልከተዎ፣ እዚ ስልጠና ነቲ "እዛ ነዓለምና ኣጋጢምዋ ዘሎ ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብድሆታት" መልሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጹ።

"ብ2015 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንራንቸስኮ “ስቡህ ኣንተ” ክብሉ ዝጸሓፍዋ ዓዋዲት መልእኽቶም ብምውጻእ፣ ንኩሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ ብዛዕባ ለውጢ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር መልሲ ክህቡ ጻውዒት ኣቕረቡ።

በዚ ኸምዚ ከአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ኣብ ቀረባ እዋን ውን ብዘሕተምዎ ሓዋርያዊ መዕዳን “ሰብህዎ ለእግዚአብሔር” ከም ዝገለጽዎ፣ ነዚ ዘሎ ኩነታት ዓለምና " እንህቦ ዘሎና ምላሽ እኹል ኣይኰነን " ከምኡውን "እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ትዓኑ ብምህላዋን ናብ ምግምማዕ ግጻ ትቐርብ ብምህላዋን" ክብሉ ኣጠንቀቑ ።

ዝርዝር ስልጠናታት

እዚ ብሕብረት መናብርተ-ጥበብ ዝካየድ ስልጠና ንመጀመርታ ግዜ ብ2016 እኳ እንተ ተጀመረ፣ ሕጂ ግና ንመጀመርታ ግዜ ብቋንቋ እንግሊዘይና ክቐርብ ኢዩ ።

እዞም ስልጠናታት ነፍሲ ወከፍ ክፍለ ግዜ 90 ደቒቕ ዝወስድ ሽዱሽተ ቅጺ ዝሓዘ ዀይኑ፣ ካብ ወርሒ ጥሪ ኽሳዕ ወርሒ ሰነ 2024 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ አብ ሳልሰይቲ ሓሙስ ካብ ሰዓት 01፡30 ድ.ቀ. ክሳዕ ሰዓልት 3፡00 ድ.ቀ. ኣብ ከተማ ሮማ ክካየድ ኢዩ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ድማ ዓውደ መጽናዕቲን ዓለምለኻዊ ዋዕላ ብቀጥታዊ መስመር ኢንተርነት ክካየድ ኢዩ፣ ኸምኡውን ኣብ ወርሒ ግንቦት ብዛዕባ ሰነድ ሓዋርያዊ ምዕዳን “ሰብህዎ ለእግዚአብሔር” ብቀጥታዊ መስመር ኢንተርነት ኣህጉራዊ ዋዕላ ክካየድ እዩ።

እዚ ስልጠና ብዕለት 25 ጥሪ ብወግዒ ኺምረቕ እዩ፣ እቲ ናይ መዝገባ መስርሓት ግን ክሳዕ 31 መጋቢት 2024 ክፉት ኮይኑ ክቕጽል እዩ።

ንዝያዳ ሓበሬታን ከምኡ ውን ንምዝገባ ብዝምልከት ሓበሬታታት ንምካብ አብዚ ጥብቆ ይመልከቱ

18 January 2024, 11:37