ድለ

ቅድስቲ መንበር፡ ኣብ ቓዛ ‘ዝርአ ዘሎ ክትሓስቦ ዘጸግም መከራ’ ክውዳእ ኣለዎ ቅድስቲ መንበር፡ ኣብ ቓዛ ‘ዝርአ ዘሎ ክትሓስቦ ዘጸግም መከራ’ ክውዳእ ኣለዎ  (AFP or licensors)

ቅድስቲ መንበር፡ ኣብ ቓዛ ‘ዝርአ ዘሎ ክትሓስቦ ዘጸግም መከራ’ ክውዳእ ኣለዎ

ወኪል ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት፥ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ሓደ ምሉእ ህዝቢ ሳዕቤን ናይ ሓደ ጽዩፍ ተግባር ግብረሽበራ ተዕዳዪ ክኸውን የብሉን” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍንራቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኩናት “ዓሚቕ ስክፍታ” ከም ዝስምዖምን፣ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ተደጋጋሚ ዘቕርብዎ ጻውዒት ኣብቲ ባይቲ ጸጥታ ሕብራት ሃገራት መደረ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋም ተዓዛቢ ኣብቲ ውድብ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቻ ከም ዘቃልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ዘይሕሰብ" ጸገም ኣብ ቓዛ

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ “ሰብኣዊ ኩነታት ቓዛ ኣዝዩ ጽንኩርን ክግመት ዘይከኣል ስቓይ ዘስዕብን ምዃኑ ኣስሚሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ እስራኤል ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ብተደጋጋሚ ከም ዝኾነንዎ ኣመላኺቶም፥ “ሓደ ምሉእ ህዝቢ ሳዕቤን ናይ ሓደ ጽዩፍ ተግባር ግብረሽበራ ተዓዳዪ ዘይምግባር ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበሉን  “ንርእሰ-ምክልኻል ዝውሰድ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ብመትከላት ኣፈላላይን ተመጣጣንን ክምራሕን ንኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክኽተልን ኣለዎ” ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ “ኣብ ቓዛ ካብ ዝፍጸም ዓመጽ ንዝሃድሙ ኩሎም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ዝኾኑ ኣባይቲ ሕክምናን ኣብያተ ትምህርትን ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ንወተሃደራዊ መጥቃዒት ዒላማ ምግባር ዘሕዝን እዩ . . . ከምዚ ዝበለ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ብኹሎም ወገናት ደው ክብል ኣለዎ፡ እዞም ቦታታት ድማ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዝወሃቦ ሓለዋ ክረጋገጽ ኣለዎ።” ተኹሲ ደው ምባል፡ “እቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ተታሒዞም ዘለዉ ምሩኻት ንኽፍታሑን ኣዝዩ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምዕዳል ምቹእ ሃዋሁ ንምፍጣር፡ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ይኹን ንዘተ ዝኸውን ቦታ ዕድል ዝህብ እዩ” ክም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ክልተ ጎረባብቲ ሃገራትን ህዝብን ዝብል መፍትሒ ዳግም ህያው ምግባር

ሊቀ ጳጳሳት ክቻ “ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ክርስትያን ይኹን ኣይሁዳዊ ይኹን ኣስላማይ ዝኾነ ይኹን ህዝቢ  ወይ ሃይማኖት ቅዱስን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቡርን ብሰላም ናይ ምንባር መሰል ዘለዎን ምዃኑ ብምግንዛብ ከምዚ ዝበለ ሰላም ንምርግጋጽ እቲ ዝበለጸ ተግባራዊ ሜላ “ንከተማ ኢየሩሳሌም ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዝተረጋገጸ ፍሉይ ህልዊ ኲኔታ” ዘለዎ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ዝብል መፍትሒ እዩ ዝብል መርገጺ ቅድስቲ መንበር ደጊሞም ድሕሪ ምርግጋጽ፥ ማሕበረሰብ ዓለም “ምስ መራሕቲ ሃገረ ፍልስጤምን ሃገረ እስራኤልን ብምዃን” ምእንቲ “ሰብኣውነት ኣብ ልዕሊ ትረት ልቢ ክዕወት ”ነዚ ፍታሕ “ብዝተሓደሰ ቆራጽነት” ክስዕብዎ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምዝኽካር መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

26 January 2024, 15:57